ኣብ ሆስፒታል ደቡብ ኮርያ ብሰንኪ ባርዕ ሓዊ ብዙሓት ሞይቶም

ሆስፒታል ሴዮንግ፥ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ሓደጋ ኣብታ ሃገር ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝተርኣዩ እቲ ዝኸፈአ እዩ

እቲ ባርዕ ኣብ ሆስፒታል ሴዮንግ፥ ኣብ ክፍሊ ሃንደበታዊ ሕክምና ዝተጓሃሃረ ባርዕ እዩ ተበጊሱ ኢሎም ሓደ ላዕለዋይ ሓኪም ልቢ።

ኣብቲ ህንፃ ልዕሊ 200 ተሓከምቲን ካልኦት ተሓብሐብትን ነይሮም፤ ዝበዝሑ ብሰላም ወፂኦም።

እቲ ሓደጋ ኣብታ ሃገር ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዝተርኣዩ እቲ ዝኸፈአ እዩ ተባሂሉ፤ ቁፅሪ ጉዱኣት እውን ክውስኽ ከምዝኽእል ተገሚቱ'ሎ።

ሰብ ሞያ ምጥፋእ ሓዊ፥ እቶም ግዳያት ብሰንኪ ትኪ እዮም ሞይቶም እንትብሉ ንትካል ዜና ዮንሃፕ ኣረዲኦም።

እቶም ዝበዝሑ ቁሱላት ድማ ኣብ ከቢድ ማህሰይቲ እዮም ዝርከቡ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዝበዝሑ ብሰንኪ ትኪ እዮም ሞይቶም

ብኻልእ ገፅ፥ ኣዛዚ ትካል ምጥፋእ ሓዊ ቺኦ ማን ዉ ጠንቂ እቲ ባርዕ ገና ኣይተፈለጠን ኢሎም።

"እቶም ግዳያት ካብቲ ሆስፒታልን ካብ ክፍሊ መሐብሐብን እዮም መፂኦም፤ ገሊኦም ናብ ካልእ ሆስፒታል እንትውሰዱ እዮም ሞይቶም" እንትብሉ ን AFP ሓቢሮምሉ።

እቲ ባርዕ ንሰለስተ ሰዓታት ከምዝፀነሐ ድማ እቶም ኣዛዚ ተዛሪቦም።

ብመሰረት ፀብፃብ ትካል ዜና ዮንሃፕ፥ 93 ሕምማት ከይተጎድኡ ተኣለዮም እዮም።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ጠንቂ እቲ ባርዕ ገና ኣይተፈለጠን

እቶም ኣሳእል ባርዕ ዝወለዶ ሓያል ትክን ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባትን የርእዩ።

ፕረዚዳንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጄ ኣብቲ ሓደጋ ንምዝርራብ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዖም።

እቲ ትማሊ ዘጓነፈ ሓደጋ፥ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ ማእኸል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝተወለዐን 29 ሰባት ዝቐተለን ባርዕ ስዒቡ ተኸሲቱ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት