ካብ ከዉሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስቲያን

ላሊበላ Image copyright Getty Images

ላሊበላ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እትርከብ ከተማ፡ በቶም ንበይኖም ዝዓይነቶም ብኣኻውሕ ዝተሃንጹ ኣብያተ-ክርስትያናታ'ያ ትፍለጥ፣ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ከኣ እቱዋት'ዮም።

እቶም ብኣጋ-መወዳእታ 12ን 13ን ክፍለ-ዘመናት፡ ካብ ሓደ ከውሒ ተጸሪቦም ዝተሰርሑ ህንጻታት ኣብያተ-ክርስትያናት - ምስ መሳዅቶምን ማዕጾኦምን - እኳ ድኣ ገሊኦም 50 ሜትሮ ንታሕቲ ሸለው ዝበሉ'ዮም።

ብዙሓት ሊቃውንትን ጸሓፍቲ-ታሪኽን ከም ዝብልዎ፡ ናይ ኣኻውሕ ምጽራብ ጥበብ ካብ ዝጠፍእ ልዕሊ 500 ዓመታት ኰይኑዎ 'ሎ ኢሎም ይኣምኑ።

ሎሚ'ውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንካብ ንጽል-ከውሒ ዝተሰርሑ ቤተ-ክርስትያናት ድህሰሳ እናተኻየደ'ዩ። ኣማኑኤል ኢጉንዛ፡ ናይ ቢ.ቢ.ሲ. ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ክፍትሽ'ዩ ቀንዩ።

"እቲ ክስተት ከምኡ'ውን ንድፊ ናይ'ዞ ኣብያተ-ክርስትያናት ብራእይ ካብ እግዚኣብሄር'የ ተቐቢለዮ" ይብሉ እቶም 40 ዝዕድሚኦም ገብረመስቀል ተሰማ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ከውሒ ጸሪቦም ዝሰርሑዎም ኣብያተ-ክርስትያናት እናርኣዩኒ።

ድምሮም ኣርባዕተ ኣብያተ-ክርስትያናት'ዮም፣ ኵሎም ብዉሽጠ-ዉሽጢ ዝተሓላለኹን መናድቖም ብጥንቃቐ ዝተቐብኡን መርበበ-ጋለርያታት'ዮም ተኣሳሲሮም።

ኣባ ገብረመስቀል ተሰማ ቀሺ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ'ዮም፣ ምስ ሰለስተ ካልኦት ሰባት ኰይኖም ካብ ኣኻውሕ ኣብያተ ቤተ-ክርስትያናት ንክሰርሑ ነብሶም ዝወፈዩ ሰብ'ዮም። ዕላምኦም እቶም ዝሰርሕዎም ኣብያተ-ጸሎት ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ምእማን ንምግልጋል'ዩ።

"እቶም ዝተሓላለኹ ኣብያተ-ጸሎት ንኽሃንጽ ኣርባዕተ ዓመታት ወሲዱለይ" ይብሉ፣ "ሓዲስ ላሊበላ ኢለ'ውን ሰምየዮም" ኢሎም ወሰኽሉ።

እቲ ጕጅለ-ነዳቖ ብመሰረታዊ-ናውቲ፡ ማለት ከም ኣፍ-ራዛ፡ መጽረብ፡ ባዴላ ተጠቒሞም'ዮም ነቲ እሳተ-ጐመራዊ ኣኻዉሕ ዝጸረቡዎ። እቲ ዝሓየለ ስራሕ ካብ ርእሲ'ቲ ከውሒ ምጅማር'ዩ፡ ካብኡ ጀሚሮም ከኣ እናወርዱ መሳዅቲ፡ ማዕጾታት ዀኑ መሽጐራጕር ይሰርሕሉ።

ናብቲ ቦታ ንምብጻሕ ንርእሱ ዓቢ ስራሕ'ዩ። ብኣኻዉሕ ዝመልአ መገዲ-ኣጋር ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ድሕሪ ምጕዓዝ ኣብ ሓደ ሓድሽ ቤት-ክርስትያን ካብ ከውሒ ዝጽረበሉ ዝነበረ ስፍራ በጻሕና። ገሊኦም ኣብያተ-ጸሎት ካብ ኣመና ምርሓቖም ናይቲ ዞባ ሓለፍቲ ካን'ዩ ዝገርሞም ቤት-ክርስትያን ይህነጽ ኣሎ ዚብል ወረ ክሰምዑ ኸሎዉ።

Image copyright Getty Images

እዞም ሓደስቲ ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ወሎ፡ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ንላሊበላ ኣማዕድዩ ዝጥምት ኣብ ኣዝዩ ምጭው ቦታ'ዮም ተሰሪሖም፣ ኵሉ ከም ዝፈልጦ፡ ጽባቐ-ላሊበላ ዘስተክር'ዩ።

እቶም ካብ ንጽል ከውሒ ዝተሰርሑ ዓሰርተ-ሓደ ኣብያተ-ክርስትያን ላሊበላ ካብ 12 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ፡ ኣብ ቀንዲ መትኩሮኣዊ-ነቝጣ-ክርስትና'ዮም ተሰሪሖም። ብዘመን ንጉስ ላሊበላ'ዮም ተሃኒጾም። እቶም ንጉስ ናብ እየሩሳሌም ክሳለሙ ዝኸዱ ድኻታት ኣትዮጵያውያን ኣመንቲ እቲ መገሻ ኣዝዩ ይነውሖም ስለ ዝነበረ ኣብ ዉሽጢ ሃገር እየረሳሌም ንክስርሑ ወሰኑ።

ገለ ካብ'ቶም ኣብያተ-ክርስትያናት 40 ሜትሮ ንታሕቲ ሸው እሎም'ዮም ዝወርዱ፣ ሓደ ካብኦም እቲ ዉሩይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስትያን ወይ ከኣ ቤታ ጊይርጊስ - በቲ መስቀላይ ናሕሱ ዝልለ፣ ከምኡ'ውን ቤታ ማርያም - ካብ ምሉእ ዓለም ዝዓበየ ብነጸላ-ከውሒ ዝተሰርሐ ቤት ክርስትያን።

ሃገር-በቆል ዛንታት ከም ዝብሉዎ፡ እቶም ኣብያተ-ጸሎት ኣብ ላሊበላ ክጽረቡ ኸሎዉ እቶም ንጉስ ዝቖጸሩዎም ካብ ወጻኢ-ሃገር ዝመጹ ሰራሕተኛታት ብመዕልቲ ክሰርሑ ለይቲ-ለይቲ መላእኽቲ ወሪዶም ይሰርሑ ነበሩ ይበሃል።

ኣባ ገብረመስቀል ከኣ ከምዚ ዚስዕብ ይብሉ፡ "ኣነ ነዚ ስራሕ'ዚ ዝተበገስኩሉ ምኽንያት እቶም ኣብያተ-ጸሎት ብእግዚኣቢሄር ዝተበራትዑ ኣህገራውያን ንኽምስክር'ዩ" ይብሉ።

Image copyright Getty Images

"ኢትዮጵያውያን ነቲ ስራሕ ዝበቅዕ ክእለት ይኹን ፍልጠት ኣይነበሮምን ዝብል እምነት ዘሎዎም ሰባት ኣለዉ። ንዓይ ዋላ'ኳ ሓደ ሰብ ነቲ ስራሕ ዝመሃረንን ዘርኣየንን ሰብ የለን፣ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጊዘ እንሆ እዚ ዘደንቕ ስራሕ ባዕለይ እዓሞ" በሉ።

ፕሮፌሰር ማይክል ገርቨርስ፡ ካብ ቶሮንቶ ዩኒቨርሲቲ፡ "መንፈሳውነት ኣብ ማእከል'ዞም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንድህስሶም ዘሎና ሓደስቲ ኣብያተ-ክርስትና ኣሎ" ይብሉ።

ፕሮፌሰር ማይክል፡ ምስ ጉጅለኦም ሃነጽትን ሰራሕቲ ፊልምታትን ነቲ ቀስ ኢሉ ዝጠፍአ ጥበብ ኣብ ምስናድ ይርከቡ። እቲ መደብ ናይዚ ብ ኣርከድያ ፉንድ ዩ.ከይ. ዝሰነቐ ፕሮጀክት ሓደ ህዝቢ ክጥቀመሉ ዝኽእል ኣሃዛዊ (ዲጂታል) ማዕከን ሓበሬታ ንምፍጣር'ዩ።

ምናልባሽ ኣብ ኢትዮጵያ ዝያዳ ኤለክትሪሲቲ ምስ ዝርከብ፡ እቶም ኣኻውሕ ብጽራብ ኣብያተ-ክርስትና ዝሰርሑ ሰባት ብጽዑቕ ኣየር ዝሰርሕ መፍሓሪ መራርሒ (ኑማቲክ ድሪልስ) ተጠቒሞም እቲ ኢደ ጥበቦም ጨሪሶም ከጥፍእዎ'ዮም" ይብሉ።

"ካብ ሓደ ሓዲሽ ቦታ ናብ ካልእ እናኸድና ነቶም ጥበኛታት እናዛረብና ነቲ ስርሖም ብኸመይ ከም ዝዓሙዎ ናይ ብሕቲ ፍልጠቶምን ንቐስም ኣሎና" ይብሉ። ዕላማና ንሰነድ ናይ'ዚ ጥበብ'ዚ ምስ ህዝቢ ምክፋል'ዩ" ይብሉ።

ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ጕጅለ ዕስራ ሓደስቲ ኣብያተ-ጸሎት ኣብ ኣኽራናት ሰሜናዊ ክልልላት ኣምሓራን ትግራይን ክረኽቡ ክኢሎም ኣሎዉ።

"ኣዚና እንተ ፈተሽና ዝያዳ ህንጻታት ንረክብ ኣሎና። ካልኦት ኣብያተ-ጸሎት ክህልዉ ይኽእሉ'ዮም። ነቶም ዳህሲስና ዝረኸብናዮም ዅሎም ክንስንዶም ከኣ ተስፋ ኣሎና። እቲ ህዝቢ ግብራውነት ካብ ከውሒ ዝተጸርበ ቤት-ጸሎት ምስራሕ ይርድኦም'ዩ። ንኣምልኾ ምስ ተኸፍቱ ብዙሕ ክንክን ኣይድልዮምን'ዩ፣ ንሓደ ሺሕ ዓመት ክጸንሑ ይኽእሉ'ዮም" ፕሮፌሰር ገርቨርስ ይብሉ።

ንኣባ ገብረመስቀል ግን እቲ ዕላማ ናይዚ ፕሮጀክት ካብቲ ምዕቃብ እቲ ጥበብ ይዓቢ።

"እቶም ኣብያተ ጸሎት ብዕሊ ክኽፈቱ ተሃንጥየ ኣለኹ፣ ንማሕበረሰብና ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምሩ፡ ኣብ ሓጺር እዋን እዞም ኣብያተ-ጸሎት ብሕጉሳት ሰባት ክመልኡ'ዮም" ይብሉ ምስ ፍሽኽትኡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት