ቅንያት ኣፍሪካ ብስእሊ

ኣፍሪካን ካብ ኣፍሪካ ወፃኢ ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዝነብሩ ኣፍሪካውያንን ከመይ ቀንዮም?

መንፈሳውያን ህፃናት ደቀ-ኣንስትዮ'ውን ኣብቲ ብዓርቢ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ነይረን Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ መንፈሳውያን ህፃናት ደቀ-ኣንስትዮ'ውን ኣብቲ ብዓርቢ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ነይረን
ኣብ ዚምባብወ ሓደ ህፃን ካብ ቡምባ (ፓምፕ) ማይ እንትሰትይ። ካብ ዋና ከተማ ሃራሬ 100 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቼጉቱ ዝተብሃለት ቦታ ብሶኒ ዝተወሰደ ስእሊ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዚምባብወ ሓደ ህፃን ካብ ቡምባ (ፓምፕ) ማይ እንትሰትይ። ካብ ዋና ከተማ ሃራሬ 100 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቼጉቱ ዝተብሃለት ቦታ ብሶኒ ዝተወሰደ ስእሊ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምዕራባዊ ግዝኣት ኬፕ ደርቂ ብምውቅዑ ማዩ ኣብ ዝነቐፀ ግድብ ዝሞተ ዓሳ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምዕራባዊ ግዝኣት ኬፕ ደርቂ ብምውቅዑ ማዩ ኣብ ዝነቐፀ ግድብ ዝሞተ ዓሳ
ኣብ ኢትዮጵያ ሕፅረት ማይ ዘሎ ኣይመስልን፤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ፀበል እንትንፀግ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ሕፅረት ማይ ዘሎ ኣይመስልን፤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ፀበል እንትንፀግ።
እፍሪካውያን ስደተኛታት ነቲ እስራኤል ስደተኛታት ንምውፃእ ዘውፅኣቶ ሕጊ ኣብ ከተማ ሄርዚልያ ተቓውሞኦም እንትገልፁ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እፍሪካውያን ስደተኛታት ነቲ እስራኤል ስደተኛታት ንምውፃእ ዘውፅኣቶ ሕጊ ኣብ ከተማ ሄርዚልያ ተቓውሞኦም እንትገልፁ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኣይቮሪኮስት-ኣቢጃን ሕብሪ ዝሰተየ ዓለባ መንእሰይ። መንግስቲ እታ ሃገር ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዓውዲ ኢንዳስትሪ ዓለባ ንምስፍሕፋሕ መብፅዓ ኣትዩ'ሎ። Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣይቮሪኮስት-ኣቢጃን ሕብሪ ዝሰተየ ዓለባ መንእሰይ። መንግስቲ እታ ሃገር ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዓውዲ ኢንዳስትሪ ዓለባ ንምስፍሕፋሕ መብፅዓ ኣትዩ'ሎ።
ጋናውያን ኣካል-ጉድኣት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዓለም-ለኸ ፈደሬሽን ኩዕሶ ተወዳዲሮም ነይሮም። ዕላማ እቲ ውድድር ዓቕሚ እቶም ኣካለ-ጉድኣት ንምርኣይ እዩ። Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ጋናውያን ኣካል-ጉድኣት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዓለም-ለኸ ፈደሬሽን ኩዕሶ ተወዳዲሮም ነይሮም። ዕላማ እቲ ውድድር ዓቕሚ እቶም ኣካለ-ጉድኣት ንምርኣይ እዩ።
ኣብ ዋና ከተማ ቶጎ - ሎሜ ሰብነቱ ሕብርታት ብንዴራ እታ ጋር ዝለኸየ መንእሰይ ተቓውሞ እንተስምዕ። ብተቐውምኡ ድማ ን50 ዓመታት ዝኣክል ካብ ስልጣን ከይወረደ ይመርሕ ዘሎ ስድራ ኤያዴማ ካብ ስልጣን ክወርድ ይሓትት። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዋና ከተማ ቶጎ - ሎሜ ሰብነቱ ሕብርታት ብንዴራ እታ ጋር ዝለኸየ መንእሰይ ተቓውሞ እንተስምዕ። ብተቐውምኡ ድማ ን50 ዓመታት ዝኣክል ካብ ስልጣን ከይወረደ ይመርሕ ዘሎ ስድራ ኤያዴማ ካብ ስልጣን ክወርድ ይሓትት።
ዝሓለፈ ሶሉስ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ መሬት ዝደቀሳ ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ መሰላተን ዝፍፀሙ ፆታዊ መጥቃዕትታት ከብቅዑ ተቓውሞአን ገሊፀን። Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ዝሓለፈ ሶሉስ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ መሬት ዝደቀሳ ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ መሰላተን ዝፍፀሙ ፆታዊ መጥቃዕትታት ከብቅዑ ተቓውሞአን ገሊፀን።
ኣብ ዩጋንዳ ብዓርቢ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማካሬሬ ካብ ሞንጎ ዝተመረቑ 14 ሽሕ ተምሃሮ እዞም ክልተ ይርከብዎም። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዩጋንዳ ብዓርቢ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማካሬሬ ካብ ሞንጎ ዝተመረቑ 14 ሽሕ ተምሃሮ እዞም ክልተ ይርከብዎም።
ብሽም ንጉስ ራምሰስ ካልኣይ ተሰሪሑ 3000 ዓመታት ዕድመ ዘቑፀረ መዘከርታ ሓወልቲ ካብ ዝነበረሉ ኣደባባይ ካብ ብኽለት ናብ ኣየር ናብ ዝፀረየ ቦታ እንትውሰድ። Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ብሽም ንጉስ ራምሰስ ካልኣይ ተሰሪሑ 3000 ዓመታት ዕድመ ዘቑፀረ መዘከርታ ሓወልቲ ካብ ዝነበረሉ ኣደባባይ ካብ ብኽለት ናብ ኣየር ናብ ዝፀረየ ቦታ እንትውሰድ።

ፍልፍላት ስእሊ AFPን ሮይተርስን

ተመሳሳሊ ዛዕባታት