ክሲ ዶክተር መረራ ጉዲና ተቛሪፁ

ዶክተር መረራ ጉዲና Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶክተር መረራ ጉዲና

ክሲ ኣመራርሓ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ነባር ፖሊቲከኛ ዶክተር መረራ ጉዲና ከምዝተቛረፀ ምንጭታት ይሕብሩ።

ዶክተር መረራ ብ2016 ኣብ ብራስልስ ኣባላት ፓርላማ ኣውሮፓ ኣብ ዘሳለጡዎ አኼባ ተኻፊሎም እንትመፁ እዮም ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ነይሮም።

ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ጥሒሶም ብዝብል ብግብረ ራዕዲ ገበን ክሲ ተመስሪቱዎም ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ክረአ ዝፀንሐ ዶክተር መረራ ጉዲና፥ ኣብ እስርቤት ንሓደ ዓመት ኣሕሊፎም።

ቅድም ክብል ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግ ተሪሮም ክቃወሙ ካብ መንጎ ዝፀነሑ ፖለቲከኛታት ሓደ እዮም።

ኣብ ሃገራዊ መረፃ 2002 መድረኽ ወኪሎም ተወዳዲሮም ፓርላማ ክሳብ ዘይአተውሉ ጊዜ፥ ንነዊሕ እዋን አባል ተቃዋሚ ውድብ ወኪሎም ኣብ ፓርላማ ክካትዑን ተቓወሞ ከስምዑን ምፅነሖም ይዝከር።

ኣብ ልዕሊ ዶክተር መረራ ተመስሪቱ ዝፀንሐ ክሲ ገበን ውድቂ ዝተገብረ፥ ሎም መዓልቲ ላዕለዋይ ዓቃበ ሕጊ ክሶም ኣብ ከይዲ ምርኣይ ዝርከብ 528 እሱራት ክሲ ከምዝቋረፅ ድሕሪ ምግላፁ ሒደት ሰዓታት ፀኒሑ'ዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት