ፕሬዚደንት ትራምፕ "ንስደተኛታት ስድነት ብዝመልኦ ዘረባ ኣናሽዩ"

Image copyright Reuters

ከምቲ ዝብሃል ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ብስደት ናብ ኣሜሪካ ዝፈለሱ ዜጋታት ስድነት ብዝመልኦ ኣዘራርባ ዘሊፍዎም።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ብሓሙስ [11 ጥሪ] ንኣባላት ባይቶ "ስለምንታይ ኢና ነዞም ካብ ጽዩን ሃገራት ዝመጽኡ ሰባት እንቕበል?" ከምዝበሎም ዋሺንግቶን ፖስት ሓቢሩ።

እቲ ትንብህታ ነቶም ካብ ሃይቲ፡ ኤል ሳልቫዶርን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጹ ሰባት ዝምልከት ኢዩ ነይሩ።

ዋይት ሃውስ [ቤት መንግስቲ ኣሜሪካ] ነቲ ብናይ ኣሜሪካ ናይ ዜና ማዕከናታ ዝተረጋገጸ ርእይቶ ኣይነጸግዎን።

"ገለ ፖለቲከኛታት ዋሽንግቶን ንረብሓ ወጻኢ ሃገራት ክቃልሱ ክመርጹ ከለው፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ግና ንረብሓ ኣሜሪካውያን ኢዩ ዝቃለስ" ኢሉ ኣፈኛ ዋይት ሃውስ ራጅ ሻህ።

"ፕሬዚደንት ትራምፕ ዝቃለስ ዘሎ ነቶም ሃገርና ንምሕያልን ቁጠባና ንምምዕባልን ከምኡ'ውን ንሕብረተሰብ ኣሜሪካ ከበርክቱን ምስቲ ህዝቢ ክውሃሃዱን ዝኽእሉ ሰባት ክንቅበል ይግባእ።

ነቶም እንቕበሎም ሰባት ከምተን ካልኦት ሃገራት ዝገብርኦ ኣብ ብቕዓት ዝተሞርከሰ ክኸውን ይግባእ" ድማ ኢሉ ራጅ።

"ትራምፕ ንሂወት ናይቶም ጻዕረኛታት ኣሜሪካውያን ዝፈታተን መጻንሕን ድኹምን ሓደገኛን ስጉምታት ጨሪሱ ኢዩ ዝነጽጎ፡ ነቶም ናብ ኣሜሪካ ብሕጋዊ መንገዲ ብምምጻእ ዝሓሸ ሂውት ዘናድዩ ድማ የነኣእስ" ኢሉ ራጅ።

ከምቲ ዝብሃል ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ መግለጺ ዝሃቦ ኣባላት ባይቶ ካብ ክልቲኡ ሰልፍታት ብዛዕባ ጉዳይ ኢሜግሬሽን ንምዝርራብ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ምስ በጽሕዎ ኢዩ።

ሴኔተር ሪቻርድ ዱርቢን ኣባል ዴሞክራቲክ ሰልፊ መንግስቲ ኣሜሪካ ንዜጋታት እተን ብተፈጥራዊ ሓድጋን ኲናትን ለበዳ ሕማምን ዝተሃስያ ሃገራት ግዜያዊ መንበሪ ፍቓድ ክትህቦም ክሓትት ጸኒሑ።

በንጻሩ ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቶም ኣባልት ባይቶ ኣብዘዛረብሉ እዋን፡ ኣሜሪካ ከም ብዓል ኖርወይ ዝእመሰላ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ክትቅበል ኣለዋ ኢሉ። ቀዳማይ ምኒስተር ኖርወይ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ እዚ ፕሬዚደንት ትራምፕ ምስ ኣባላት ባይቶ ዝገብሮ ርክብ በጺሕዎ ነይሩ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ዓሚ ሰነ ብዛዕባ ኢሜግሬሽን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ"ኩሎም ደቂ ሃይቲ ሕማም ኣይድስ ኣለዎም" ኢሉ ከምዝነበረ ኒው ዮርክ ታይምስ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ሓቢሩ ነይሩ።

ገለ ካብቲ ኣንጻር ናይ ፕሬዚደንት ዝተዋህበ ቅልጥፍ ግብረ-መልሲ፦

"ነቲ ምሕረት ዘይግበረሉን ንቤት ጽሕፈት ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዘዋርድን መግለጺ እኹንኖ" ኢሉ ኤሊጃ ካሚንግስ፡ ኣባል ባይቲ ሜሪላንድ ካብ ዴሞክራቲክ ሰልፊ ኣብ ዝገብሮ ትዊት።

እቲ ብፕሬዚደንት ትራምፕ ዝተዋህበ መግለጺ፡ "ኣሜሪካ ዳግማይ ሓያል ሃገር ንምግባር ዘይኮነ ኣሜሪካ ሃገር ጸዓዱ ንምግባር ዝሓለን ኢዩ"፡ ኢሉ ሴድሪክ ሪችሞንድ፡ ጸሊም ኣሜሪካዊ ኣባል ባይቶ ካብ ሰልፊ ዲሞክራት።

ሚያ ላቭ፡ እቲ እንኮ ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካዊ ወዲ ሃይቲ ድማ ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ዝሃቦ "ጨካን ዘዋርድን ዘናሹን" መግለጺ ይቕረታ ክሓትት ጠሊቡ።

እንተኾነ፡ ዋይት ሃውስ ነቲ ዝቐርበ ነቐፌታት ነጺግዎ።

ሐደ ብዓል ስልጣን ትራምፕ ንሲ ኤን ኤን ከምዝበሎ "እቲ ዝተባህለ ንነበርቲ ዋሺንግቶን ዘሕርቕ እኳ ኣንተኾነ፡ ኣባላት ቤት ጽሕፈቱ ግና ነቲ ዝበሎ ከቃልሑ ኢዮም ዝብሃል"።

በቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ኩነታት፡ ኣሽሓት ኣማኢት ስደተኛታት ክጥረዙ ተኽእሎታት ከምዘሎ ይግለጽ።