'ምፍታሕ ፖለቲከኛታት ጸቕጢ ናይ ደገ ሓይልታት የብሉን''

መለስ ኣለም Image copyright Ministry of foreign affairs
ናይ ምስሊ መግለጺ ምፍታሕ እሱራት ፖላቲካ ጽልዋ ናይ ደገ ሓይልታት ኣይብሉን

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ዴሞክርስያዊ ባይታ ንምግፋሕን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ንምፍታሕ ከምዝወሰነ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።

መንግስቲ እሱራት ፖለቲከኛታት ክፈትሕ ዝወሰነ ካብ ናይ ደገ ሓይልታት ድፍኢት ስለዝተገበረሉ ድዩ ዝብል ሕቶ ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐረበሎም ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣይተ መለስ ኣለም፡ ኩነታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ዝተገበረ ለውጢ እምበር ብናይ ደገ ሓይልታት ድፍኢት ዝተወሰነ ነገር የለን ኢሎም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ 'ኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ለኸ ዝበጽሐቶ ጸፍሒ ዲፕሎማስን ቁጠባን' ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ዩ ኣይተ መለስ ኣለም ነዚ ዝገለጹ።

ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳን ሰኔት ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት ዘጋጥሙ ማእሰርቲ፣ መግረፍትን መቕተልትን ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረዩ ከምዝግባእ ተደጋጋሚ ሕቶ ከምዘቕረቡ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ የጋጥሙ ብዝነበሩ ተቓውሞታት ምኽንያት ኢሉ እውን ፈጻሚት ስራሕ ኢህወደግ ን17 መዓልትታት ብዘካየዶ ዕጽው ኣኼባ ስዒቡ ዝወሰኖም ፖለቲካዊ ውሳነታት ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዎ ረኽቢ ብኣሉታ ስለዝጸልዎ'ዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ'ውን ቀሪብሎም ነይሩ።

ከም ኣገላልጻ ኣይተ ኣለም መለስ 'ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋዕ ሰላም ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ እትጻወቶ ግደ ልዑል ከምዝኾነ ኢሉ'ውን ማእኸል ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍረቃ ከምዝኾነት ስለዝርድኡን ጉዳይ ጸጥታ ኢትዮጵያ እንትዝረግ ከጨንቖም ይኽእል'ዩ''።

"ራህዋን ሰላምን ኢትዮጵያ ንኻልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ዓብይ ትርጉም ስለዘለዎ ፈተውትና ሰላም ኢትዮጵያ ተጠናኺሩ ክቕጽልን ዴሞክራስያዊ ባይታ ሃገርና ክሰፍሕን ልዑል ባህጊ ኣለዎም'' ክብሉ ኣይተ ኣለም መለስ ሓቢሮም።

ኣይተ ኣለም መለስ ካብዚ ብተወሳኺ ኩነታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ምስ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ን30 ዜጋታት ዝኸውን ሰነድ ጉዕዞ ከምዝተወሃበ ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን ምስ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ብምትሕብባር'ውን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ባይታ ይተዓራረ ከምዘሎ'ውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።

ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝበዝሕሎም ከባቢታት ኤምኣበሲታትን ቤት ጽሕፈት ቆንስላን ንምኽፋት መንግስቲ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ዝገለጹ ኣይተ ኣለም መለስ፡ ብሰንኪ ሕጽረት በጀት ግና ኢትዮጵያዊ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ኩሉ ኤምባሲ ምኽፋት ዓቕሚ ከምዝድርት ኣብሪሆም።

ኣብ መወዳእታ ገለ መራኸብቲ ሓፋሻት መግለጽታት ኮነ ግጉይ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካብ ምቅላሕ ንኽእደባ ሓቲቶም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት