መግለጺ መንግስቲ ዘሕደሮ ትጽቢት ስድራ

ቤት ማእሰርቲ Image copyright Getty Images

ታሕሳስ 25፡ 2010 ቤት ጽሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር "ገበን ፈጺሞም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ፡ ጉዳዮም ዓቃቢ ሕጊ ዝሓዞ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታትን ካልኦት ዉልቀ ሰባትን ዝሓሸ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ስነ ምህዳር ዲሞክራሲ ንምግፋሕን ሕግን ሕገ መንግስትን ብዝፈቕዶ መሰረት ክሶም ተቛሪጹ ወይ ብምሕረት ክፍትሑ ተወሲኑ" ዝብል መግለጺ ኣዉጺኡ'ዩ።

እቲ መግለጺ ካብ ዝወጸሉ ግዜ ኣትሒዙ ግና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣዝማዶም ዝጽበዩ ስድራ ኣብ ቅሊንጦ፣ ዝዋይን ማእከላውን ተኣሲሮም ዝርከቡ ክፍትሑሎም ይጽበዩ ኣለዉ።

ስድራ ቤት፡ ብገበን ምልዓል ዓመጽን ናዕብን ተኸሲሱ ዝተፈርደ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰማያዊ ፓርቲ ዝነበረ ዮናታን ተስፋዬ፡ እቲ ዜና ካብ ዝተሰምዐሉ እዋን ጀሚሩ ዝፍትሐሉ መዓልቲ ይጽበዩ ኣለዉ።

"በዓል ልደት ምስ ምዃኑ ተዛሚዱ ወደይ ክፍታሕ'ዩ ዝብል ትጽቢት'ኳ እንተነበረኒ፡ ክሳብ ሕዚ ግን ምንም የለን" ይብሉ ወላዲኡ ኣይተ ተስፋዬ ረጋሳ።

ጓል እቶም ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝተኣሰሩ ምኽትል ኣቦ መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣይተ በቀለ ገርባ፡ ቦንቱ በቀለ፡ እቲ ዉሳነ ግብራዊ ክሳብ ዝኸዉን ንምእማን ከምእትጽገም ትዛረብ።

"መንግስቲ ወጋሕታ ዝተዛረቦ ምሸት ስለዘይደግሞ፡ ኣቦይ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ከምቀደምና ኣብ ሓደ መኣዲ ክሳብ ዘይቀረብና ኣይኣምንን'የ" ትብል።

ወላዲ ዮናታን ዉሳነ መንግስቲ ካብ ዝስማዕ ንደሓር ወዶም'ኳ እንተዘይረኸቡዎ ካልኦት ኣዝማዱ ከይዶም ርእየሙዎ እዮም። "ተግባራዊ ዝኸዉን እንተድኣ ኾይኑ፡ ብመሰረት እቲ መግለጺ ኣነ'ዉን ክፍታሕ እኽእል'የ ኢሉ ትጽቢት ከምዝገብር ኣዋጊዑኒ'ዩ" ይብሉ ኣይተ ተስፋዬ።

ቦንቱ ብወገና፡ "ናኣሽቱ ኣሕዋተይ፡ ትምህርቶም ክከታተሉ ኣይኽኣሉን" ትብል። ኣብ መዝገብ ኽሲ በቀለ ገርባ ዝተኻተቱ ኣባላት እቲ ኮንግረንስ ኣዲሱ ቡላላን ደጀኔ ጣፋን ብዛዕባ እቲ መግለጺ ዝምልከት ዝሰምዕዎ ነገር ከምዘየሎ ኣዋጊዖምኒ'ዮም ትብል።

ጎና ጎኒ እዚ ዉሳነ፡ 'ማእከላዊ' ዝተብሃለ ዝተፈላለዩ ምርመራታት ዝካየዶ ማእኸል ክዕጾ'ዉን ተወሲኑ'ዩ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተብሃለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት እዚ ዜና ምስ ሰምዐ፡ "ምልክት ምብቃዕ ክፉእ ዘበን ጭቆና" ክብል ገሊጹዎ'ዩ።

መንግስቲ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት መዓዝ'ዮም ክፍትሑ ዝብል ኣፋፍኖት'ኳ እንተዘይሃበ ስድራ እቶም እሱራት ግና ምፍትሖም ከምዘሐጉሶም'ዮም ዝዛረቡ።

"ግዜ ማእሰርቲ ዮናታን ካብ ሽዱሽተ ዓመትን መንፈቕን ናብ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን እንተነከየ'ዉን፡ ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ እንተሪእናዮ ግና ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ሕጉሳት ክንኸዉን ከምእንኽእል ኣይጠራጠርን" ይብሉ ኣይተ ተስፋዬ።

ብተወሳኺ ይብሉ እቶም ወላዲ፡" እቲ መግለጺ ካብቲ ተግባር ቀዲሙ ስለዝወጸ ኣሀንጢዩና'ዩ ዘሎ፡ እቲ ተግባር ምቐደመ ምሐሸና" ይብሉ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝሓተትናዮ ቤት ህንጸት ፌደራል "ክሳብ ሕዚ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኮነ ጠቕላይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዝበጽሐና ደብዳበ ስለዘየሎ ምስ በጽሐና ክነፍልጥ ኢና" ከረብሉ በዓል ሙያ ርክብ ህዝቢ ምኽትል ሳጅን ሳህለገብርኤል ይትባረኽ ምላሽ ሂቦምና።

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ብተመሳሳሊ ዝኾነ ዓይነት ደብዳበ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ኣይበጽሐንን ኢሉ።