ተሬዛ መይ ናብ ቻይና ዝኸዳሉ ምኽንያት ንግዳዊ ርክባት ንምጥንኻር ዝዓለመ'ዩ ተባሂሉ።

ቴረዛ መይ ንፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ኣብ 2006 እንትረኽብኦም Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ንግዲ ቻይናን እንግሊዝን 59 ቢለረዮን ፓውንድ ይበፅሕ

ቀዳመይቲ ሚንስትር እንግሊዝ ተሬዛ መይ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ቻይና ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣብ ምጥንኻር ንግዳዊ ርክባትን ወፍርን ክዝትያ እየን።

ፅባሕ ረቡዕ ናብታ ሃገር ዝኣትዋ መይ፡ ናብ ዉሃን፣ ቤጂንግን ሻንጋይን ክበፅሓ ትፅቢት ይግበር።

ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂን ፒንግ፣ ሰብ ሃፍትን ተማሃሮን ዘተ ከምዘካይዳ ድማ ተሓቢሩ።

ኣብ ከም ጉዳይ ሰሜን ኮርያን ለውጢ ኩነታት ኣየርን (ክሊማ) ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ዘተ ከምዝካየድ'ኳ እንተተሓበረ፡ ኣብ ሆንግ ኮንግ ንዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣልዒልን ክዘራረባ ድየን? ንዝብል ሕቶ ንፁር ምላሽ ኣይተዋህቦን።

ተሬዛ መይ ርክብ ምህላው "ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ግልፂ ዘተ ንምክያድ" ከምዝፈቅድ ተዛሪበን።

ክልትኤን ሃገራት ካብ ቀረባ እዋናት ንደሓር "ወርቃዊ እዋን" ብዝተሰመየ ጥቡቕ ርክባት ድልዱል ዝምድና እናፈጠራ እየን።

ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት መሰረተ-ልምዓት እንግሊዝ ክትሳተፍ ድልየታ ከምዘለዋ ትገልጽ። እንግሊዝ ምስ ቻይና ዘለዋ ንግዲ'ውን ኣብ 2010 ብ60 ሚኢታዊት ዓብዩ ኣሎ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ቻይና "ሓንቲ ሃገር ክልተ ስርዓት" ንዝብል መትከል ከምዝጠለመት ዝገልፁ ተቓውሞታት ይቐርቡ

ተሬዛ ቅድሚ ዑደት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ምስ ቻይና ኣብ ጉዳያት ፀጥታ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዓለም፣ ንግድን ካልኦትን ብሓባር እናሰርሓ ምፅንሐን ሓቢረን።

"እንግሊዛውያን ሰብ-ሃፍቲ ክርብሑሎም እንደልዮም ዕድላት ኣብ ቻይና ኣለው" ክብላ'ውን ተዛሪበን።

ንሆንግ ኮንግ ንመወዳእታ ግዘ ዘመሓደሩ እንግሊዛዊ ሎርድ ፓተን፡ ቅድም ክብል ግዝኣት እንግሊዝ ኣብ ዝነበረት ሆንግ ኮንግ ካብ ቀረባ እዋናት ንደሓር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናፅነትን ይፍፅሙ ምህላዎም ብምዝኽኻር፡ መራሒት ሃገሮም ነዚ ዑደት ከም ዓብዪ ኣጋጣሚ ብምውሳድ ክዝትያሉ ብደብዳበ ሓቢሮምለን።