ከተማታት ሰሜን ወሎ ኣብ ውጥረት ይርከባ

ቆቦ ካብ ከተማ ወልድያ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ትርከብ

ኣብ ወልድያን ካልኦት ከተማታታትን ድሕሪ ሰሙን'ውን ተቓውሞታት እናቐፀሉ ከምዝኾኑ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊፆም።

መናሃርያን ጎንደር በርን ኣብ ዝበሃሉ ከባብታት፡ ንመንግስቲ ዝቃወሙ ጭርሖታት ዘቃልሑ ሰባት ከምዝረኣዩን ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ምንቅስቓሳት ንግዲ፡ ከምዝተኣጓጎሉን ነበርቲ እታ ከተማ ሓቢሮም።

ኣብ ልዕሊ ሰብ ብዛዕባ ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘይሰምዑ'ኳ እንተገለፁ፡ ትማልን ሎሚ መዓልትን ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ካብ ከተማ ወልድያ 27 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ ትርከብ መርሳ ተላዒሎም ዝነበሩ ጎንፅታት ኣብዚ ሕዚ እዋን እንተሃድኡ'ውን ምንቅስቓስ ንግዲ እታ ከተማ ከምዘየለን እታ ከተማ ብፅምዋ ከምዝተወሓጠትን ነበርቲ እታ ከተማ ነጊሮምና።

ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ነባሪ እታ ከተማን መምህርን፡ "ሎሚ ንጉሆ ሓደ ሓደ ሰባት ናብ ስራሕ ዝኸዱ እንትኾኑ፡ ኣብያተ ፅሕፈት ስለ ዝተዓፀዉ ናብ ገዝኦም ተመሊሶም" ኢሉ።

ኣብ ፅባሕ በዓል ጥምቀት፡ ኣብ ከተማ ወልድያ ብዝተልዓለ ጎንፂ ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ይዝከር።

እዚ ተቃውሞ ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ናብ ዝርከቡ ዞባታት ሰሜን ወሎ ተባፂሑ፤ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ናይ ተወሰኽቲ ሰባት ህይወት ጠፊኡ።

ቅድም ክብል ኣብ ቆቦ ኣጋጢሙ ዝነበረ ጎንፅን ተቓውሞን፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ መርሳ እውን ኣጋጢሙ ነይሩ፤ ብውሑድ ድማ 10 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተሓቢሩ።

ንተቓውሞ ሰልፊ ዝወፅኡ ሰባት፡ ፀረ-መንግስቲ ተቓውሞ ዘስምዑ እንትኾኑ፡ ኣብ ወልድያን ቆቦን ዝተፈፀመ ቅትለትን ጎንፅን ስዒቡ ሰባት ምእሳሮም ኮኒኖም።

ትማሊ ሰንበት እውን ኣብ ሲሪንቃ ተቓውሞ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበፅሐ ጉድኣት ንምህላዉ ግና ዝተገለፀ ነገር የለን።

ይኹን እንበር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብዘጋጠሙ ጎንፅታት፡ ኣብ ህይወት ሰባት ሞትን መቑሰልትን ምብፅሑ ኣጋጢሙ። ኣብ ንብረት ውልቀ ሰባትን መንግስትን ጉድኣት ከምዝበፅሐ'ውን ኣብ መርሳን ቆቦን ዝርከቡ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብ ከተማ መርሳ ዘጋጠመ ጎንፅን ኣብ ሰባት ዘስዓቦ ጉድኣትን፡ ከቢድ ከምዝነበረ ዝገልፁ ነበርቲ እታ ከተማ፡ ብጎንፂ ቆሲሎም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ እቶም 2 ትማሊ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ከምዝተፈፀመ፡ ሽሞም ክግለፅ ዘይደለዩ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊፆምልና።

ኣብ ከተማታት መርሳም ሲሪንቃን ሓይልታት ፀጥታ ዝተዋፈሩ እንትኾኑ፡ ኣብቲ ተቓውሞ ዝተሳተፉ መናእሰይ ከምዝተኣሰሩ ድማ እቶም ነበርቲ ሓቢሮም።

ቆቦ እውን፡ ዝተረጋግዐት እንትትኸውን፡ ምንቅስቓስ እታ ከተማ ግና ናብ ልሙድ ከምዘይተመለሰ እቶም ይገልፁ።

ካብታ ከተማ ዘውፅኡ መገድታት እውን ክሳብ ሕዚ ከምዝተዓፀውን፡ ግልጋሎት መጓዓዝያ ይህባ ዝነበራ ባጃጃት ኣገልግሎት እናሃባ ከምዘይኮና፡ እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ኣረዲኦም።

እቲ ዘጋጠመ ጎንፂ ንምህዳእ፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብኣዴን ኣይተ ኣለምነው መኮነን፡ ህዝቢ ብምእካብ ንምርድዳእ'ኳ ፈቲኖም እንተነበሩ፡ ነበርቲ "ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ንከዘራርቡና ኢና ንደሊ'' ብምባሎም እቲ ኣኼባ ከምዘይተኻየደ እቶም ነበርቲ ይገልፁ።

በዚ ድማ እቶም ሓላፊ፡ ተወከልቲ ማሕበራት መናእሰይን ዓበይቲ ዓድን ብምእካብ ከምዘዘራረቡ ወሲኾም ሓቢሮም።

ሎሚ መዓልቲ ነበርቲ ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ እታ ከተማ፡ በዓል ኣስተርዮ ማርያም እናኽበሩ እንትኾኑ፡ እቲ በዓል ይኽበረሉ ኣብ ዘሎ ቤተ ክርስትያን ብሰላምን ፀጥታን ከምዝተፈፀመ፡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን መራሒት ጉጅለ ወይዘሮ ሸዋየ ኣሸብር ንቢቢሲ ሓቢረን።

ኣብ ቆቦ ብዘጋጠመ ጎንፅን ተቓውሞን ተኣሲሮም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ መናእሰይ እቶም ዝተወሰኑ ከምዝተፈትሑ ድማ ገሊፀን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት