ካብ እስራኤል ዝተሰጉ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ የምርሑ

ብሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ዝደሓኑ ስደተኛታት Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ እስራኤል ካብ ሃገራ ንዝወጽእ ስደተኛ 3500 ዶላር ትህብ

እዚ ኣብቲ ስእሊ እትርእይዎ ዘለኹም ህጻን ልክዕ ከምቶም ካልኦት ስደተኛታት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጋራቡሊ ሊብያ ብኣባላት ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ዝደሓነ ውጻእ መዓት ሓደ እዩ።

መንግስቲ እስራኤል ዘይሕጋውያን ንዝበሎም ስደተኛታት ገንዘባዊ ሓገዝ እናሃበ ካብታ ሃገር ከውጽኦም ካብ ዝጅምር ነዊሕ ገይሩ እዩ።

እንተኾነ ግና ይብል መረዳእታ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ገንዘብ መሊሶም ናብ ኤውሮጳ ንምእታው የውዕልዎ ኣለዉ።

ካብ እሰራኤል ዝተሰጎጉ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ክብሉ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዉ ከምዘለዉ'ውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት እቲ ውድብ ኣብ ሮማ ረኺቡ ካብ ዘዘራረቦም 80 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እቶም ዝበዝሑ ካብ እስራኤል ገንዘብ ተቐቢሎም ከምዝመጽኡን ብባሕሪ ሜዲተራንያን ቆራሪጾም ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣተዉን ሓቢሩ።

ይኹን እምበር እቶም ስደተኛታት እቲ ዝተቐበልዎ ገንዘብ ንዘስካሕክሕ ጉዕዞ ሊብያን ባሕሪ ሜዲተራንያንን ሰጊሮም ኤውሮጳ ንኽኣትዉ ይጥቀምሉ ከምዘለዉ'ዩ መረዳእታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።

ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝሰግርሉ እዋን ድማ ዝተፈለለየ ሓሳረ መከራ ከምዝበጽሖም እቲ ውድብ ኣረዲኡ።

እስራኤል ኣብ ውሳነኣ ጸኒዓ፡ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝመጹ ልዕሊ 30 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ግዝኣታ እንተውጺኣ፡ ህይወት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከምዝወድቕ ላዕለዋይ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ ኣሎ።

መንግስቲ እስራኤል ክሳብ ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይወጽአ ስደተኛ ከምዝኣስር ኣፍሊጡ'ዩ።

እቲ ትካል፡ እስራኤል "ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን ናብ ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ናይ ምግዓዝ ፖሊሲኣ" ክትቅይር ሓሳብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ወሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀኔቭ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ውሳነ እስራኤል ሰብኣውነት ዝጎደሎ ስለዝኾነ ካልእ ሓድሽ ኣማራጺ ክተቕርብ ይግባእ ኢሉ።