ኣብ ኣደባባይ ወፂኡ ንዓመት መመላእታ ንትራምፕ ዝቃወም ዘሎ ኢትዮጰያዊ

ኢትዮጵያዊው መንእሰይ ንትራም እንትቃወም Image copyright Tsegaye Hailesilassie
ናይ ምስሊ መግለጺ "ትራምፕ ጓሓፍ እማ ንስኻ ኢኻ"

ኣብ ኣመሪካ ምምሕዳር ሚኖሶታ ከተማ ሴንት ፖል ዝነብር ፀጋይ ሃይለሰላሰ፥ ኣብታ ከተማ እናተዛወረ ንበይኑ ሰልፊ ወፂኡ ንዶላንድ ትራምፕ ይቃወም'ሎ።

"ንትራምፕ ሎሚ ኣይኮንኩን ክቃወሞም ጀሚረ፤ ቅድሚ ሎሚ እውን ዝተፈላለዩ ፅሑፋትን ቪድዮን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምጥቃዕ እቃወሞ እየ" ብምባል ገሊፁ።

"ቀደሙ እውን ንስደተኛታት ዘለዎም ኣረኣእያ ብጣዕሚ እዩ ዘሕርቕ" ዝበለ ፀጋይ፥ በዓልቲ ቤት ትራምፕ ስደተኛ ምዃነን ንሶም እውን ሓደ እዋን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ "ናይ ጀርመን ደም ስለዘለኒ ኩርዓት ይሰመዐኒ" እንትብሉ ይዝክር።

ትራምፕ "ንስኻ ኢኻ ጓሓፍ ንስኻ"

ፀጋይ ንትራምፕ ንምቅዋም 'trump you'RE THE SHITHOLE' ማለት'ውን "ትራምፕ ንስኻ ኢኻ ጓሓፍ" ዝብል ጭርሖ ሒዙ ናብ ኣደባባይ ወፂኡ'ሎ። እቲ ኣፀሓሕፋ ጭርሖ እውን ትርጉም ኣለዎ ይብል።

"ኣብቲ ጭርሖ እተን ፈላሞት ክልተ ቃላት 'trump' ን 'you' ን ብእንግሊዝኛ ንእሽተይ ፊደል (ስሞል ሌተርስ) ፅሒፈየን ኣለኹ። እዚ ድማ ኣተሓሳስባ እቶም ሰብኣይ ዘንቆልቆለ ምዃኑ ይገልፅ፤ ምእንቲ ንትራምፕ ክመስላ ብወይቦዋይ ሕብሪ ፅሒፈየን" ኢሉ።

እታ 'THE SHITHOLE' ትብል ድማ ንትራምፕ ዘውፃኹሉ ሳጓ እያ ይብል ፀጋይ።

Image copyright Tsegaye Hailesillasie

"ኣብ መኪናይ ዘሎ ደርፊ ክሳብ ዓንቀሩ ከፊተ ብትልሂትን ፈኸራን ዝተዓጀበ ተቓውሞ ብምቕራብ ቀልቢ ብዙሓት ወሲደ ኣለኹ" በለ ፀጋይ።

ኣብታ ፀጋይ ዝነብረላ ሜኖሶታ ዝበዝሑ ደገፍቲ ውድብ ዲሞክራት ብምዃኖም ብዙሓት ሰባት ኣይዞኻ ከምዝብልዎ ይገልፅ።

ይሁን እንጂ ትራምፕን በመቃወሙ ድጋፋቸውን የሰጡት እንዳሉ ሁሉ በሥራው ደስተኛ የልሆኑም በርካቶች ናቸው። ኮይኑ ግና ዝቃወሙዎ ሰባት ምህላዎም እውን ይሕብር።

ብዓሌታዊ ፅልኢ ዝዓወሩን ደገፍቲ ትራምፕን ብተግባረይ ኣዝዮም ይሓርቁ ይብል ፀጋይ።

"ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብኣይ ብመኪና ዳርጋ ረጊፁኒ ነይሩ፤ ፀሪፉኒ ድማ ሓሊፉ" ብምባል ዘጓነፎ ይዛረብ።

ብተወሳኺ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ብምኻድ እንትቃወም ፖላይስ ኣንጠልጢሎም ኣውፂኦሞ፤ ዳሕራይ መዓልቲ ሰተት ኢሉ ከይኣቱ ንሓደ ዓመት እገዳ ከምዘንበርሉን እውን ገሊፁ።

ብሓደ ኢደካ ምጥቓዕ ኣይካኣልን

ፀጋይ ሃይለስላሰ "ኣብ ጎነይ ጠጠው ኢሎም ንትራምፕ ዝቃወሙ ፃዕዱ ኣለዉ፤ እንተ ኢትዮጵያውያንን ካለኦት ደቂ ኣፍሪካ ግና ፀዊዐዮም ክሰምዑኒ ኣይከኣሉን" ኢሉ።