ተሌፎናትን ማክ ኮምፒዩተርን ኣፕል ስንኩፍና ቺፕስ ኣጋጢሙወን

ኣይፎን ሞባይል Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ቀረባ እዋን ሶፍትዌር ዝተገጠመለን ኣይፎንን ማክን ጥራሕ እየን ካብ ሓደጋ ምከትን ዕንወትን ናጻ ዝኾና።

ቺፕ ኣብ ተሌፎናትን ኮምፒዩተርን ዝሰርሕ ሚልዮናት ደቀቕቲ መስመራት ኤለትሪክ ዘለዎ ሓንጎል ኤለትሮኒካዊ ኣቕሓ እዩ። እዚ ኣቕሓ'ዚ ኣብ ኮምፒዩተራት ኮነ ተሌፎናት ከም መትኒ እዩ ዘገልግል።

ኩባንያ ኣይፎን ነቲ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ቴክኖሎጂኡ ዘንጸላለወ ሓደጋ ንምፍታሕ ኪቃለስ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣፕል ነቲ ጸገም መፍትሒ ይኸውን እዩ ዝበሎ ሓጋዚ ኣቕሓ ኣከፋፊሉ እኳ እንተነበረ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ከምዘሃበ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ካብ ዝፍለጡ እሙናት ምንጭታት ጥራይ 'ሶፍትዌር' ምጽዓን ( ዳውንሎድ) ምግባር ከም ሓደ ኣማራጺ መፍትሒ ይውሰድ።

ተጠቀምቲ 'ላፕቶፕ ማክ' ካብ ካልኦት ሞባይላትን ኮምፒተራትን ተጠቀምቲ ኣንድሮይድ ዝሓሸ ድሕነት ከምዘለዎም እዩ ዝእመን ነይሩ።

'' ኩሉ ዓይነት ስርዓተ ማክን ኣይ ኦ ኤስን ተጠቒዖም'ዮም። ይኹን እምበር ኣብ ዓማዊል ጸገም ፈጢሩ'ዶ ኣይፈጠረን ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን'' ይብል ኩባንያ ኣፕል

በዚ ድማ ኩለን ዘበናዊ ፕሮሰስ ዘለወን ፍርያት ናይቲ ኩባንያ ተጠቃዕቲ እየን።

ኣፕል፡ ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ሜልትዳውን ክሲ ኣቕሪቡ እኳ እንተነበረ እቲ ምከ (ሜሌትዳውን) ግን ጉድኣት ከምዘየብጽሐ ይገልጽ።

ኩባንያታት ማይክሮሶፍትን ግጉልን ንዓማዊሎም ኣየናይ ፍርያት በቲ ባይረስ ይጥቃዕ ከምዘሎ ሓቲቶም ኣለዉ።

ከም ኣገላልጻ ግጉል እንተድኣኾይኑ ግን 80 ሚኢታዊ ዕዳጋ ዓለም ዝሸፈነ ኣንድሮይድ ዝጥቀሙ ዓማዊሉ እዋናዊ ቁጽሪ ድሕነት መሊኦም እንተነይሮም ስግኣት ክሓድሮም ከምዘይግባእ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ተጠቀምቲ ዊንደውስ ድማ ጸረ ቫይረስ ሶፍትዌር ከምዘድልዮም እናተገለጸ እዩ።