ኣልሲሲ ግብጺ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘለዋ ረብሓ ከምዝሕልዉ ቃል ትዮም

ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ግብጺ፡ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ቐረብ ማይ ሃገሮም ብምሕላዉ፡ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ሰላማዊ ርክብ ትኹረት ሂቦም ከምዝሰርሕሉ ተዛሪቦም ኢሉ ማዕኸን ዜና ፈረንሳይ።

ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቐሪቦም ኣብዘሕለፉዎ መልእኽቲ ግብጺ ሰላም ከምእትደሊ ብምግላጽ፡ "ሃገርና ምስ ጎረባብታ ናብ ኲናት ኣይትኣትዉን" ኢሎም።

እታ ሃገር እትረኽቦ ማይ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝተሞርኮዘ እንትኾን፡ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፡ እታ ሃገር 2020 እትረኽቦ ብጽሒት ማይ ክጎድኦ'ዩ ኢሎም ተዛሪቦም።

ግብጺ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሩባ ኣባይ ተፈጥሮኣዊ መሰል ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ሩባ ዝካየዱ ውጥናት ልምዓት ክትቃወም ጸኒሓ'ያ።

ግብጺ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ፡ ሓላየብ ትሪያንግል ተተሓሑዙ፡ ምስ ሱዳን ኣብ ጎንጺ'ኳ እንተጸንሐት፡ ክልቲኤን ሃገራት ብዘልዕለኦ ሕቶ ይግብኣኒ፡ እቲ ቦታ ኣብ ትሕቲ ግብጺ ይርከብ።

ኣል ሲሲ ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ እታ ሃገር ወተሃደራዊ ዓቕማ ክተጠናኽር እያ ኢሎም።

ካብዚ ሓሊፉ፡ "እዚ ደሕንነትና'ዩ፡ ሃገር ክከላኸል ዝኽእል እኹል ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሎና። እዚ ሰላም ንምሕላዉ'ዩ ኢና ንዛረቦ ዘለና። ኣብ ከባቢ ዶብ ዘለዉ ነገራት ክነጠናኽር ኢና። ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ግና ኢድና ኣይነእቱን" ኢሎም።

እዚ መልእኽቲ ንግብጻዉያን እንተመሰለ'ዉን፡ "ንኢትዮጵያዉያንን ሱዳናዉያንን ኣሕዋትና እቲ ጉዳይ ግልጺ ክኾነሎም'ዩ" ኢሎም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ሩባ ኣባይ

ህንጸቱ ኣብ 2012 ዝተጀመረ ልዕሊ 6000 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከመንጩ'ዩ ዝተብሃለ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሕዚ 60 ሚኢታዊ ከምዝበጽሐ ይግለጽ።