ሰሜን ኮርያ ናብ ኦሎምፒክ ወከልታ ክትልእኽ እያ

ርክብ ክልተ ኮርያታት Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ርክብ ላዕለዎት ወክልቲ ክልተ ኮርያታት ድሕሪ ክልተ ዓመት

ንኽልተ ዓመት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዘተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ተጀሚሩ።

እቲ ኣብ ከተማ ፓንሙንጆም ዝርከብ ፒስ ሃውስ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ህንጻ ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብቲ ኣብ የካቲት 2018 ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝካየድ ክረምታዊ ኦሎምፒክ ክትሳተፈሉ እትኽእል መንገዲ ኣትኲሩ ይዛተ ኣሎ። ክልተኣዊ ዝምድና ዝመሓየሸሉ መንገዲ'ውን ክዝተየሉ ምዃኑ ደቡብ ኮርያ ኣፍሊጣ። እዚ ዘተ'ዚ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2015 ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተኻየደ ዘተ፡ ናይ ፈለማ'ዩ።

ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ወጥሪ እናዓበየ ክመጽእ ጸኒሑ'ሎ። ሰሜን ኮሪያ ሮኬት ድሕሪ ምውንጫፋን ፈተነ ኑክሌር ቦምባ ድሕሪ ምግባራን፡ ደቡብ ኮርያ ነቲ ኣብ ኬሶንግ ኢንዳስትሪያዊ ፓርክ ዝርከብ ናይ ሓባር ቁጠባዊ ፕኦጀክት ደው ምስ ኣበለቶ ድማ፡ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ተቛሪጹ። እቲ ስጉምቲ ናይ ደቡብ ኮርያ፡ ሰሜን ኮርያ ዋላ ተለፎን ከይተረፈ ንኹሉ ርክባት ምስ ደቡብ ኮርያ ክትበትኮ ኣገዲድዋ'ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ሰሜን ኮርያ ኣጽዋር ናይ ምስራሕ ውጥና ስለዘዕበየቶ እቲ ወጥሪ እናዓበየ ክመጽእ ጸኒሑ'ሎ።

ናይ ሰላም ኦሎምፒክ

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኖርዝ ኮርያ ኣብ ኦሎምፒክ ከምእትሳተፍ ገሊጻ

ክልቲኦም ወገናት ሓሓሙሽተ ተጋባእቲ ናብቲ ዘተ ሰዲዶም ኣለዉ። መራሒ ተጋባእቲ ደቡብ ኮርያ ዝኾነ ሚኒስተር ሕብረት (ዩኒፊኬሽን ሚኒስተር) ቾ ምዮንግ ግዮንግ፡ እዚ ብዙሓት ክቡራን ደቂ ሰሜን ኮርያ ምስ ካብ ኩሉ ዓለም ዝመጹ ኮይኖም ሓቢሮም ዝሳተፍዎ ክረምታዊ ኦሎምፒክ፡ ናይ ሰላም ኦሎምፒክ ክኸውን'ዩ ኢሉ። "እቲ ህዝቢ፡ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዕርቅን ሰላም ከምርሓ ዓቢ ባህጊ ኣለዎ" ኢሉ ንሱ። ደቡብ ኮርያ ነቲ ኦሎምፒክ "ኦሎምፒክ ሰላም" ኢላ ሰሚያቶ ኣላ። ፕረሲደንት ሙን ጃ ኢን ድማ እቲ ጸወታ ኦሎምፒክ፡ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ንምምሕያሽ "ዓቢ ዕድል" ዝፈጥር ኣጋጣሚ'ዩ ኢሉ።

ልኡኽ ሰሜን ኮርያ ብኣቦ መንበር ንጉዳያት ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዝከታትል ትካል ሰሜን ኮርያ ሪ ሶንግ ግዎን'ዩ ዝምራሕ ዘሎ። "ናብዚ ዘተ'ዚ ዝመጻኣና፡ ነዞም ሰብ ዓቢ ተስፋ ዝኾኑ ደቡብ ኮርያውያን ኣሕዋትናን ኣሓትና ናይዚ ዓመት'ዚ ናይ ፈለማ ዝኾነ ህያብና ክንህቦም ኢና መጺእና፡ ንሱ'ኸኣ ዓቢ ዋጋ ዘለዎ ውጽኢት ናይ ዘተ እዩ" ኢኡ ንሱ። ናይ ደቡብ ኮርያ መዘንኡ'ውን ተመሳሳሊ ተስፋ ገሊጹ።

"እዚ ዘተና፡ ዝምድና ሰሜንን ደቢቡብ ኮርያ ንነዊሕ እዋን ተቓሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ'ዩ ተጀሚሩ ዘሎ፥ እንተኾነ ግን እቲ ናይ ፈለማ ስጉምቲ ፍርቂ ናይቲ ጉዕዞ ምዃኑ እኣምን" ኢሉ ሚስተር ቾ።

"እናወሰኸ ዝኸይድ ስጉምቲ ናይ ህጻን ዝዓይነቱ ኣቀራርባ" ንርኢ ኣለና ኢሉ ክኢላ ኣብ ጉዳያት መራሕቲ ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ሚካኤል ማደን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ። "ክልቲኤን ኮርያ ጥንቁቕ ዝኾነ ኣካይዳ ይኸዳ ኣለዋ። ክኸውን ዝደሊኦ ነገረ ግን እዚ ዘተ'ዚ ከም መዝለሊ ናብ ዝዓበየ ርክባትን ምውሳኣትን'ዩ" ኢሉ ንሱ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኖርዝ ኮርያ ኣብ 2016 ርክብ ተሌፎን ኣቃሪጻ

ኣገዳስነት ፓንሙንጆም እንታይ'ዩ?

ውግእ ናይ ክልቲኤን ኮርያ ኣብ 1953 ምስ ኣብቅዐ፡ ፓንሙንጆም ሰበ-ስልጣን ክልቲኦም ወገናት ዝራኸቡላ ቦታ ኮይና'ያ ተመዲባ። እዛ "ናይ ዕርቂ ዓዲ (ቪለጅ)" ብወተሃደራዊ መስመር ናብ ክልተ ቦታ ዝተመቕለት ኮይና፡ ሓደ ወገን ንሰሜን ኮርያ፡ እቲ ሓደ ድማ ንደቡብ ኮርያ ተዋሂቡ። ኣብ መንጎ እታ ዓዲ ድማ ሓደ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ መቆጻጸሪ ነቑጣ ይርከብ።

"ንኹሎም ደቂ ሰባት ዝዓበየ ነገር"

እዚ ናይ ሕጂ ዘተ፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ናይ ሓዲሽ ዓመት መንእኽቱ ተወዳዳሪት ጋንታ ናብቲ ኦሎምፒክ ክሰድድ ይሓስ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። እዚ ስጉምቲ'ዚ ኸኣ ሰሜን ኮርያ ነቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ርክብ ህጹጽ ተለፎን (ሆትላይን) ዳግማይ ከምትጅምሮ ገይሩዋ። በዚ'ኸኣ ዘተ ንምክያድ ዘኽኣለ ናይ ፈለማ ርክብ ተለፎን ተገይሩ።

ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ "ዓቢ ጅማሮ" ክብል ነቲ ዘተ ገሊጽዎ። ኣወንታዊ ውጺኢት እንተድኣ ተረኺቡዎ'ኸአ "ንኹሎም ደቂ ሰባት ድማ ሓደ ዓቢ ነገር እዩ" ድማ ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት