"መኣዝ ኮን ይኾን ደቂ ዓደይ ከም ድላዮም ጋዜጣ ኣገላቢጦም ከንብቡ ዝርኢ?"

ሕትመት ሚድያ ኢትዮጵያ Image copyright MARCO LONGARI

ሰይፋ ካብ ገዛኣ እንትወፅእ ሓደ ደጋጊማ እትዕዘቦ ነገር ኣሎ። ምጭንናቕ ትራፊክ ዘይፍለያ ናይሮቢ፥ ነበርታ ኣብ ትራንስፖርት መንግስቲ ኮነ ኣብ ውልቀ መኪነኦም ኮይኖም ጋዜጣ የንብቡ።

"ነበርቲ ከተማ ናይሮቢ ካብ ጋዜጣ ብዝረኽቡዎ ሓበሬታ ምስ እዋናዊ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊና ቁጠባዊ ወድዓዊ ኩነታት ማዕረ እንትጓዓዙ ብጣዕሚ እየ ዝቐንእ" ትብል።

ብ1902 ዓ.ም "አዕምሮ" ዝተብሃለ ጋዜጣ ምሕታም ካብ ዝጀመረ ግዜ ኣትሒዙ ንኢትዮጵያ ብተኸታታሊ ዝመርሑ መንግሥታት ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ሓፋሽ ብፍላይ ድማ ኣብ ውልቀ ሕትመት ሚድያ ፅዕንቶን በሰላን ገዲፎም ሓሊፎም እዮም።

ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ጋዜጠኝነትን ኮሚዩኒኬሽንን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ 'ኒው ሜክሲኮ' ዕዱም ፕሮፌሰር ኮይኖም እናገልገሉ ዝርከቡ ዶክተር ኣብዲሳ ዘርኣይ ከምዝበሉዎ "ሚድያ ሕትመት ኢህወዴግ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ጀሚሩ ንዝተወሰነ ጊዜ እወንታዊ ለውጢ እንተመዝገበ'ኳ ሐዚ ግና ንሓደጋ ተቓሊዑ'ዩ" ይብሉ።

ድሕሪ 1997

ብዝተፈላለዩ ተጓንፎታቱ ዝዝከር መረፃ 1997 ኣብ ልዕሊ ህላወ ፕሬስ'ውን ዘይናዓቕ በሰላ ገዲፉ እዩ ። "ንኣየይ ድሕሪ መረፃ 1997 ሚድያ ህትመት ሞይቱ'ዩ" ይብል ኣብ ቀረባ ካብ ቤት ህንጸት ዝወጽአ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ።

"ድሕሪ እቲ መረፃ ካብ ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግ ብቐጥታ ኰነ ብተዘዋዋሪ ብዝበፅሖ ፀቕጢ ብዙሓት ብውልቀ ዝውነኑ ጋዜጣታት ካብ ዕዳጋ ወኢኦም'ዮም" ይብል።

መንግስቲ ፀረ-ራዕዲ፣ ሲቪክ ማሕበረሰብ ከምኡ'ውን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣመልኪቱ ብዘዉፀኦም ኣዋጃት ኣብ ልዕሊ ነፃ ፕሬስ ከቢድ ፅዕንቶ ከምዝፈጠረ ዝዛረቡ ድማ ዶክተር ኣብዲሳ እዮም። "ካብቲ እዋን እቱይ ጀሚሩ እነሆ ብፍላይ ሚድያ ሕትመት ክለዓል ኣይከኣለን" ይብሉ።

ንሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል በብወርሑ ክሕተም ዝፀንሐን ኣብ ፅባሕ ኣዋጁ ህፁፅ ጊዜ ዝተዓፀወ 'ኣዲስ ስታንዳርድ' መፅሄት መስራቲትን ዋና ኣሰናዳኢትን ጋዜጠኛ ፀዳለ ለማ እቶም ሕግታት ሚድያ ህትመት ንክዳኸምን ናይ ባዕሎም እጃም ከምዝነበሮም ትኣምን።

"እቶም ዝወፁ ሓደሽቲ ደንቢታት ስዒቡ እንታይ ፅሐፍና ኣየናይ ከምእንገድፍ ኣይንፈልጥን ነይርና"ኢላ።

Image copyright MARCO LONGARI

ፅዕንቶ ቴክኖሎጂ

ሓደ ሓደ ድማ ዕብየት ሓድሽ ቴክኖሎጂ ንምድኻም ሚድያ ሕትመት ሓደ ምኽንያት ምዃኑ ይዛረቡ።

"ሓደ ሰብ ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ብናይ ባዕሉ ስልክን ኮምፒውተርን እኹል ሓበሬታ ምርካቡ ንሕትመት ሚድያ ምድኻም ምኽንያት ይኸውን እዩ ኢለ እኣምን" ትብል ኣልባብ።

"ኬንያ ብቴክኖሎጂ ብፍላይ ብቀረብ ኢንተርኔት ኣብ ዝሐሸ ብርኪ እትርከብ እንተኾነት ሕዝ'ውን ዜጋታታ ጋዜጣ ከንብቡ'የ ዝርኢ"በሃሊት እያ።

ጋዜጠኛ ፀዳለን ተመስገን ደሳለኝን ብናይ ኣልባብ ሓሳብ ይሰማምዑ። ክልቲኦም ምድኻም ሚድያ ሕትመት ህዝቢ ናብ መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርነት) ከዘንብል ኣገዲዱዎ 'ምበር ሕዚ'ውን ኣንባቢ መሊኡ እዩ ይብሉ።

በዓል ዋና "ሆርን ኣፌይርስ" ዳንኤል ብርሃነ ድማ ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣለዎ። "ሰብ ካብ 'ኦንላይን' ብዝረኽቦ ሓበሬታ ረውዩ ጋዜጣንን መፅሔትን ገዛኢ ዝሰኣኑ ኢለ ኣይሓስብን።

ኩነታት ተማቻችሎም ውፅኢታት ሚድያ ሕትመት ቁዉም ነገር ሒዞም እንተወፂኦም ኣንባቢ ይስእኑ እዮም ኢለ ኣይኣምን። የግዳስ መንግስቲ ነቲ ዓውዲ ዝሃቦ ጠመተ ንእሽተይ ብምዃኑ'ዩ ኣብ ኢትዮጵያ ሚድያ ሕትመት ክዳኸም ዝኸኣለ" ይብል።

"ብፍላይ ሕጊ ፀረ-ግብረ ራዕዲ ምድኻም ነቲ ዓውዲ ብመጠኑ ዓብዪ እጃም ከምዝተፃወተ ይስመዐኒ። እቲ ሕጊ ጠቕሊሉ ኣየድልን ኢለ ግና ኣይሓስብን" ክብል ይካታዕ።

ባዕልኻ ሓሊኽካ ምውዳቕ

ዶክተር ኣብዲሳ ሚድያ ሕትመት ንምድኻም ውሽጣውን ግዳማውን ምኽንያታት ይፀርሑ። ውሽጣዊ ካብ ዝብሉዎም ምኽንያታት ሓደ ኣብቶም ጋዜጠኛታት ዝርአ ዝነበረ ጉድለት ስነ ምግባር እዩ።

እቲ ሓዱሽ ስርዓት ንምቅላስ ብዝብል ብሂል ዝተወለደ ውልቀ ሚድያ ኢትዮጵያ ጃምላ ወቐሳ፣ ጎንፂ ፋሕጣርን መጎሃሃርን ከምኡ'ውን መፀለምታ ዝሓዙ ትሕዝቶታት ሓዚሎም ይወፁ ነይሮም፡ ይብሉ'ሞ እዚ እቲ ውልቀ ሚድያ ባዕሉ ንባዕሉ ሓሊኹ ንኽወድቕን መንግስቲ ስጉምቲ ንኽወስድን ዘተባብዐ ከምዝነበረ ይዛረቡ።

"ብኻሊእ ወገን ድማ ሐዚ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ኣካል ባህሪ እቲ ሚድያ ብዘይምርዳእ እቲ ዓውዲ ከዕንብብ ኣብ ክንዲ ምግባር ብኣንፃሩ ጠጠው ምባሉ እቲ ሚድያ ቁልቁል ክወርድ ግዳማዊ ምኽንያት'ዩ" ይብሉ ዶክተር ኣብዲሳ።

እዚ'ውን ኮይኑ ግና ኣብ ካልኦት ሃገራት ከምዘሎ እቲ ሚድያ ብናይ ባዕሉ ቤት ምኽሪ እንተዝመሓደር ኣበይ ምበፅሐ ነይሩ ትብል ፀዳለ።

ተመስገን'ውን እንተዀነ ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣለዎ። "ካብ ጥፍኣት'ኳ ነፃ እንተዘይኰነ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ግና ይሕይል" ይብል።

ብ1999 ዓ.ም ዝተመስረተ ጋዜጣ "ኣዲስ ነገር" ክሳብ 30 ሽሕ ኮፒ ብምሻጥ ዝፍለጥ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዮም ካብ ሞንጎ ዝቐሃሙ ጋዜጣታት ሓደ'ዩ።

Image copyright MARCO LONGARI

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ መረፃ 2002 ኣሰናዳእቱ ካብ መንግስቲ ፀቕጢ ተገይሩልና ኢሎም "ፍትሒ ኣልቦ ቤት ፍርዲ" ብምስጋእን ካብ ሃገር ወፃኢ ተሰዲዶም።

ብተመሳሳሊ ብርክት ዝበሉ ሰዓብቲ ፈጢሩ ዝነበረ "ፍትህ" ዝተብሃለ ጋዜጣ ሕልፈት ሕይወት ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር መለስ ዜናዊ ቅድሚ ምንጋሩ፡ ሒዙዎም ብዝወጹ ፀብፃባት 30 ሽሕ ዝበፅሕ ሕታም እቲ ጋዜጣ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ክቃፀል ከምዝተገበረ ተመሰገን ደሳለኝ ይዝክር።

ዕለታዊ ኣዲስ፣ ኢትኦጵ፣ ሞገድ፣ ልሳነ ሕዝብ፣ ምኒልክ፣ ጦቢያ፣ ሳተናው፣ ነፃነት፣ አውራንባ ታይምስ፣ መብረቅ፣ ሰይፈ ነበልባል፣ ፍትህ፣ ፋክት፣ አዲስ ታይምስ፣ ኣዲስ ነገር ካብ መንጎ እቶም ብዙሓት ትርእይ ኢሎም ዝቐሃሙ ውፅኢታት ነፃ ሚድያ ዝፅርሑ'ዮም።

ፅባሕኸ ?

ካብዚ ንደሓር ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ዝበሃል ብፍላይ ኣብ ዛዕባታት ፖሊቲካ ጠሚቱ ዝሰርሕ ውልቀ ሚድያ ኣይተርአየን ትብል ፀዳለ።

ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መረበብ ገፁ ሓበሬታን ትንታነታትን ዝፍንው እንትኸውን "ኩነታት እንተተመቻችዩልና ናብ ሕትመት ዘይንምለሰሉ ምኽንያት ኣይክህሉን" ትብል።

"ቅድም ቀዳድም መንግስቲ ነቲ ዓውዲ ጠነግ ኮይኖም ዝሓዙዋ ደንብታት ከመሓይሽን ከሕድስን ይግባእ" ትብል።

ጋዜጠኛታት ምስ ግብረ ራዕዲ ዝፈፀሙ ውልቀ ሰባት ማዕረ ኣብ ዝዳነይሉ ዓዲ ኢና ዘለና ድማ ትብል።

ዶክተር ኣብዲሳ ብወገኖም "መንግስቲ ብዙሕነት ማለት ምስ ብሄረ ብሄረሰባት ኣተኣሳሲሩዎ እዩ። ይኹን'ምበር ምስ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን ክተኣሳሰር ይግባእ።

ሚድያ ከም ፀላኢ ክርአ ዘለዎ ዘይኮነስ ናይ ባዕሉ እጃም ከበርክት ምእንታን ዕድል ክዋሃቦ ይግባእ "ይብሉ።

"መኣዝ ኮን ይኾን ደቂ ዓደይ ከም ድላዮም ጋዜጣ ኣገላቢጦም ከንብቡ ዝርኢ?" ክትብል እትሓትት ኣልባብ እዚ ኩነታት ብሃንቀውታ ትፅበዮ።