ምዕፃው ትካላት መንግስቲ አመሪካ ኣብቂዑ

መንግስቲ አመሪካ Image copyright Getty Images

ኣባላት ሰልፊታት ሪፓብሊካውያን ደሞክራትን ግዜያዊ ባጀት መንግስቲ ንምጽዳቕ ድሕሪ ምድማጾም፡ ከፊላዊ ዕጽዋ ኣብያተ-መንግስቲ (መንግስቲ ንኸይሰርሕ ምወላ ምኽልካል) ኣሜሪካ ኣብቂዑ።

መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራትስ ነቲ ብሪፓብሊካውያን ብጉዳይ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምዝታይ ዝተኣተወሎም ቃል ድሕሪ ምቕባሎም'ዮም ነቲ ባጀት ንምጽዳቕ ተሰማሚዖም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሰኑይ ነቲ ንድፊ ባጀት ድሕሪ ምፍራሙ ንደሞክራትስ ዝወቅስ መደረ ኣስሚዑ።

ኣባላት ክልቲኦም ሰልፍታት ናይ ነዊሕ እዋን ባጀት ንምጽዳቕ ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም፡ እዚ ትማሊ ዝጸደቐ ጊዜያዊ ባጀት ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣትሒዝካ ንራብዓይ ጊዜ ዝሓልፍ ዘሎ ጊዜያዊ ባጀት'ዩ።

እቲ ንድፊ ናይ ወጻኢታት ባጀት ኣብ ሰኔት 81 ብ18 ክሓልፍ እንከሎ፡ ኣብ ባይቶ (ኮንግረስ) ድማ 266 ብ150 ድምጺ ጸዲቑ።

እዚ ባጀት'ዚ ድማ ነቲ መንግስቲ ክሳብ 8 ለካቲት ከካይዶ'ዩ። በዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክፍሊት ዘይብሉ ዕረፍቲ ክወስዱ ተገዲዶም ዝነበሩ ሰራሕተኛታ ፈደራላዊ መንግስቲ እፎይታ ረኺቦም ኣለዉ።

"ብቐንዱ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ'ዩ ነይሩ" ኢሉ ኣብቲ ኣብ ኣትላንታ ጆርጂያ ዝርከብ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ተማራማሪ (ሳይንቲስት) ዝኾነ ቶም ቻፐል ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል።

ሪፓብሊካውያን እንታይ'ዮም ዝብሉ ዘለዉ?

መራሒ ሰኔት ረፓብሊካውያን ሚች ማኮነል ሰልፉ ብደሞክራትስ ብዛዕባ ስደተኛታት ንምዝታይ ንዝቐረበ ጠለብ ንምዝታይ "ኣብ ስምምዕ ከምዝበጸሐ" ሓቢሩ።

ደሞክራትስ እቶም ብቖልዕቶም ናብ ኣሜሪካ ዝኣተዉ ልዕሊ ሸውዓተ ሚእቲ ሽሕ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብመንግስቲ ኣሜሪካ ንኸይስጎጉ ይሓቱ።

ሪፓብሊካውያን ግን ፈደራላዊ ትካላት ብሰንኪ ባጀት ተዓጽየን እንከለዋ ክብጻሕ ዝኽእል ስምምዕ ኣይክህሉን'ዩ ኣብ ዝብል መጎተ'ዮ ጸኒዖም ጸኒሖም።

ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝኾነ ፕረዚደንት ትራምፕ ግን "ደሞክራትስ ኣባላት ኮንግረስ ናብ ልቦም ምምላሶ ደስ ኢሉኒ'ዩ" ኢሉ።

"ንስደተኛታት ዝምልከት ንነዊሕ እዋን ዝኸይድ ስምምዕ ክንበጽሕ ኢና፡ እዚ ግን ንሃገርና ጽቡቕ እንተኾይኑ ጥራይ'ዩ" ኢሉ ንሱ።

ደሞክራትስ "ተሮኽምሾም" ድዮም?

ደሞክራትስ ብዛዕባ ሚስተር ማኮነል ዝሃቦ መብጽዓ ምጥርጣር ኣርእዮም'ዮም፡ ብፍላይ ድማ ገለ ሊበራላውያን (ዘይወገናውያን) ጉጅለታት በቲ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ንምኽፋት ዝተበጽሐ ስምምዕ ተቖጢዖም'ዮም።

ኣብ 2020 ዝግበር ፕረዚደንታዊ መረፃ ክወዳደሩ ይኽእሉ'ዮም ዝበሃሉ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራትስ ዝኾኑ ኤልሳቤጥ ዋረን፣ ኪርስተን ጊሊብራንድ፣ ኮሪ ቡከር፣ በርኒ ሳንደርስን ካማላ ሃሪስን ኣንጻር'ቲ ንድፊ'ዮም ኣድሚጾም።

ሰኔተር ሃሪስ ናይ ካሊፎርኒያ ድማ ዘረባ ሚስተር ማኮነል ምእማን "ድፍረት ዓሻ " እዩ ኢሉ።

ካልእ ናይ ካሊፎርኒያ ሰኔተር ዝኾነት ዳኒ ፈይንስተይን ድማ ሪፓብሊካውያን ነቶም ሓለምቲ ወይ ተተስፈውቲ (ዘይሕጋውያን ስደተኛታት) ክሕግዙ ምዃኖም ውሕስነት ስለዘየለ "ብጣዕሚ ቂር ኢሉኒ" ኢላ።

ደሞክራት ኣባል ኮንግረስ ልዊስ ጉተረዝ ድማ ንደሞክራትስ ኣባላት ሰኔት ነቒፉ። "ተሮኽሚሾም። ተረቲዖም። ከምኡ'ዮም ዝገብሩ" ኢሉ።

"ደሞክራትስ ተሮኽሚሾም" ዝብል ሓረግ ድማ ብሰኑይ ኣብ ትዊተር ገኒኑ ውዒሉ።

Image copyright AFP/getty

መራሒ ደሞክራትስ ኣብ ሰኔት ቻክ ሹመር፡ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ብዘይምሕጋዙ ንፕረሲደንት ትራምፕ ወቒሱዎ።

"እቲ ኣቦ ዓበይቲ ስምምዓት ዝኾነ ፕረሲደንት ኣብ ሓጹር ኮፍ ኢሉ" ድማ ኢሉ። ብዙሓት ግን ብኣተሓሕዛ ሚስተር ሹመር ነቲ ዕጽዋ መንግስቲ ዘይዕግበቶም ገሊጾም።

"ሚስተር ሹመር ንኣባላቱ ከተሓባብርን ንገስገስቲ ክብርታት ክቃለሱን ምግባር ስርሑ'ዩ ነይሩ፡ ኣይገበሮን ግን" ኢሉ ተሓጋጋዚ ኣተሓባብሪ ዳይረክተር ናይቲ ዘይመቓቐል (ኢንዲቪዝብል) ዝተባህለ ናይ ጉጅለ ጎስጓስ (ኣክቲቪስት ግሩፕ) እዝራ ለቪን።

"ናይ ሎሚ መዓልቲ ምሩኽማሽ ናይቶም በቲ ድኹም ብርኪ ዝምርሑ ኣባላት ሰኔት ደሞክራትስ ዝገርም'ዩ፡ ነዚ'ዩ ድማ ሰባት ብኣቕዋም ሰልፊ ደሞክራትስ ዘይተኣማመኑ" ኢላ ስተፋኒ ተይለር ናይ ገስጋሲ ኮሚቴ ለውጢ (ፕሮግረሲቭ ችንጅ ካምፐይን ኮሚቴ)።

መን'ዩ ተዓዋቲ ኮይኑ ውጺኡ?

እቲ ዕጽዋ መንግስቲ ኣብቂዑ'ዩ፡ እቲ ቁርቁስ ብዛዕባ ባጀትን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ግን ቀጻሊ'ዩ። ክልቲኦም ወገናት በብወገኖ ተዓወትቲ ምዃኖም ክገልጹ ክፍትኑ'ዮም።

ዘይከምዝሓለፉ ቃልሲ ኣንጻር ዕጽዋ መንግስቲ፡ ሪፓብሊካውያን ኣብዚ ናይ ሕጂ ብተዛማዲ ከይተሃሰዩ'ዮም ወጺኦም።

ሚች ማኮነል ብዛዕባ ስደተኛታት ግልፂ ክትዕ ክካየድ ቃል ኣትዩ'ሎ፡ እንተኾነ ግን እዚ ዘይክትግበር ስለዝኽእል ደሞክራትስ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ካልእ ዕጽዋ ከበግሱ ይኽእሉ'ዮም።

ዳርጋ ኩሎም ኣብ ናይ 2020 ፕረሲደንታዊ መረፃ ክወዳደሩ ተስፋ ዘለዎም ደሞክራትስ ኣንጻር ምኽፋት ዕጽዋ መንግስቲ'ዮም ኣድሚጾም።

ንሳቶም፡ ቃል ወይ ውሕስነት ሚስተር ማኮነል ኣብ ሑጻ ከምዝተጻሕፈ'ዮም ዝቖጽርዎ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ተወጊኑ'ዩ ጸኒሑ። ደሞክራትስን ገለ ሪፓብንሊካንን ሰኸኽ ከምዘይብልን ብዛዕባ ቀዳምነታቱ ንጹር ከምዘይኮነን ኣዕዘምዚሞም'ዮም።

ኣሜሪካውያን ነቲ ናይ ቀዳመ-ሰንበት ዕጽዋ ክርስዕዎ ይኻሉ'ዮም፡ እንተኾነ ግን እቲ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ቀጺሉ ዝመጽእ ዕጽዋ ዝተፈለየ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ንምታይ'ዩ ዕጽዋታት ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘየጋጥም?

ፓርላማዊ ስርዓት ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ እቲ ወጻኢታት ዝምውል መንግስቲ ነዊሕ ኣይጸንሕን'ዩ።

ንኣብነት፡ መንግስቲ ሆላንድ ኣብ ምጽዳቕ ባጀት ዘይክሰማማዕ ይኽእል'ዩ፡ በዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣኑ ይለቅቕ'ሞ ሓድሽ መረፃ ይካየድ፡ ሓድሽ መንግስቲ ድማ ይምስረት።

ገለ ሃገራት'ሞ ኸኣ መንግስቲ'ውን ኣየድልየንን'ዩ። ንኣብነት፡ በልጀም ንሓሙሽተ ሚእቲ መዓልታት ብዘይ መንግስቲ ጸኒሓ፡ ዕጽዋ ግን ኣየጋጠማን።

ምእካብ ቀረጻት ኣየቛረጸን ሰራሕተኛታት ደሞዞም ይኽፈሉ ነይሮም ምኽንያቱ ግዜያዊ መንግስቲ ባጀት የጽድቕ ነይሩ።

ኣብ ሓውሲ-ፕረሲደንታዊ ስርዓት ዘለዋ ፈረንሳ ድማ ባጀት እንተዘይጸዲቑ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ እቲ ሕገ-መንግስቲ ይመርሕ።

ብሓቂ ግን እቲ ሕቶ ንምንታይ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዕጽዋ ዘየለ ዘይኮነስ፡ እቲ ኹሉ ገንዘብ ኣብ ዙርያ'ቲ ስርዓት እናዋሓዘ እንከሎ ንምንታይ ኣብ ኣሜሪካ ዕጽዋ ይህሉ ክኸውን ነይርዎ።

መበገሲ ናይ'ዚ ኸኣ ኣብ 1980ን 1981ን ናይ ሽዑ ዓቃብ ሕጊ ቤንጃሚን ቺቪሌቲ ነቲ ናይ 1884 ሕጊ ኣንጻር-ሕጽረት (ኣንቲ ደፊሸንሲ) ብተሪር ስለዝተርጎሞ'ዩ።

ናይ ምወላ ሕጽረት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ኮንግረስ (ባይቶ) ገንዘብ ክሳብ ዝምድብ፡ መንግስታዊ ትካላት ስረሐን ደው ከብላ ኣለወን ኢሉ ነይሩ።