ሰሜን ኮርያ ኣብ ጉዳይ ኦሎምፒክ ዝቐረበላ ሕቶ ተቐቢላ ኢላ ደቡብ ኮርያ

ኣርማ ኦሎምፒክ ደቡብ ኮርያ Image copyright Getty Images

ሰሜን ኮርያ ኣብቲ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ ዝካየድ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዘሳተፈ ዘተ ክትሳተፍ'ያ ኢሎም ሰበ ስልጣን ደቡብ ኮርያ።

እቲ ዘተ፡ 9 ጥሪ ዝካየድ ኮይኑ መጻኢ ወርሒ ደቡብ ኮርያ ኣብ ተሰናድኦ ኦሎምፒክ ቅዉዒ ከሳትፎም ዝኽእል መገዲ ኣብ ምንዳይ ጠመተ ዝገበረ'ዩ።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኣን ኣብዚ ሰሙን ኣብቲ ኦሎምፒክ ዝሳተፉ ልኡኻት ምስዳድ ኣብ ሞንጎ ኮርያዉያን ዘሎ "ሓድነት ንምርኣይ ጽቡቕ ዕድል ዝፈጥር'ዩ" ኢሎም።

እቲ ዘተ ፓንሙንጆም ኣብ ዝተብሃለት ንኽልቲኤን ሃገራት ተዋስነን ገጠር ከባቢ ክካየድ ትጽቢት ኣሎ።

'ናይ ሰላም ከባቢ' ተባሂላ ትጽዋዕ እንትኾን፡ ክልቲኤን ኮርያ ታሪካዊ ዘተ ዘካየዳላ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረላ ካብ ወተሃደራት ናጻ ዝኾነት ከባቢ'ያ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰበ ስልጣን ክልቲኤን ኮርያ ክራኸቡላ ተሓርያ ዘላ ፓን ሙንጆም

ሰበ ሰልጣን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ከምዝበሉዎ፡ ዘተ እዘን ሃገራት ብዋናነት ጉዳይ ኢሎምፒክ'ዩ።

ይኹን'ምበር፡ "መዛዘሚ ተሳትፎ ሰሜን ኮርያ ኣብ ኦሎምፒክ ስዒቡ፡ ክልትኣዊ ርክበን ዘጠናኽራሉ ዘተ ክካየድ'ዩ" ክብል ማዕከን ዜና ደቡብ ዮናፕ ጸብጺቡ።

እዚ ድሕሪ 2015 ዝተኻየደ ዘተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እተን ሃገራት ንፈለማ እዋን ዝካየድ ክኸዉን'ዩ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ሰሜን ኮርያ ምስ ደቡብ ኮርያ ተቛሪጹ ዝነበረ መስመር ስልኪ ዳግም ክጅመር ገይራ'ያ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት