ዶክተር መረራ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም

ዶክተር መረራ

ዶክተር መረራ ጉዲና ሎሚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ከምዝተፈትሑ ሓላፊ ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ሚኒስትር ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም።

እቶም ሚኒስትር "ዶክተር መረራ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተለቒቖም'ዮም" ክብሉ ተዛሪቦም።

ዶክተር መረራ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም ንገዝኦም ይምለሱ ከምዘለው ሓለፍቲ ቤት ህንፀት ከምዝገለፁሎም ኣባላት ስድራቤቶምን ሕጋዊ ጠበቐኦምን ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።

ሕጋዊ ጠበቓ ዶክተር መረራ ኣይተ ወንድሙ ኢብሳን ካልኦት ኣባላት ስድራን ንዶክተር መረራ ክበጽሑ፡ ናብ ቤት ማእስርቲ ቃሊቲ እንተኸዱ'ኳ፡

ሓለፍቲ እቲ ቤት ህንፀት ግን "ሎሚ ስለዝፍትሑ ምምጻእ ኣየድልየኩምን፡ ባዕልና ሒዝናዮም ክንመፅእ ኢና።" ከምዝበሉዎምን ሒዞሞም ይመጽኡ ከምዘለውን ሓቢሮም።

ፈተውቶም፣ ስድራ-ቤቶም፣ ጠበቐኦምን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኣዲስ አበባ፡ አሸዋ ሜዳ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ መንበሪ ገዘኦም ይጸበዩዎም ምህላዎም ተፈሊጡ።

ነባር ኣመራርሓ ተቓውሞ ብፍላይ ድማ ኣመራርሓ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዝኾኑ ዶክተር መረራ፥ ኣብ ብራስልስ ብ2016 ኣብ ዝተኻየደ አኼባ ኣባላት ፓርላማ ኣውሮፓ ተሳቲፎም እንትምለሱ'ዮም ብገበን ግብረ ራዕዲ ተጠርጢሮም ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም። ንሓደ ዓመት ድማ ኣብ ቤት ህንፀት ፀኒሖም።

ደገፍቶም ከኣ ፖሊቲካዊ መልእኽቲ ዝሓዙ ጭርሖታትን ምስሊ ዶክተር መረራ ዝሓዘለ ቲሸርት ተኸዲኖም ኣብ ጥቓ ገዘኦም ይፅበዩዎም ከምዘለዎ ካብቲ ከባቢ ምንጭታት ሓቢሮም።