በቀለ ገርባን ካልኦት ክሱሳትን ብማእሰርቲ ተፈሪዶም

በቀለ ገርባ Image copyright FACEBOOK/BEKELE GERBA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣቶ በቀለ ገርባ

ናይ ኦሮሞ ፌዴራሊስት (ኦፌኮ) ኮንግረስ ላዕለዋይ ሓላፊ ነበር አቶ በቀለ ገርባ ዝርከቦም ኣርባዕተ ክሱሳት ንቤት ፍርዲ ተዳፊርኩም ብዝብል ምኽንያት ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሸተ ወርሒ ክእሰሩ ተፈሪዶም።

እቶም ካልኦት ክሱሳት አቶ ደጀኔ ጣፋ፣ አቶ ጉርሜሳ አያኖን አቶ አዲስ ቡላላን እዮም።

ኣቶ በቀለ እቶም ተኸሰስቲ ንምስክርነት ክቐርቡሎም ዝጸውዑዎም ላዕለዎት ሰበስልጣናት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ከቕርቦም ብዘይምኽኣሉ ኣብ እዋን እቲ ፍርዲ መርገጺኦም ንምንጻር ካብ መቓምጠኦም ተንሲኦም ምንባሮም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ላዕለዋይ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ፡ እቶም ላዕለዎት ሰበስልጣናት ብምስክርነት ክቐርቡ ኣየድልዮምን ንዝበሎ ብምቅዋም ድምጺ ስለዘስምዑ እዮም ንቤት ፍርዲ ተዳፊሮም ተባሂሎም ተፈሪዶም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ብኻልእ ክሲ ኣብቲ መጋባእያ ቀሪቦም ዝነበሩ ካልኦት ሰለስተ እሱራት ከኣ ኣቶ በቀለ ምሰተቓወሙ ኣጣቂዕኩም ዝተባህሉ ሰባት ናይ ሰለስተ ወርሒ ማእሰርቲ ተበይኑሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝን ዝርከቡዎም ንምስክርነት ዝተጸውዑ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብቲ ክቐርቡ ዝተሓቱሉ መጋባእያ ዘይምቕራቦም ዝዝከር እዩ።

ይኹን እምበር ቀዳማይ ሚንሰተር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክሱሳትን ዝተፈርዱን ፖለቲከኛታት ከምዝፍትሑ ቃል ምእታዎም ኣይርሳዕን።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ኣብ ጉዳይ እስክንድር ነጋ እና ውብሸት ታየን ምስክርነት ክህቡ ዝተሓተቱ ሓለፍቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብቲ መጋባኣያ ስለዘይቀረቡ እቲ ጉዳይ ንኻልእ ግዜ ተመሓላሊፉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት