በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ሙጋበ ዝተዋህበቶ ናይ ዶክትሬት መዓርግ ይምርመር

ግሬስ ሙጋበ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ግሬስ ሙጋበ ንበዓል ቤታ ንምትካእ ዝነበራ ጥሙሕ ብምትእትታው ሰራዊት እታ ሃገር ኣብቂዑ'ዩ።

ሰብ-መዚ ጸረ-ብልሽውና ዚምባብወ ነቲ ኣካታዒ ዝኾነ ንበዓልቲ ቤት ሮበርት ሙጋበ፡ ግሬስ ሙጋበ ዝተዋህባ ናይ ዶክትሬት መዓርግ የጻርዮ ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ ሓቢሩ።

ኣፈኛ ጸረ-ብልሽውና ዚምባብወ፡ ፊሊስ ቺኩንዱራ፡ እቲ ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ'ሎ።

"ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ክሲ ከም ዝቐረበን እቲ ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎን ከነረጋግ ንደሊ" ኢሉ።

በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ ዝኾነት ግሬስ ሙጋበ፡ እቲ ኣብ 2014 ዝተዋህባ ናይ ዶክትረይት ዲግሪ፡ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ትምህርቲ ምዃኑ'ዩ ዝዝረብ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ግሬስ ሙጋበ፡ "እናተለወጠ ዝመጽእ ዘሎ ማሕበራዊ ኣቃውማን ተራ ስድራ-ቤትን" ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዶክትረይት መጽናዕታ ከም ዝገበረት 'ዘ ሄራልድ ዝተባህለ' ናይ መንግስቲ ጋዜጣ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ጋዜጣ ብተወሳኺ፡ እታ ብዓልቲ ቤት ሮበርት ሙጋበ፡ መጽናዕታ ኣብ ናይ ዚምባብወ መዕበዪ ቆልዑት ከምዘካየደት'ውን ኣቃሊሑ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብቲ እዋን'ቲ በዓል ቤታ፡ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋበ፡ ቻንስለር ናይቲ ዪኒቨርሲቲ ስለዝነበረ፡ ኣብ መመረቕታኣ ተዓዲሙ ነይሩ'ዩ።

ናይቲ እዋን ሰበስልጣን ድማ ነቲ ብዛዕባ እቲ ኣካታዒ ዲግሪ ዝስማዕ ዝነበረ ክስታት ብምንእኣስ ንግሬስ ሙጋበ ከመጉሱ ይስምዑ ምንባሮም'ዩ ዝግለጽ።

ግሬስ፡ ንበዓል ቤታ ብምትካእ ናይ ዚምባብወ ፕረዚደንት ክትከውን ድሌት ከም ዝነበራን፡ ኣባላት እቲ ገዛኢ ፓርቲ ነዚ ስለዝተቛወምዎ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ውሽጢ'ቲ ፓርቲ ምክፍፋል ፈጢሩ ነይሩ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ሰራዊት እታ ሃገር ኢዱ ብምእታዉ ነቲ ን37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሮበርት ሙጋበ ኣልዩ ንምክትሉ ዝነበረ ኤመርሰን ምናንጋግዋን ፕረዚደንት ክኸውን ከምዝሸሞ ይዝከር።