ኬንያ ንፈለማ እዋን ሳተላይት ሰሪሓ

ባንደራ ኬንያ Image copyright AFP/getty

መሃንዲሳት ዩኒቨርሲቲ ናይሮቢ፥ ብጃፓናዊ ትካል ምርምር ህዋ ተሓጊዞም ብልዕሊ 1 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ሳተላይት ሰሪሖም።

ጃፓን ሓገዝ ብምሃብን ባይታ ብምጥጣሕን እያ ተሳቲፋ። እቲ ምርምር ግን ብኬንያውያን እዩ ተኻይዱ ይብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቶሚ ኦላዲፖ።

እታ ሳተላይት ንመከታተሊ ልምዓት ሕርሻን ንሓለዋ ሃገራዊ ዶብ ዘገልግል እያ ተባሂሉ'ሎ።

እታ ሳተላይት ወርሒ መጋቢት ናብ ዓለምለኸ ጣብያ ህዋ ክትለኣኽ እያ፤ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ድማ ስርሓ ክትጅምር እያ።

በዚ ድማ ኬንያ ሓንቲ ካብተን ሳተላይት ናብ ህዋ ዝለኣኻ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትከውን እያ።

እቲ ሳተላይት ሰሪሑ ዘሎ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ ጉጅለ፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ጃፓናዊ ትካል ምርምር ህዋን ብሓባር ዝህብዎ ትምህርታዊ ሓገዝ፥ ንፈለማ እዋን ተረባሒ ኮይኑ'ሎ።

እቲ ሓበራዊ ሓገዝ ነተን ብተበግሶአን ሳተላይት ዝሰርሓን ኣብ መስርሕ ልምዓት ዝርከባ ሃገራትን ዘለዋ ትካላት ትምህርቲ ዝወሃብ እዩ።