ንቀላይ ጣና ዘስገአ ባዕዳዊ ፃህያይ

ሓረስቶት ጻህያይ እናፀሃዩ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ቀላይ ጣና ዝተፈላለዩ ብድሆታት ኣጋጢሞሞ።

ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዝኾኑ ኣያሌው ወንዴ፡ ኣብ ባህርዳር ዩኒቨርሲቲ ናይ ስነ-ፍልጠት ተማራማራይ እዮም። ኣብ ከባቢ ጣና ከም ዝተወልዱ ዝገልፁ ፕሮፌሰር ኣያሌው፡ ኣብቶም ዝሓለፋ 15 ዓመታት ብውልቆም ኮነ ምስ ተምሃሮኦም ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ኣካይዶም'ዮም።

ሳልሳይ ዲግሮም ኣብ ጉዳይ ቀላይ ጣና ካብ ምስራሕ ሓሊፎም፡ ኣብ ብከላ ማይ ጣና፣ ናይቲ ከባቢ ትሕዝቶ ማይ፣ ብዙሕነት ሂወት ቀላይ ጣና ኣብ ዝመሰሉ ጉዳያት'ውን ሓያሎ መጽናዕትታት ጌሮም'ዮም።

"እቲ ቀላይ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ብዙሓት ፈተናታት ገጢሞሞ ኣለዉ። ናይ ሓመድ ምብሕጓግ፣ ምእካብ ድበት፣ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ጸጋታት፡ ሳዕርን ኣብ ዙርያ እቲ ቀላይ ዝግበር ሕርሻን ቀንዲ ካብቶም ዝጥቀሱ'ዮም።

ብፍላይ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እቲ ቀላይ ዝተኸሰተ ናይ ማይ ጻህያይ ዝለዓለ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ" ይብሉ ፕሮፌሰር ኣያሌው።

እቲ ሓደገኛ ጻህያይ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ኣብ 1965 ዓ.ም ኣብ ቀላይ ቆቃ ተኸሲቱ ከም ዝነበረ እቶም ፕሮፌሰር ይገልጹ።

ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ጻህያይ ደቡብ ኣሜሪካ ብራዚል'ዩ። ቅድሚ ኣብ ቀላይ ጣና ምርኣዩ፡ ብ2004 መገጭ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ፈለግ ተራእዩ ከም ዝነበረ እቶም ፕሮፌሰር ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እዚ ኣዝዩ ሃሳዪ ዝኾነ'ዚ ጻያይ፡ ጉንዱን ፍሪኡን ብዝተፈላለየ መገዲ ዝራባሕ ብምዃኑ፡ ቀልጢፉ ክስፋሕፍሕ ኣኽኢልዎ'ዩ። ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፡ ካብ ፈለግ መገጭ ተበጊሱ ን100 ኪሎ ሜትር ብምጓዓዝ፡ ንቀላይ ጣና ክሽፍኖ ክኢሉ'ዩ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ናይ ኪሊማ ለውጥን (ለውጢ ኩነታት ኣየር) ኣብቲ ጻህያይ ዘሎ ፍልጠት ትሑት ብምዃኑ ከም ዝኾነ ይገልጹ። ካብዚ ዝኸፍአ ግን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሓረስቶትን ብዙሕነት ሂወትን ዘውርዶ ዘሎ ሃስያ'ዩ።

ኣብ ከባቢ እቲ ቀላይ ዝነብራ ወይዘሮ ደስታ ብርሃን ከም ዝበልኦ፡ እቲ ጻህያይ ነቲ ቀላይ የጥፍኦ ኣሎ።

"እቲ ከብትና እነስትየሉ፡ ንኽዳንና መሕጸብን ንዝተፈላለዩ ካልኦት መዓላታት እንጥቀመሉ ቀላይ ክንስእና ንኽእል ኢና" ይብላ ምስናይ ጓሂአን። እዚ ጥራይ ዘይኮነ "እቶም ከብቲ ነቲ ጻህያይ ምስ በልዕዎ ጥዕና ኣይህቦምን'ዩ፡ ስጋኦም ኮነ ጸባኦም ምቁር ኣይኸውንን" ይብላ።

ብሕርሻ መነባብሮኦም ዝመርሑ ኣይተ ምትኬ ፈንቴ ብወገኖም፡ "እቲ ጻህያይ ከብትና ይቐትለልና ኣሎ" ይብሉ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ እምቦጭ ብተወሳኺ ኣዞላን ኢፓማን ዝበሃሉ ዓይነታት ፃህያይ እናተፈጠሩ እዮም።

"ጣና ናይዚ ገዳም ጥራይ ዘይኮነ ናይታ ሃገር ሃብቲ'ዩ"

እቲ ብናይ ጀልባ ስራሕ ናብርኡ ዝመርሕ ኣባይነህ ምናለ፡ እቲ ጻህያይ ንናይ ጃልባ ጉዕዞ ዘይምቹው ይገብሮ ብምህላዉ፡ ኣብቲ ናይ ቱሪዝም ንጥፈታት ጽልዋ ኣሕዲሩ ከምዘሎ ይሕብር።

ናይ ዓሳ ምህርቲ'ውን እንተኾነ ኣዝዩ ነክዪ'ሎ። "ቀደም ካብ ሓደ መርበብ 80 ዓሳ ይግፈፍ ነይሩ። ሕጂ ግን ካብ 15 ንላዕሊ ኣይርከብን'ዩ" ብምባል ኣብ ስርሑ ዘመጸኣሉ ጸገም ይገልጽ።

ካልእ፡ ቀላይ ጣና ናይ ቱሪዝም መስሕብ ካብ ዝገብርዎ ነገራት ሓደ፡ ልዕሊ 20 ገዳማት ዝሓቖፈ ብምዃኑ'ዩ። ኣብቲ ካብቶም ገዳማት ሓደ ዝኾነ ገዳም እንጦስ እየሱስ ኣብ ዝተረኸብናሉ እዋን እማሆይ ወለተማርያም፡ "ጣና ናይዚ ገዳም ጥራይ ዘይኮነ ናይታ ሃገር ሃብቲ'ዩ" ኢለናና።

እማሆይ ወለተማርያም፡ እቲ ጻህያይ ኣብ ከባቢ እቲ ገዳም ኣሎ ምስ ሰምዓ ጭንቀት ፈጢሩለን ኣሎ። "እቲ ፃህያይ ነቲ ቀላይ ከየንጽፎ ስግኣት ፈጢሩልና'ሎ" ድማ ይብላ።

"እንታይ ዓይነት ፈተና መጺኡና ኢለ'የ ሓዚነ" ዝበሉ ናይቲ ገዳም ኣገልጋሊ፡ ኣባ ወልደሰንበት፡ ነቲ ናይ ሕርሻ ቦታታት'ውን ዝወርር እንተኾይኑ፡ እቲ ህዝቢ ክፅገም ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

ፕሮፌሰር ኣያሌው ከም ዝብልዎ፡ ጻህያይ ኣብ ካልእ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ'ውን ብዙሕ ጉድኣት የውርድ ኣሎ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ ጻህያይ ኣብ ትኽክለኛ ቦትኡ ዘይምርካቡ'ዩ።

"ኦም ከም ኦም ዝውሰድ ኣብቲ ዝተፈጠረሉ ሃገር ምስዝኸውን፡ ከም ናይ ተፈጥሮ ጸጋ ክውሰድ ይኽእል'ዩ። ንኣብነት፡ ደንገል [ዓይነት ሳዕሪ] ንዓና ናይ ተፈጥሮ ጸጋ'ዩ" ብምባል የረድእ።

"መጤ [ተባሂሉ ዝጽዋዕ] ብምልኡ ሕማቕ ኣይኮነን" ዝበሉ ፕሮፌሰር ኣያሌው፡ ከም ኣብነት ዘልዕልዎም ዕፉንን በርበረን እዮም። እዚኦም ወረርቲ ኦማት ኣብ ካልእ ተፈጥሮ ጉድኣት ከየውረዱ ጥቕሚ ይህቡ ኣለዉ።

"እምቦጭ ግን ብኣንጻሩ ኣብ ማይ፡ ኣብ ስነ-ሂወትን ካልኦት ኣትክልትን ጉድኣት የውርዱ ኣለዉ" ይብሉ።

ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ብጉልበት ሰብ ጥራይ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምጥፋእ ስራሕ ናይ ማሽን ደገፍ'ውን የድልዮ ኣሎ።

"ጣና ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ ይከብ"

ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ሰለስተ ሜላታት ኣብ ግብሪ ክውዕሉ'ዮም ይብሉ ፕሮፌሰር ኣያሌው። ናይ ሰብ ወይ ማሽን ሓይሊ ምጥቃም፣ ከም ካልኦት ጻህያያት ኬሚካል ብምጥቃም ወይ ድማ ነቲ ጻህያይ ከጥፍእ ዝኽእል ካልእ ተኽሊ ብምስፋሕ ምዃኑ ይዛረቡ።

ካልኦት ሃገራት ነዞም ሜላታት እዚኣቶም በብሓደ ይኹን ብሓባር፡ ብመጠን እቲ ጸገም፡ ይጥቀምሎም እዮም።

ወይዘሮ ደስታን ብጾታን ድማ፡ "ነቲ ጻህያይ ከጥፍእዎ ይጽዕሩ ኣለዉ፤ "ስራሕና ገዲፍና ሮቡዕን ዓርብን ነቲ ጻህያይ ንምቡንቋስ ናብቲ ቀላይ መጺእና ንሰርሕ" ይብላ።

"ኣቦታትን ኣዴታትን ንዓለም ይጽልዪ፡ እምቦጭ ክጠፍእ'ውን ንጽሊ ኢና" ክብላ እማሆይ ወለተማርያም ንቢቢሲ ሓቢረን።

ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ጎንደር፡ ኣይተ ኣዝማች ብርሃኑ ከም ዝብልዎ፡ ነቲ ጻህያይ ንምጥፋእ ኣብ ዙርያ ጣና ዝርከቡ ቀበሌታት ኣብ ምርብራብ ይርከቡ።

እቲ ፀገም ሰፊሕ ብምዃኑ፡ ናይ ዓሰርተ ቀበሌታት ነበርቲ ንምስታፍ ይሰራሓሉ ኣሎ ይብሉ። "እዚ ግን እኹል ኣይኮነን፡ ናይ ማሽን ደገፍ እንተዘይ ሃልዩ፡ ጣና ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ ይርከብ" ይብሉ።

"ዝተዋደደ ኣይነበረን"

ነቲ ፃህያይ ንምጥፋእ፡ ካብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ንነዘ ክስራሓሉ ምጽንሑን፡ ኣብ ገለ ከባቢታት'ውን ውጽኢታዊ ከኸውን ከም ዝኸኣለ፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ጎንደር ኣይተ ብርሃኑ ተማሎ ተዛሪቦም።

ኣብ ከም 'ምጥራ ኣባ ዋርካ' ዝበሉ ቀበሌታት ካብቲ ወራር ናጻ ምዃኖም ከም ኣብነት የቕርብዎም።

ነቲ ጸገም ንምእላይ፡ ብጉልበት ሰብ ዝስራሕ ስራሕ ብማሽን እንተድኣ ዘይተሓጊዙ፡ ከም ዝድለ ውጽኢታዊ ኣይክኸውንን'ዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባትን ይሰርሑ ከም ዘለዉ ዝጠቐሱ ፕሮፌሰር ኣያሌው፡ እቲ ማይ ናብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ስለዝውዕል ኬሚካል ምጥቃም ተመራጺ ኣይኮነን ይብሉ።

ነቲ ወራሪ ጻህያይ ከጥፍኡ ዝኽእሉ ካልኦት ኣትክልቲ ምስፍሕፋሕ፡ ንሳቶም'ውን ዘስዕብዎ ጸገም ክህሉ ስለ ዝኽእል መጽናዕቲ ይግበረሎም ኣሎ።

ነዚ ሓደገኛ ጻህያይ ንምውጋድ ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ፡ ሂወቱ ዝሰኣነ ሰብ ከም ዘሎን፡ ብተመን ተነኺሶም ጉድኣት ዝወረዶም ከም ዘለዉ ዝጠቐሱ ፕሮፌሰር ኣያሌው፡ እቲ ስራሕ "ዝተዋደደ ኣይነበረን" ዝብል እምነት ኣለዎም።

ካብዚ ንላዕሊ ዘስግኦም ግን፡ እዚ ጸገም'ዚ ከይተኣለየ እንከሎ፡ ኣዞላን ኢፓማን ዝበሃሉ ካልኦት ሓደገኛታት ዓይነታት ፃህያይ ይቕልቀሉ ምህላዎም'ዩ።