ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ቤት ዝተሓየሩ ቖልዑ ተረኺቦም

ጸጋማይ፡ ዳቪደ ኣለን ቱረፒንን ልዊስ ኣና ቱርፒንን Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ቖልዑ ብምግፈዖም ዝተኸሱ መጻምድቲ

ክልተ መጻምድቲ ሰብ ሓዳር ኣብ ገዝኦም ን13 ቖልዑ ዓጽዮም ከሳቕዩዎም ስለዝተረኽቡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮም። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ንገሊኦም ቖልዑ ኣብ ትሕቲ ዓራቶም ብመቑሕ ኣሲሮሞ የሳቕዩዎም ከምዝነበሩ ተገሊጹ።

ወዲ 57 ደቪድ ኣለን ቱረፒንን ጓል 47 ልዊስ ኣና ቱርፒንን ንቖልዑ ብምስቓይ ተኸሲሶም ተቐይዶም ኣለዉ። እቶም ካብ 29 ክሳብ ክልተ ዓመት ዝዕድመኦም ካብ ከተማ ሎስ ኣንጀሎስ 95 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቤት እዞም ስድራ ዝተረኽቡ ቖልዑ፡ ፖሊስ፡ እሕዋት እዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎም ተሓቢሩ።

ፖሊስ እቲ ከባቢ፡ ትማሊ ሰንበት ሓደ ካብቶም ተሓይሮም ዝነበሩ ቖልዑ ሃዲሙ መጺኡ ምስነገሮም ነቲ ገዛ ከምዝኸዱዎን ነቶም ግዳያት ከም ዘድሓኑዎምን ሓቢሮም።