ኣብ ቤንጋዚ ሊብያ፡ 27 ሰባት ኣብ መካይን ብዝተጻወደ ቦምባ ተቐቲሎም

14 2018. Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከተማ ቤንጋዚ ሊብያ መምከኒ ነታጒ ጉጅለ ምክልኻል ሃገር

ኣብ መስጊድ ሊብያዊት ከተማ ቤንጋዚ ኣብ ክልተ መካይን ብዝተጻወደ ቦምባ ብውሕዱ 27 ሰባት ተቐቲሎም።

ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ድማ በቲ ኣብ መንጎ ገለ ደቓይቕ ዝተኻየደ ክልተ ነታጒታት ድማ ኣስታት 30 ሰባት ቆሲሎም።

እታ ቀዳመይቲ መኪና ምእመናን ድሕሪ ናይ ምሸት ጸሎት ምፍጻሞም ካብታ ኣብ ከባቢ ኣል-ስሌማኒ እትርከብ መስጊድ ክወጹ ከለው፡ ኣብ ቅድሚ'ታ መስጊድ ተፈንጂራ።

ድሕሪ ገለ ካልኢት ድማ ኣታ ካልአይቲ መኪና በቲ ካልእ ሸነኽ ናይቲ ጽርግያ ተፈንጂራ።

ወተሃደራትን በርጌሳትን ድማ ግዳያት ናይ ክልቲኡ ነትጒ ነይሮም።

ቁጽሪ ናይቶም ዝተጎድኡ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል፡ ኣፈኛ ሆስፒታል ኣል-ጃላ ንጋዜጠኛ ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ዛጊድ መን ነቲ ቅትለት ከምዝፈጸሞ ንጹር ኣይኮነን ዘሎ።

ኣብ ሊብያ ተመሳሳሊ ናይ ቦምባ መጥቃዕትታት ድሕሪ ምክያዱ መን ከምዝፈጸሞ ኣይፍለጥን ኢሉ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ራና ጃዋድ።

ዘስንብድ ምሸት ንነበርቲ ከተማ ቤንጋዚ

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሰሜን ኣፍሪቃ ራና ጃዋድ ከምዝሓበሮ፡ ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ነትጒ፡ ሓንቲ ናይ ሊብያ ቴሌቪዥን ነቲ ነትጒ ዝተፈጸመሉ ቦታ ኣርእያ።

ድሕሪ እቲ ንነትጒ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መስጊድ ገፈጥመፈጥ፡ ዝነድድ ነገራት፡ ገለ በርጌሳት ድማ ብታህዋኽ ሬሳታት ኣብ ናይ ፖሊስ መካይን ክጽዕኑ ትርኢ።

ኣብቲ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ፍጻመ ድማ ሓደ ዝተሃስየ ዝመስል ሰብ ኣብ መንጎ እቲ ገፈጥመፈጥ ተዓኒዱ ሪኣ።

ኣብ ከባቢኡ ድማ ገለ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ሰባት ትርኢ።

ዛጊድ ነዚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ የለን። እንተኾነ መን ከምዝፈጸሞ ገለ ግምታት ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት