ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ግብጽን ዘቕረበቶ ክሲ ስሒባ

ሱዳን ክሳ ስሒባ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ግብጽን ኣቕሪባቶ ንዝጸንሐት ክሲ ስሒባቶ

መንግስቲ ሱዳን ካብ ግብጽን ኤርትራን ጸጥታዊ ስግኣት ኣሎኒ ንዝበሎ ክሲ ከምዝሰረዞ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ግብጽን ስግኣት ኣሎኒ፡ ብምባል ናብ ምብራቓዊ ዶባቱ ገዚፍ ሰራዊት ኣንቀሳቒሱ ነይሩ።

ሕጂ ግን እቲ ስግኣት ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘለው ደባይ ተዋጋእቲ ተቓወምቲ ዜጋታቱ እምበር ካብ ኤርትራን ግብጽን ዘይምዃኑ ሓቢሩ።

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ካርቱም ተራኺቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሱዳን ብገለ ሃገራት ዝውረ ዘሎ ታህዲድ ኣይኮነን ዘዛርባ ዘሎ፡ ብወገን ምብራቓዊ ሱዳን ብውሑዳት ሓይልታት ተቓወምቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ስግኣት ጸጥታ እዩ ዘዛርባ ዘሎ። ኣብቲ ከባቢ እንታይ ከጋጥም ከምዝኽእል ድማ ተረዲኡና'ሎ" ኢሎም።

ዝሓለፈ ሰሙን ተሓጋጋዚ ፕሬዚዳንት ሱዳንን ምክትል ሃገራዊ ውድብ ሱዳን ኢብራሂም መሓመድ፡ ካብ ግብፅን ኤርትራን ብፍላይ ከኣ ካብ ከባቢ ሳዋ ስግኣት ምህላዉ ሓበሬታ ረኺብና ነይርና ምባሎም ይዝከር።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ጋንዱር፡ "ሱዳን ምእንቲ ሃገራዊ ድሕነታ ሰራዊታ ናብ ምብራቓዊ ዶባት'ኳ እንተንቀሳቐሰት ክሳብ ሕጂ ግና ንሕና 'እገሊት እትበሃል ሃገር ተስግአና እያ' ኢልና ኣይተዛረብናን።

ይኹን'ምበር ፀጥታና ክጐድኡ ዝፍትኑ ከምዘለዉ ፈሊጥና ኣለና። እንታዎት ምዃኖም ግን ኣብ እዋኑ ክንገልጾ ኢና" ኢሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሱዳን ዘካየዶ ሃንደበታዊ መገሻ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንዝተላእከ ደብዳበ ኣረኪቡ። ምስ ሱዳናዊ መዘንኡ ከኣ ኣብ ሃገራዊ፣ ዞባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ተዘራሪቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት