ሓኪም ዋይት ሃውስ ጥዕና ኩነተ አእምሮ ፕረዚደንት ኣረጋጊጹ

ፕረዚደንት ትራምፕን ሓክምን Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ትራምፕን ሓኪሙን

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ'ቲ ዘካየዶ ልበወታዊ [ኣእምሮኣዊ] ሕክምናዊ ምርመራ ጥዕንኡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎን፡ ዝኾነ ዘይንቡር ምልክታት ኣብ ኣካላቱ ከምዘይተራእየን፡ ፍሉይ ሓኪም ዋይት ሃውስ ገሊጹ።

"ኣእምሮኣዊ ወይ ድማ ናይ መትንታቱ ብቕዓት ዝኾነ ስክፍታታት የብለይን" ኢሉ ዶክተር ሩኒ ጃክሶን።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ዝሓለፈ ሰሙን ንፈለማ እዋን ሰለስተ ሰዓታት ዝወደአ ሕክምናዊ ምርመራ ኣካይዱ።

እቲ ሕክምናዊ ምርመራ ብዛዕባ ጥዕንኡ ብዙሕ ዘዛረበት መጽሓፍ ድሕሪ ምዝርጋሓ'ዩ ተኻይዱ።

ዶክተር ጃክሶን ትማሊ ሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጥዕና ፕሬዚደንት "ኣዝዩ ጽቡቕ'ዩ ዘሎ" ኢሉ።

ኩሉም ዘካየዶም ምርመራታት ድማ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣዝዩ ጥዑይ ከምዘሎ የርእዩ ኢሉ።

ሽጋራን መስተን ስለዘይወስድ ብናይ ልብን ካልእን ሕማማት ኣይክሽገርን ድማ ኢሉ እቲ ዶክተር።

እንተኾነ፡ እቲ ወዲ 71 ዓመት ፕሬዚደንት ብዙሕ ቅብኣት ዘይብሉ ምግቢ ብምምጋብን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምዝውታርን ድማ ዝያዳ ጥዕንኡ ጽቡቕ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብወተሃደራዊ ሓካይም ኣብ ሜሪላንድ ዋልተር ሪድ ሆስፒታል ዘካየዶ ሕክምናዊ መርመራ ኩሉ "ኣዝዩ ጽቡቕ" ኔሩ ተባሂሉ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት