ሕቶታት ዘለዓዐለ ምትኽኻእ ሽመት ክልል ትግራይ

ባይቶ ትግራይ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባላት ባይቶ ትግራይ

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዘካየዶ 5ይ ዘበን 3ይ ህፁፅ ጉባኤ፡ ንርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣባይ ወልዱ ካብ ስልጣኖም ብምውራድ ንሓድሽ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ስልጣን ሂቡ።

ምኽትል ኮይኖም ዝተሾሙ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ድማ ሙሉእ ሓላፍነት ርእሰ ምምሕዳር ሒዞም ክሰርሑ ወሲኑ። ብዶክተር ደብረፅዮን ዝቐረቡ ሕፁያት እውን ስልጣኖም ብዘይገለ ተቓውሞ ፀዲቑሎም።

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ስልጣኖም ዝወረዱ ኣይተ አባይ ወልዱ፡ ህወሓት ኣብ ቀረባ እዋን ንዘካየደቶ ውሽጣዊ ገምጋምን ምንቕቓፍን መሰረት ብምግባር ስልጣኖም ከምዘረከቡ ሓቢሮም።

ካብ ሓላፍነት ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ተላዓለን ብወይዘሮ ኬርያ ዝተተክኣ ወይዘሮ ኣረጋሸ በየነ'ውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ሂበን። ።

ናይቲ ህፁፅ ጉባኤ ውሳነ፡ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ብርክት ዝበሉ ተመሳሰልቲ ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣልዒሉ'ሎ።

ነቲ ሓደ ኣውሪዱ ንኻልእ ዝተከአ ምኽንያትን ውፅኢትን ገምጋምን ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣይተነጸረን ዝብል ሓሳብ ብተደጋጊሙ ተላዒሉ።

ብዶክተር ደብረፅዮን ዝተዋህበ ምላሽ "ውድብ ገምጊማ መበገሲ ሓሳባትን ሹመኛታትን ሒዛ ትቐርብ፡ ቤት ምኽሪ ድማ የፅድቕ። እቲ ዘድሊ ገምጋማትን ምንቕቓፋትን ብምክያድ እውን ዝወርዱን ዝትክኡን ሒዛ ቀሪባ'ላ" ኢሎም።

ሕጋውነት ሽመት ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ሙሁር ሕግን ዲን ኮሌጅ ሕግን ስነ-መንግስትን መምህር ገብረህይወት ሓድሽ፡ ኣካይዳ ምትካእ ርእሰ ምምሕዳር "ዝተፈለየን ሕጋዊ ከይዲ ዘይተኸተለን" ክብሉ ይገልጹዎ።

ንሶም ከምዝብልዎ፡ ብመሰረት ዝተመሓየሸ ሕገ-መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ምኽትል ክሸይም ዝኽእል ርእሰ ምምሕዳር እዩ። " ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንሱ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ድማ ተተኪኡ ይሰርሕ" ይብሉ።

"ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝበሎ ነገር ኣይሰማዕናን፤ እንታይ ሰጉምቲ ተወሲድዎ ዝብል እውን ብዕሊ ንህዝቢ ኣይተገለፀን፤ እዚ ኣብ ዘይተገለፀሉ እዋን ዝውሰድ ስጉምቲ ሕጋዊ እዩ ኣይብልን" ኢሎም።

እቲ ፕረዚደንት ብህይወት እናሃለወን ብሕጋዊ መገዲ እንተዘይተሰናቢቱን፡ ከምኡ'ውን ዕላዊ ብዝኾነ ኣካይዳ፡ መልቀቒ ስራሕ ብምቕራብ ባዕሉ ካብ ስርሑ ክወርድ እንተዘይሓቲቱ ስልጣኑ ንኻልእ ኣሕሊፍካ ምሃብ

ዴሞክራሲያዊ አካይዳ ከምዘይኮነ ዝሕብሩ መምህር ገብረህይወት፡ "ብገምጋም እንተኾይኑ'ውን፡ ንዝቐረበሉ ገምጋምን ነቐፌታን ኣሚኑሉ፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ብዕሊ ፈሊጦምዎን፡ ባዕሉ እውን ሕቶ ኣቕሪቡን ክኸውን ነይርዎ" ክብሉ የረድኡ።

ዶክተር ደብረፅዮን ግን፡ ፖለቲካዊ ሹመት ብምዃኑ፡ ብፖለቲካዊ ገምጋም ድኽመት ኣብ ዝተርኣዮ እዋን ለውጥን ምትዕርራይን ምግባር ግድን እዩ ይብሉ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ምሁር ሕጊ ገብረህይወት ሓዱሽ

ፖለቲካዊ ተሓታትነት ክረጋገፅ እንተኾይኑ፡ "እቲ ጉድለታት ዘርኣየ ሹመኛ ኣብ ዝነበሮ ሓላፍነት ክቕፅል የብሉን" እዮም ዝብሉ ዶክተር ደብረፅዮን።

ናይ ሕጊ ምሁር ኣይተ ገብረህይወት ግን "ዋላ'ውን ብፖለቲካ ዓይኒ እንተተራእየ ሕጋዊ መስርሕ ክኽተል ነይርዎ።

ንፖለቲካ'ውን ሕጊ እዩ ዝገዝኦ" ይብሉ።

በዓል ሞያ ሕግን ጠበቓን ሙስጠፋ ዓብዱ'ውን ንሓሳብ መምህር ገብረህይወት ይድግፉ። "ኣብ ኣሰራርሓ ፀገም ምህላው ዘርኢ ውሳነ'ዩ። ኣቐዲሙ ዝተሓሰበሉ ኣይኮነን።

ርእሰ ምምሕዳር ኣውሪድካ ብቐጥታ ብምኽትሎም ምትካእ፡ እሞ ድማ ኣባል ቤት ምኽሪ ዘይኮኑ፡ ነቲ ሙሉእ ሓላፍነት ከፈፅሙ ግቡእ ኣይኮነን" ብምባል ፕረዚደንት ምትካእ ሕጋውነት ከምዝድልዮ ብምሕባር

እቲ ምትካእ ሕጋውነት ከምዘይብሉ የረድኡ።

ብርግፅ ኣባል ቤት ምኽሪ ዘይኮነ ሰብ ብደረጃ ምኽትልነት ናብ ስልጣን ክምዘዝ ይኽእል እዩ። ነዚ ዝገብር ርእሰ ምምሕዳር እንትኸውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝሕግዞን ዝትክኦን ሹመኛ ሕፁይ ገይሩ የቕርብ'ሞ ብቤት ምኽሪ ይፀድቐሉ።

እዚ ሕዚ ዝተገበረ ግን ዝተፈለየ ከምዝኾነ ዝሕብሩ መምህር ገብረህይወት "ምኽትል ኮይኑ፡ ግን ድማ ኣባል ቤት ምኽሪ እንተዘይኮይኑ፡ ሙሉእ ሓላፍነት ርእሰ ምምሕዳር ወሲዱ ዝሰርሓሉ ሕጋዊ ኣካይዳ የለን" በሃላይ እዮም።

ኣብ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት መፅናዕትን ምርቃቕ ሕግን ዝርግሐን ኣይተ ግርማይ ወልደሚካኤል ብወገኖም እቲ ውሳነ ንሕገ-መንግስቲ እቲ ክልል መሰረት ዝገበረን ፈፂሙ ዘይፃባእን ምዃኑ ይገልፁ።

"ፕረዚደንት ወይ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዘይህልወሉ እዋን፡ ምኽትሉ፡ ንዕኡ ተኪኡ ከምዝሰርሕ ዝድንግግ ሕጊ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ተቐሚጡ'ሎ።

Image copyright facebook/ mustefa hadush
ናይ ምስሊ መግለጺ ምሁር ሕግን ጠበቓን ሙስጦፋ ሓድሽ

ካብዚ ወፃኢ ዝወሃቡ ሓሳባት ኣብ ውሳነ እቲ ውድብ ዘይኮነስ ኣብ ሕገ-መንግስቲ እዮም ርእይቶኦም ዘቐምጡ ዘለው" ይብሉ። ሰዓራይ ውድብ ንዝመረፆ ብሕፁይነት ናይ ምቕራብ መሰል ከምዘለዎን፡ ክሳብ መማልኢ መረፃ ዝካየድ ድማ ብምኽትልነት ነቲ ሓላፍነት ሒዙ ክፀንሕ ከምዝኽእልን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ገሊፆም።

ኣብ ሕገ መንግስቲ ትግራይ ዓንቀፅ 57 1-ለ

ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ብምኽትሉ ይትካእ ዝብል ሕጊ ኣሎ። እዚ ሓቂ እዩ፡ ኮይኑ ግን እቲ ሕዚ ተፈፂሙ ዘሎ ጥሕሰት ሕግን ዘይዴሞክራሲያውን ዘብሎ፡ ርእሰ ምምሕዳር ባዕልኻ ኣውሪድካ (ሶፍት ኩዴታ ወይ ድማ ልስሉስ ዕልዋ ዝዓይነቱ) ምትኽኻእ ከምዝተፈጸመ ምሁር ሕጊ ገብረህይወት ሓድሽ ገሊጾም።

ርእሰ ምምሕዳር ጥፍኣት እንተተረኺብዎ፡ ቤት ምኽሪ ዘትዩሉ፤ እንተሓሚሙን ብሞት እንተተፈልዩን ወይ ድማ ባዕሉ ስልጣን ናይ ምልቃቅ ሕቶ እንተቕሪቡን፡ ምኽትሉ ስልጣን ተረኪቡ ከም ርእሰ ምምሕዳር ክሰርሕ ይኽእል። ሕዚ ዝተፈፀመ ግን ብዘይፍለጥን ንማንም ግልፂ ብዘይኮነን፡ ፕረዚደንት ኣውሪድካ ኣባል ቤት ምኽሪ ዘይነበረ ምኽትል ሙሉእ ስልጣኑ ክወስድ ምግባር እዩ። እዚ ድማ መግለጺ ኢ-ዴሞክራሲያውነት ከምዝኾነ እዮም ምሁራት ሕጊ ገብረሂወት ሓድሽን ሙስጠፋ ዓብዱን ዝዛረቡ።

ምትኽኻእን ተስፋታቱን

ህወሓት ብመሰረት ዘካየደቶም ውድባዊ ገምጋማትን ምንቕቓፍን ወሰንቲ ዝበሃሉ ለውጥታት ንምምፃእ ከምዝተልዓለት እያ ትገልፅ።

ጉድለት ብቕዓት ኣመራርሓን ፖለቲካዊ ግድፈታትን ዘርኣዩ ሹመኛታት ምውራድን ምትካእን ድማ ሓደ ካብቶም ከምፍታሕ ዝውሰዱ ስጉምትታት ተገይሮም ይውሰዱ።

እቲ ናይ ሕዚ ውሳነን ስጉምትን ኣካል'ቲ ግዜን ኩነታትን ዝሓቶ ለውጢ ምዃኑ ዝገልፁ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ፖለቲካል ሳይንስ ዳይሬክተር ማእኸል ስትራቴጂካዊ መፅናዕቲ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ፀሃዬ፡

"ውፅኢቱ ንመፃኢ ዝረአ'ኳ እንተኾነ ንቕድሚት ከሰጉም ዘኽእል ለውጢ ግን ተገይሩ እዩ። ኣብ ትግራይ ንዘሎ ናይ ምልማዕ ሕቶ ክምልስ ድማ ትፅቢት ይግበረሉ" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ምሁር ፖለቲካል ሳይንስ መረሳ ጸሃየ

ኣብ መስርሕ ምትኽኻእ፡ ንመንእሰይ ወለዶ ኣብ ግምት ምእታው ንለውጢ ኣብ ዝግበር ገስጋስ ዓርሱ ዝኸኣለ ትርጉም ኣለዎ። ። በብእዋኑ'ውን ብኸይዲ ምትኽኻእ፡ መናእሰይ ናብ ዝተፈላለዩ መሓውራት ከምዝመጽኡተገይሩ እዩ።

ይኹን 'ምበር ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ከምዝብልዎ፡ ምትካእ ጥራሕ ብቑዕ ተተካኣይ ምፍጣርን ዕድል ምሃብን ዝግለፀሉ ኣይኮነን "እቲ ክሕሰበሉ ዝግባእ ዓብዪ አፈላላይ እቲ ዝትካእ መንእሰይ ወለዶ፡ ናይ ምውሳንን ምምራሕን ዓቕሙ ማዕረ ኽንደይ እዩ፡ዝብል ክኸውን ኣለዎ።

እቲ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ ናይ ምግምጋምን ኣጀንዳ ናይ ምትሕዝ ዓቕሙ ድኹም እዩ" ክብሉ ይገልፁ።

ኣይተ ኣባይ ወልዱ፡ ድሕሪ ሕልፈት ቀዳማይ ሚንስትር ነበር ኣይተ መለስ ዜናዊ ንዝነበረ ፈታኒ ናይ ምስግጋር እዋን ብብቕዓት ዝሰገሩ መራሒ ምንባሮም ዝሓበሩ እቶም ሓጋዚ ፕሮፌሰር፡ ሓድሽ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን እውን ኣብቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ዝሓሸ ስራሕቲ ክዓሙ ትፅቢት ከምዝግበረሎምገሊፆም።

እዚ ሕጂ ዝተገብረ ምትኽኻእ ግን፤ ኣብ ህይወትን መነባብሮን መንእሰይ ኮነ ህዝቢ ዝሓሸ ለውጢ ንምምፃእ ዘይኮነስ ግዝያዊ ኩነታት ኣገዲዱካ ዝተገበረ ምቅይያር እምበር ምትኽኻእ ከምዘይኮነ ዝዛረቡ በዓል ሞያ ሕጊ ሙስጠፋ ዓብዱ፡ "ነቲ መንእሰይ፡ ካብ ስእነት ስራሕን ስደትን፡ ንህዝቢ ድማ ካብ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ዘናግፍ ለውጢ'ዩ ትፅቢት ዝግበር ነይሩ።

ነቲ ወሳኒ ናይ ለውጢ ሓይሊ መንእሰይ፡ ሕዚ'ውን እምነት ከምዘየሕደሩሉ ዘርኢ ጉባኤ እዩ ነይሩ" በሃላይ እዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት