ምሩፅ ይፍጠር፡ ዘይተነገረሉ ጅግና

ምሩጽ ይፍጠር

ኣብ ታሪኽ ናይ ነዊሕ ዝርሕቀቱ ጕያ ብ1980 ኣብ ሞስኮ-ኦሎምፒክ ብ5,000ን 10,000ን ሜትሮ ወርቂ ሜዳሊያ ብምስዓር መዛዘሚ ፍረ-ጻምኡ ዝረኸበ፡ መላእ ዓለም ዘዛረበ ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ጐያያይ ዓበይቲ ርሕቐታት ነይሩ።

"መጀመርታ ልበይ ዝማረኸ ኣትሌት ኣበበ በቂላ ነይሩ" ዝብል ምሩጽ፡ እቲ ጕያ'ቲ ግና ናይ ባዕሉ መዘዝ ከም ዝነበሮ ይዝክር።

ኣብ ዓዲ ግራት ተወሊዱ፡ ኣብ እዋን ጉብዝነቱ ኣብ ኣስመራ ኣብ መዓልታዊ ናይ ጕልበት ሽቕሊ እናሰርሐ ጸኒሑ፡ ብዘይ መደብ ኣብ ዓውዲ ጕያ ኣተወ።

ብሻላ ጻዕሩ ኾነሉ ኸኣ! ኣሰር ኣበበ በቂላን ማሞ ወልዴን ተኸቲሉ፡ ዘመዝገቦ ዉጽኢት ናይቲ ዘስደምም ዓወቱ ድማ ንቡዙሓት ጐየይቲ ዓብዪ ኣብነት ገዲፉ'ዮ።

ከም በዓል ሃይለ ገብረስላሰ ኾነ ደራርቱ ቱሉ ዘኣመሰሉ ብዓለምለኻዊ ዉድድራት ፍለጡ ኣትሌታት፡ ምሩጽ ይፍጠር ጥዋፍ ኣብሪሁ መገዲ ከም ዝመርሖም ይምስክሩ።

ምሩጽ፡ እቲ ፍሉይ ዓወቱ ንኽጐናጸፍ ሸሞንተ ነዋሕቲ ዓመታት'ዮ ተጸብዩ።

ዋላ'ኳ ብ1968 ብጕያ ዕሉም ምንባሩ ኣካየድቲ ሃገራዊት ጋንታ ዓይኒ እንተ ኣንበርሉ፡ ዓቕሙ ብ1972 ኣብ ዝተኻየደ ኦሊምፒክስ ሙኒክ ተጋህደ።

ኣብዚ ዉድድር እታ ናይ 5,000 ሜትሮ እኳ እንተምለጠቶ፡ ብ10,000 ሜትሮ ግና ሜዳልያ ነሓስ ተሸሊሙ'ዩ። ዛንታ ናይ'ታ ዘምለጠቶም ዕድል ግን ሳዕቤናት ስለ ዝነበራ ትሕት ኢልና ክንገልጻ ኢና።

ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ብምኽንያት እብያ (boycott) ኣብቲ ኣብ 1976 ዝተኻየደ ኦሊምፒክስ ሞንትሪያል ሙሩጽ ተሳታፊ ኣይነበረን፤ ኢትዮጵያ'ውን ከምኡ።

ጋንታ ራግቢ ኒውዚላንድ (New Zealand Rugby Team) ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ ስለ ዝተጻወተት 23 ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ኦሊምፒክስ 1976 ኣንሰሓባ።

እዚ ኸኣ ደቡብ ኣፍሪቃ ብናይ ዘርኣዊ ፍልያ ፖሊሲኣ ካብ ዓለም ግልልቲ ሃገር ስለ ዝነበረት'ዩ። ብዚ ምኽንያት ከኣ ምሩጽ ንዓመታት ዝተዳለወሉ ናይ ጉያ ሞይኡ ተኾሊፉ።

ምሩጽ ዕድሚኡ ልዕሊ ሰላሳ ስለዝነበረ ብዙሕ ስክፍታ ዝሓድሮ ሰብ'ኳ እንተነበረ ኣብ ካልኦት ኣህጉራዊ ውድድራት ካብ ምስታፍ ዓዲ ኣይወዓለን።

ብኣህጉራዊ ፈደሬሽን ማሕበር ኣትሌቲክስ (IAAF) ብ1977 ኣብ ዱዙልዶርፍ (ጀርመን)፡ ብ1979 ኸኣ ኣብ ሞንትርያል (ካናዳ) ዝተኻየዱ ውድድራት ምሩጽ ድርብ ዓወት ኣመዝጊቡ ጉዳይ ዕድሚኡ ድምብርጽ ከምዘይብሎ ኣመስከረ።

ቅድሚኡ'ውን፡ ብፍላይ ኣብ ዉሽጢ ኣፍሪቃ ዝካየዱ ዝነበሩ ውድድራት፡ 'ሻምፕዮና ኣፍሪቃ '፡ 'ሓፈሻዊ ዉድድር ኣፍሪቃ'፡ ዝበሉ መድረኻት ዉድድር ብርክት ዝበሉ ሜዳልያታት ተሸሊሙ'ዩ።

Image copyright Tony Duffy/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ 24 ነሓሰ 1979፥ ኣብ ከተማ ሞንትርያል ካናዳ ኣብ ፍፃመ እቲ ውድድር ምስ ሓደ መነሓንሕቱ ሰላምታ እንትለዋወጥ

1980ኦሊምፒክስ ሞስኮ ታሪኻዊ ድርብ ዓወት

ምሩጽ ትርኢቱ በራሕ፡ ቑመቱ ሓጺር፡ ሚዛኑ ከኣ 53 ኪሎ፡ ቅርጸ ኣካል ጎያዪ ዘይነበሮ እንትኾን፡ ጋዜጠኛታት ዓለም ትኽክለኛ ዕድሚኡ ብዘይምፍላጦም የላግጽሉ ነይሮም።

ሽዑ እቲ ኣውራ ኣካትዒ ነገር ጉዳይ ድማ ዕድመ ኾነ። ናይ ሓቂ ዕድሚኡ ዝፈልጥ ሰብ'ኳ እንተዘይነበረ ዕለት ትውልድኦም 15/5/1944 ዝብል ጽሑፍ ኣብ ፖስተር ዝተቐመጠሉ እዋን ነይሩ። ግናኸ ብትርኢቱ ኣብ መወዳእታ ሰላሳታት ከምዝተወለደ ይዉሰድ ነይሩ።

ከም ዝፍለጥ፡ ንፈላማይ እዋን ኣብ ሞስኮ ወርቂ ሜዳልያ ክሽለም ከሎ ወዲ 37 ከይኮነስ ኣብ መፈለምታ ኣርብዓታት ኣትዩ'ዩ ይበሃል ነይሩ።

ይኹን'ምበር ኣብ ሜዳ ክጎዪ እንትኣቱ፡ ናይ ሓቂ ዕድሚኡ ብዘየገድስ፡ ንዕኡ ዘርክብ ኣትሌት ኣይነበረን።

ኣብ ሰብዓታት ንጉያዓለም ዝተቖጻጸራ፡ ብዓይኒ ጋዜጠኛታት ኣዝዩ ልዑል ቦታ ዝነበሮ ላሲ ቪረን ዝበሃል ፊንላንዳዊ ጐያያይ ነይሩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ኣብ 1972 (ኦሊምፒክስ ሙኒክ) ክልተ ወርቂ ሜዳልያ ዝሰዓረ፣ ኣብ 1976 ድማ ኣብ ኦሊምፒክስ ሞንትሪያል (ምሩጽ ኣብ ዘይነበሩሉ እዋን ማለት'ዩ) ክልተ ሜዳልያታት ወርቂ ዝደገመ ዘይድፈር ኣትሌት'ዩ ነይሩ።

ምሩጽ ግና ነቲ ኣዝዩ ግኑን ላሲ ቪረን ኣብ ሞስኮ 'ካ ለሽ ኣበሎ! ሽዑ ክሕንበብ ንዝረኣየ ሰብ ካን ገረሞ። እታ ተኸዲኑዋ ዝነበረ ሓምላይ ቑ. 191 ማልያ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ተወቒራ ተረፈት።

ኣብ 300 ሜትር ምስ ተረፎን ክውንጨፍን ሓደ ምስኮኖም፡ ጋዜጠኛታት "ምሩጽ ዘ ሺፍተር" (ቀያሪ ማርሺ) ኢሎም ኣዉጽእሉ።

ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሴ፡ "እቲ ታሪኻዊ ቅድድም'ቲ ብሬድዮ ክከታተሎ ኩሉ ይዝከረኒ" ይብል።

ምሩጽ ይፍጠር ኣብ ኣስመራ

ኣብ መወዳእታ ስሳታት ንምሩጽ ኣብ ከባቢ እንዳ ማርያም (ኣስመራ) ዝዝክር ሰብ ብዙሕ'ዩ።

እቲ ሽዑ ጐደና ዳግማዊ ሚኔሊክ ኢሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፡ ትኽ ኢሉ ካብ እንዳማርያም (ወይ ከኣ እግሪ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን) ጀሚሩ፡ ብየማነ ጸጋም ሹቕን እግሪ ኣባሻዉልን ሰንጢቑ ዝወርድ፡ ክሳብ እንዳ በንዚና ዑቕባ ሃይለ ዝበጽሕ ነዊሕ ጐደና ሰንበተ ሰንበት መቀዳደሚ ብሽክለታ ነይሩ። ተቐዳደምቲ እግሪ'ውን ቅድሚ ተቐዳደምቲ ሰብ ብሽክለታ ይጥቀምሉ ነይሮም'ዮም።

ብሰሜንን ብሰሜናዊ-ምብራቕን ዝኣትዋ ንኣሽቱ ኣውቶቡሳት (በዘቕዘቕ) ኣብ ትሕቲ እንዳ ማርያም ሰብን ኣቝሑትን የራግፋ ስለ ዝነበራ እቲ ዘርከበ ሓያልን ጐያይን ጐበዝ ይዕወተለን ነበረ፣ ምሩጽ ሓደ ካብኣቶም ነይሩ።

ካብ ትሕቲ ቤተ ክርስትያን ገዛ ከኒሻ ጀሚሩ ብጕያ ንሸነኽ እንዳ ማርያም ብምውራድ ንመቐዳድምቱ በሊጹ። ደድሕሪ እታ ኣውቶቡስ ብምጕያይ ነቲ ኣብ ዝባና ዝነበረ ኣቝሑት ቐዲሙ ኣዉሪዱ።

እተን ኣውቶቡሳት ኣብ ፍርቂ ሰዓት ንከራገፋ ይመጽኣ ስለ ዝነበራ ምሩጽ ምሉእ መዓልቲ ብጉያ ኔው-ነጀው ክብል ይዉዕል ነበረ።

Image copyright Allsport UK /Allsport/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ 1 መጋቢት 1979 ምሩፅ ይፍጠር ኣብ ዓዱ

እኳ ድኣ ጥራይ እግሩ! ክብል-ክብል ድማ ኣብቲ ሰንበተ-ሰንበት ዝግበር ዝነበረ ቅድድም-ጕያ ክሳተፍ ጀመሩ።

እምበኣርከስ መጀመርያ ጊዜ ምሩጽ ኣብኡ'ዩ ተፈቲኑ። ሽዑ'ዩ ክብ ዝበለ ዓቕሙ ከለልዪ ዝኸኣለ።

ብ1968 ኣብ መንጎ ተቐዳደምቲ ኢትዮጵያ ዝተገብረ (ማለት ንመክሲኮ ኦሊምፒክስ ዝኸዱ) ናይ ምጽራይ ጕያ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝተኻየደ፡ ምሩጽ ነቲ ዕድል ተጠቕመሉ።

ተመርጹ ኸኣ። በቲ ዘመስከሮ ዓቕሚ ኣብ ሓይሊ ኣየር ክኣቱ'ውን በቒዑ። ንደብረዘይት ከኣ ገዓዘ። ኣብ ውትህድርና ክሳብ መዓርግ ሻምበል ተቐቢሉ'ዩ ሙሩጽ።

ካብ ዉድድር ኦሊምፒክስ ናብ ቤት-ማእሰርቲ

ኣብ ሙኒክ ብ1972 ኣብ ዝተኻየደ ኦሊምፒክስ ካብ'ታ ናይ 5,000 ሜትር ጕያ "ምሩጽ ከመይ ኢሉ ተረፈ?" ናብ ዝብል ጉዳይ ክንምለስ።

ኣብ ሙኒክ ናይ 10,000 ሜትር ቅድድም ሳልሳይ ብምውጻእ ሜዳልያ ነሓስ ምስ ተሸለመ ብድሕሪኡ ቀልቡ ናብ ናይ 5,000 ውድድር ከደ።

ኣብ ቑጽሪ ናይ'ቶም ናይ መፈጸምታ ተዋዳደርቲ ክኣትዉ'ውን በቕዐ። ሽዑ ግን ከመይ ኢሉ ካብ መወዳድርቱ ተሪፉ?

ዋላ'ኳ ቅድሚ እቲ ቅድድም ምጅማሩ ኣብ'ቲ መቀዳደሚ ሜዳ ይለማመድ ነይሩ።

ምሩጽ ብእዋኑ ኣብ መበገሲ ሕንጻጽ ብዘይምርካቡ እቶም ካልኦት ጐየይቲ ገዲፎሞም እንትብገሱ ካብቲ ዉድድር ተገሊፉ።

ንሱ "ኣነ ኣይኮነንዶ እንግሊዘኛ ብቛንቋይ'ውን እንተኾነ ጽሑፍ ከንብብ ስለዘይክእል፡ እቶም ናይ ሽዑ ዝነበሩ ኣሰልጣኒ እቲ ጕያ ክሳብ ዝጅመር ክኣልዩኒ፡ ፈሪሞም ከኣ ከሕልፉኒ እናተጸበኹ ኣይመጹንን፡ ብኡ ምኽንያት ከኣ ካብ ዉድድር ተሪፈ" ይብል ነይሩ።

ኣብ ታሪኽ ኦሊምፒክስ ሓደ ተወዳድሪ ኣብ ዉሽጢ ሜዳ ኸሎ ካብ ዉድድር ክተርፍ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። ምሩጽ ግን ግዳይ ጌጋ ናይቲ ኣሰልጣኒ ስለዝኾነ መዛረቢ ሰብ'ውን ኰኑ።

Image copyright OLIVIER MORIN/AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ነሓሰ 8፥ 2008 ምረፅ ይፍጠር ልኡኸ ጉጅለ ኢትዯጵያ መሪሑ ኣብ ቤጂንግ ኦሎምፒክ (2008) ተረኺቡ

ምሩጽ ካብ ሙኒክ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመለሰ ግና ካብቲ ዉድድር ብፍላጥ ያኢ ተሪፍካ ተባሂሉ ስለ ዝተኸሰሰ ንዉሕ ንዝበሉ ኣዋርሕ ተኣሲሩ።

"እቲ ናይ ሽዑ ዝነበረ ምጥርጣርን ድኹም ኣተሓሳስባን ንዓይ ኣብ ሽግር ኣውዲቑኒ" ይብል ነይሩ ሙሩጽ።

"ሽዑ ካብ ማሕዩር ሓይሊ ኣየር ናብ ምድረ ጦር ከስግሩኒ ብዙሕ ክርክር ተላዒሉ እቶም ናይ ሽዑ ሓላፊ ሓይሊ ኣየር ተኸራኺሮም ጉዳየይ መሊሱ ክጽናዕ ገበሩ። ኣነ ብተንኰል ዝገበርኩዎ ጌጋ ከም ዘይነበረ ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ተመስከረለይ" ክብል ይዛረብ ነይሩ።

ምሩጽ ካብ ቤት ማእሰርቲ እንትወጽእ ግን ኣይሓመቐን፣ የግዳስ ታሪኽ ኣብ ልዕሊ ታሪኽ ኣመዝገበ።

ድሕሪ'ቲ ኹሉ ጉያ፡ ብርክት ዝበሉ ብልጫታት፡ ምሩጽ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝነበሮ ኩነታት ስለዘይዓገበ ናብ ካናዳ ኸደ።

ኣብኡ ሓሓሊፉ ኣማኻሪ ኣትለቲክስ ኾይኑ እናሰርሐ፡ ኩነታት ጥዕንኡ እናተኸታተለን ናብ ሃገሩ እናተመላለሰን'ዩ እተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ዕድሚኡ ኣሕሊፉወን።

ብዝሓደሮ ሕማም ከኣ ኣብ መበል 72 ዕድሚኡ ኣብ ካናዳ ካብዛ ዓለም ተሰናበቱ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ክብ ብዝበለ ስነ-ስርዓት ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ድሮ ሓደ ዓመት ኮይኑዎ። ታሪኹ ግና ነባሪ'ዩ።