ኣሜሪካዊ ዶክተር ብዝፈፀሞ ገበን፡ ማእሰርቲ 175 ዓመት ተበይንዎ

ዶክተር ናሳር Image copyright Reuters

ዶክተር ናሳር ካብ 40 ክሳብ 175 ዓመታት ዝበፅሕ ማእሰርቲ ዝተፈረዶ 160 ግዳያት ተግባራቱ ዝኾና ደቀ-ኣንስትዮ ቃል-ምስክርነት ድሕሪ ምሃበን እዩ።

ወዲ 54 ዓመት ናሳር ንኣትሌታት ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ጎራዙን ንዝፈፀሞ ፆታዊ ግህሰት ምእማኑ ተሓቢሩ'ሎ።

ንዝፈፀሞ ተግባር ይቕረታ'ኳ እንተሓተተ፤ ፍርዲ ዝሃባ ዳኛ ሮስመሪ ኣኲሊና ግን ዝተረፈ ዕድሚኡ ኣብ ፀልማት ከሕልፎ ከምዘለዎ ገሊፀን።

ንቃል-ምስክርነት ግዳያት ሰሚዐን ኣብ ልዕሊኡ ብይን ምሃበን ክብሪ ከምዝስምዐን ዝሓበራ ዳኛ ሮስመሪ "ድሕሪ ሕዚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፃኢ ክትንቀሳቐስ ዝግብኣካ ሰብ ኣይኮንካን" ክብላ'ውን ተዛሪበንኦ።

ብድሕር'ቲ ሸውዓተ መዓልታት ዝወሰደ ምስማዕ ቃል-ምስክርነት ግዳያት መጥቃዕቲ፤ ንኽዛረብ ዕድል ተዋሂብዎ ብዝፈፀሞ ተግባር ተጣዒሱ።

"ኣነ ሕዚ ዝስምዓኒ ዘሎ ነገር ምስ ስቅያት፣ ስምባደን ስምብራት መንፈስን እተን ግዳያት እንትነፃፀር ዝደኸመ'ዩ። በቲ ዝኾነ ኩሉ ነገራት ዝተሰምዓኒ ዓᎁቕ ሓዘን ቃላት ክገልፆ ኣይክእልን" ክብል ገሊፁ።