ኣብ ሶርያዊት ከተማ ኢድሊብ ብዘጋጠመ ነትጒ 23 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኢድሊብ፡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት Image copyright AFP/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኢድሊብ፡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ብዕጡቓት ተታሒዛ ኣብ ዘላ ከተማ ኢድሊብ ብዘጋጠመ ዓቢ ነትጒ ብውሑዱ 23 ሰባት ሞይቶም ብዙሓት ካልኦት ድማ ቆሲሎም።

እቲ ነትጒ ንቤት ጽሕፈት ናይ ሓደ ንእሽተይ ካብተን ብዙሓት ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ከምዝሃረመ፡ እቲ ኣብ ብሪጣኒያ ዝመደበሩ ንመሰላት ደቂ ሰባት ኣብ ሶርያ ዝከታተል ሶርያ ኦብዘርቫንሲ ፎር ሂዩማን ራይትስ ዝተባህለ ትካል ኣፍሊጡ። ሸውዓተ ካብቶም ዝሞቱ ድማ ቆልዑት'ዮም።

ጠንቂ ናይቲ ኣብቲ ታላቲን ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ዘጋጠመ ነትጒ እንታይ ምዃኑ ዛጊት ኣይተፈልጠን። ገለ ጸብጻባት ኣብ መኪና ዝተጻወደ ነታጒ'ዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ብሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ዩ ይብሉ።

ጉጅለታት ነፍሲ ኣድሕን፡ ሬሳታት፣ ዝቖሰሉ ሰባትን ካብቲ ዝዓነወ ህንጻን ኣብ ከባቢኡ ካብ ዝርከቡ ኣባይትን ንምውጻእ ይሰርሑ ከምዘለዉ ጉጅለ ኦብዘርቫንሲ ሓቢሩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን ዘሎ።

እቲ ዒላማ ዝተገብረ ዕጡቕ ጉጅለ፡ እቲ ኣማኢት ኤስያውያን ኣባላት ዘለውዎ ኣጅናድ ኣል ቃውቃዝ እዩ። እቲ ጉጅለ ንመጥቃዕቲ ሰራዊት መንግስቲ ንምምካት ኣብ ጎኒ'ቲ ኣባል ጉጅለ ኣልቃዒዳ ዝነበረ ፋተሕ ኣል ሻም ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ተሰሊፉ'ዩ ዝዋጋእ።

እታ ኣብ ዶብ ናይ ቱርኪ እትርከብ ክፍለ-ሃገር ኢድሊብ ሓንቲ ዓባይ መዓስከር ካብ መዓስከራት ናይቶም ኣንጻር ፕረዚደንት በሽር ኣልኣሳድ ዝቃለሱ ጉጅለታት'ያ።

ኣብ 2015 ድማ ካብ ኢድ ሰራዊት ሶርያ ተመንጢላ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይቶም ዕጡቓት ወዲቓ። ሰራዊት ሶርያን መሻርኽቱን ንኢድሊብን ጎረቤታ ንዝኾነት ክፍለ-ሃገር ሃማን ዳግም ንምቁጽጻር ፈኪሮም ኣለዉ።

ሰራዊት መንግስቲ ሶርያ ነታ ኣብ መንጎ ደማስቆን ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ሶርያ ዝኾነት ኣሌፖን እትርከብ ኣገዳሲት ዝኾነት መንገዲ ንምቁጽጻር ኣብ ዝደፍእሉ እዋን፡ ኢድሊብ ብርቱዕ ውግኣት ተኻይዱላ'ዩ።