ናይ ቁጠባ ተቓዉሞታትን ሳዕቤናቶምን ኣብ ኢትዮጵያ

ሰላም ኣዉቶብስን ቢራ ዳሸንን Image copyright Selama and Dashen Facebook
ናይ ምስሊ መግለጺ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሃሉ ትካላት ናይ ፍርያቶምን ኣገልግሎታቶምን ምሕሳምን መጥቃዕትታትን ይወርዶም ኣሎ

ካብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ተቓውሞታት፡ ነተን ምስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፓርቲ ምትእስሳር ኣለወን ዝተባህላ ትካላት ፍርያተንን ኣገልግሎታተንን ካብ ምሕሳም ሓሊፉ ኣብ ልዕሊአን መጥቃዕትታት ከውርድ ተራእዩ'ዩ።

መንግስቲ ባዕሉ ዝበሓተን ከም ኢትዮ-ተሌኮም ዝኣመሰላ ዓበይቲ ትካላት ኣብ ዘለዉሉ ኩነታትን፡ መንግስቲ ድማ እቲ ዝለዓለ ቆጻሪ ስራሕ ዝኾነሉ ሃገርን፡ ነቶም ኣገልግሎታትን ፍርያትን ምሕሳም ዝተሓላለኸ ከም ዝገብሮ ተንተንቲ ይዛረቡ።

ብኣንጻሩ ድማ፡ መንግስቲ ነቲ ህዝቢ ፍኒሕኒሕ መበሊ ስለዝኸልኦ ዝለዓሉ ተቓውሞታትን፡ ግብረመልሱ ዓጸፋ ሓይሊ ምጥቃም ስለዝኾነን፡ ናይ ቁጠባ ተቓውሞ ከም ሓደ ጸቕጢ ዝፈጥር መገዲ ከም ዝኾነ ዝዛረቡ'ውን ኣለዉ።

ቀንዲ ላማታት

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ባህርዳር ተላዒሉ ዝነበረ ተቓውሞ ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር'ዩ። ግብረመልሲ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብምቅዋምን፡ ሓላፍነት ናይቲ ዝጠፍአ ሂወት ክወስዳ ኣለወን ናይ ዝተባህላ ትካላት ኣገልግሎታትን ፍርያትን ናይ ምሕሳም ኣድማታት ተራእዮም'ዮም።

ሓደ ካብቶም ትካላት ዋንነቱ ናይ 'ጥረት ኢንደውመንት ፈንድ'ን ብሪጣናዊ ኩባንያ 'ቫሰሪ ግሎባል'ን ዝኾነ 'ዳሽን ቢራ' እዩ።

ነባሪ ከተማ ባህርዳር ዝኾነ ኣበበ ሰጠኝ፡ ሓደ ካብቶም ዳሽን ቢራ ዘይሰትዩ'ዩ። ንሱ ዘይመስተይኡ ምኽንያት ምስ'ቲ ናይ ባህርዳር ተቓውሞ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ድማ ይገልጽ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ባህርዳር ብዙሓት ሰባት ዳሽን ቢራ ፈጺሞም ከም ዘይሰትዩን፡ ኣብ ሓደ ሓደ ባራት ንርእሶም ይትረፍ ካልኦት ክሰትዩ እንድኣ ሪኦሞም ካብ ቁጠዐ ሓሊፉ ኣብ ሽግር ከእትዎም ከም ዝኽእል ይዛረብ።

እቲ ስጉምቲ ንዳሽን ቢራ ስገም ዘቕርብሉ ድኻታት ሓረስቶት ዝጎድእ እኳ እንተኾነ፡ "ንድኻ ህዝቢ ዋላሓደ ኣማራጺ የብሉን፡ ብዘለዎ'ዩ ዝቃወም፡ ናይ ዳሽን ቢራ ብዝጎደለ መጠን ሓረስታይ ከም ዝህሰ ንፈልጥ ኢና፡ እንተኾነ ግን መንግስቲ እተጠንቅቐሉ መገዲ'ዩ" ይብል።

እቲ ካልእ ናይ ከምዚ ዝበለ ስጉምቲ ግዳይ ዝኾነ ትካል፡ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተመስረተ ማሕበር ኣገልግሎት ኣውቶቡስ ሰላም 'ዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ካብቲ ናይ ልምዓት ማሕበር ወጺኡ፡ ሓደ ናይ ኣክስዮን ማሕበር ብምዃን ብ1600 ብር ንሓደ ብርኪ ብዝኸፈሉ ሰብ ብርኪ ዝተመስረተ ምዃኑ፡ ኣካይዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣቶ ሓጎስ ኣባይ ይዛረቡ።

እንታይ ኣጋጢምዎም

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ናብ ቁልቢ ገብሪኤል ኣብ ምጉዓዝ ኣብልዕሊ ዝነበራ ኣርባዕተ ኣውቶቡሳት እቲ ማሕበር፡ ብተቓወምቲ ቬትሮታተን ከም ዝተሰብረ ኣይተ ሓጎስ ይገልጹ። ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ኣብ ዝተፋለለዩ ቦታት ክልተ ኣውተቡሳት ተቓጺለንኦም ነይረን'የን።

ዋላኳ ኣቶ ሓጎስ፡ እቲ መጥቃዕትታት ኣብ ሰላም ኣውቶቡስ ዘነጻጸረ ጥራይ ኣይኮነን እንተበሉ፡ ርእይቶ ዝተፈላለዩ ሰባት ግን ብኣንጻሩ'ዩ። ብዙሓት ብሰላም ኣውቶቡስ ክጎዓዙ ይፈርሑ'ዮም።

"ሰላም ባስ ናይ ኣክስዮን ማሕበር፡ ርእሱ ዝኸኣለን ካብ መንግስቲ ናጻ ዝኾነን፡ ናይ ሰብ ብርኪ ማሕበር'ዩ፡ ብብዙሓት ግን ናይ መንግስቲ ትካል ኮይኑ ምርኣዩ ናይ ምርዳእ ሕጽረት'ዩ" ይብሉ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር፡ ካብ 17 መስመራት፡ ኣርባዕተ መስመራት ኣብ ሃረር፡ ድሬዳዋ፡ ጂጂጋን ኣሶሳን ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ደው ኢሉ'ሎ።

"ካብዘን ኣርባዕተ መስመራት ወጻኢ ዓቢ ዝበሃል ጸቕጢ ኣየጋጠመናን። ሓቂ'ዩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝበሃሉ ዓቢ ጽልዋ ከምጽኡ እዮም። ኣታዊና ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ከነነጻጽሮ እንከለና ግን ካብ 100ሽሕ ዝበዝሕ ፍልልይ የብሉን" ይብሉ ኣቶ ሓጎስ።

ናይ ዳሽን ቢራ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ሙሉጌታ ማሩ ብወገኖም፡ ናይ ዳሽን ፍርቂ ንብረቱ ናይ ክልል ኣማራ መንግስቲ ናይ ኢንደውመንት ፈንድ ዝኾነ ጥረት ዝተባህለ ትካል ስለዝኾነ ብዙሓት ነቲ ቢራ ምስታይ ከም ዝተሓሰሙ ይዛረቡ።

"ብዙሓት ደጋጊሞም ዘልዕልዎ፡ እዚ ናይ ጥይት መግዝኢ'ዩ ዝብል'ዩ። እንተኾነ ግን ኣየናይ ትካል'ዩ ግብሪ ዘይከፍል? እቲ ትካል'ዚ ምስ ፓለቲካ ዘተኣሳስር ነገር የብሉን" ዝበሉ ኣቶ ሙሉጌታ፡ ንብዙሓት መንእሰያት ናይ ስራሕ ዕድል ከም ዝፈጠረ ይገልጹ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ባህርዳር ሓያል ጽልዋ ከም ዘምጸኣሎም ዝዛረቡ ኣቶ ሙሉጌታ፡ ዋላኳ ኣብ ክሳራ እንተዘይኣተዉ፡ ምስ ዝሓለፉ ዓመታት ክወዳደር እንከሎ ግና መኽሰቦም ከም ዝጎደለ ይዛረቡ።

"ኣብ ባህርዳር ኣብ ሓደ ሓደ ኣብያተ መስተ፡ ኣብ ናይ ካልኦት መሰል ኣትዮም ዘፈራርሑ'ውን ኣለዉ" ብምባል ይዛረቡ። ብፍላይ ምስቲ ኣብ ባህርዳር ምስ ዝሞቱ ሰባት ዝተኣሳሰር ጉዳይ እቲ ኩነታት ቅልውላው ከም ዝፈጠረ ይገልጹ።

"ኣብ ድኻ ሃገር ትካላት ወይ ኣውፈርቲ ምስ ዝኸስሩ ዝያዳ ዝህሰ እቲ ናይ ሰራሕተኛ ክፍሊ'ዩ" ዝበሉ ኣቶ ሙሉጌታ፡ ነቲ ስርዓት ምቅዋም መሰል እኳ እንተኾነ፡ ናይ ሰባት መሰል ዝግህስን ንቁጠባ ዝዕንቅፍን ግን ክኸውን የብሉን ይብሉ።

ኣድማ ከም ፓለቲካዊ ስትራተጂ

ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ፓለቲካዊ ኩነታት፡ ፍርያትን ኣገልግሎታትን ናይ ውልቂ ኩባንያታት ንዘይምጥቃም እቲ ሕብረተሰብ ገምጊምዎ'ሎ ትብል፡ ናይ ፓለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ተንታኒት ህሊና ኣማረ።

"ሓደ ናይ ፓለቲካ ኩነታት ንምቅዋም ወይ ጸቕጢ ንምፍጣር ናይ ትካላት ፍርያትን ኣገልግሎታትን ምሕሳም ክኸውን ይኽእል፡ ካልኣይ ድማ፡ ኣብቲ ተገልጋሊ ጽቡቕ ምስሊ ከም ዘይህልዎምን፡ ድሕነት ከም ዘይስምዖምን ምግባር'ዩ" ክትብል ህሊና ትዛረብ።

እቲ ዝቃወም ህዝቢ ዘለዎ ኩነታት ብምግምጋም'ዩ ኣብዚ ደረጃ'ዚ በጺሑ ዘሎ ዝበልት ህሊና፡ ቅኑዕ መሰረት ኣለዎዶ የብሉን ዝብል ሕቶ ንምምላስ ሓያል መጽናዕቲ ከም ዘድሊ ትዛረብ።

"ተቓውሞ ካብ ሰማይ ኣይወርድን'ዩ። እቲ ማሕበረሰብ፡ ነቲ ፓለቲካ ዝተረዳኣሉን ዝሃቦ ግብረመልስን እቲ ኣድማ የርኢ። ናይ ቁጠባ ዕብየት ምስ ፓለቲካ ተኣሳሲሮም ከይረኣዩ ይኽእሉ'ዮም። ዕለታዊ መነባብሮ ናብ ፓለቲካዊ ኩነታት ከምርሑ እንከለዉ፡ ንሶም ይኹኑ እቶም ኩነታት ናይ ፓለቲካ ጉዳያት ይኾኑ" ትብል።

ዋላኳ ሓደ ሓደ ሰባት ነቶም ኣድማታትን መጥቃዕትታትን፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝወረደ ቅልውላው ወይ ናይ ሽበራ ኩነታት ጌሮም ዘርእይዎ እንተኾኑ፡ ብኣንጻሩ ንህሊና "ሰባት ንሓደ ስርዓት ትኽክል ኣይኮንካን ንምባል ዝጥቀሙሉ መሳርሒ እዩ። መሰረት ናይቲ ተቓውሞ፡ እቲ መንግስቲ ባዕሉ ነቶም እቲ ሕብረተሰብ ከም ናይ ፓለቲካ መሳርሒ ጌሩ ዝርእዯም ኣድማታት ካብ ምዕፋን ምስቲ ሕብረተሰብ ዓᎁቕ ልዝብ ክገብር ይግባእ" ብምባል ትገልጾ።

እቲ ህዝቢ ዘለዎ ዘይዕግበት ክግልጸሉ ዝኽእል መድረኽ እንተ ዘይሃልዩ፡ እቶም ተቓውሞታት ከም ዝሕይሉ'ውን ትገልጽ። "ናይ ቁጠባ ምውዳቕ የምጽእ'ዩ፡ ብተወሳኺ ሰብ-ሃብቲ መንግስትን ሕብረተሰብን ከም ዘገልግሉ ዘይኮነ፡ ከም ጸላእቲ ኮይኖም ክራኣዩ ይገብር" ትብል።

ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ነቶም ተርእዮታት ካብ ምኹናን ፓለቲካዊ ፍታሕ ክህብ ይግባእ ዝበለት ህሊና፡ "ምኹናን ናይ ቤተ-ክርስትያን ስራሕ እምበር ናይ ፓለቲካ ስራሕ ኣይኮነን" ትብል።

እዞም ተርእዮታት ነባሪ ዝኾኑ ተቓውሞታት ዘይኮኑ፡ "እቲ ህዝቢ ዘለዎ ሕቶታት፡ ምስልቻዋትን ሕርቕርቖትን ዘርእዩ እዮም። መደረታትን ጽሑፋትን ከምጽእዎ ዘይካኣሉ ለውጥታት ከምጽኡ ይኽእሉ'ዮም" ብምባል ህሊና ትምጉት።

ንሳ ከም ትብሎ፡ እቲ መፍትሒ፡ መንግስቲ ህዝቢ ዝሳተፈሉ ኩነታት ፈጢሩ፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዘለዉ ሽግራት ምፍታሕ ከርኢ ኣለዎ።

እዚ ምስ ዘይከውን ግን፡ ግጭታት፡ ጽልኢ ወይ መጥቃዕቲ ምውራድ ክቕጽል ከም ዝኽእል ብዙሓት ይዛረቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት