መንግስቲ ኬንያ ንመደበራት ቴለቪዥንን ሬድዮን ሃገሩ ዓፅዩ።

ራይላ ኦዲንጋ ፕረዝደንት ኮይኖም ሎሚ መዓልቲ ቃለ-መሓላ ክፍፅሙ ትፅቢት ይግበር Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ራይላ ኦዲንጋ ፕረዝደንት ኮይኖም ሎሚ መዓልቲ ቃለ-መሓላ ክፍፅሙ ትፅቢት ይግበር

መንግስቲ ኬንያ፡ መራሒ ሰልፊ ሕብረት ናሳ ራይላ ኦዲንጋ ቃለ-መሓላ ክፍፅሙ ኣብ ዝተሓሰበሉ መዓልቲ ንቀንዲ መደበራት ቴለቪዥንን ሬድዮን እታ ሃገር ዓፅዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መረፃ ከምዝተዓወቱ ብደገፍቶም ዝእመነሎም ራይላ ከም ፕረዝደንት ኮይኖም ሎሚ መዓልቲ ቃለ-መሓላ ክፍፅሙ ትፅቢት ይግበር።

ብፕረዚደንት ኡሁሩ ዝምራሕ መንግስቲ እቲ ንሎሚ ዝተታሕዘ መደብ ሕጋውነት ከምዘይብሉ ብምሕባር ወነንትን መራሕትን ማዕከናት መራኸቢ ቀጥታዊ ሸፈነ ካብ ምሃብ ክቑጠቡ ኣጠንቂቑ።

ክፍጠር ካብ ዝኽእል ጎንፂ ሰጊኦም ኣብ ገዝኦም ክፀንሑ ዝወሰኑ ብዙሓት ነበርቲ ናይሮቢ እኳ እንተለዉ፡ ደገፍቲ ራይላ ግን ኣብቲ ዘዓበየ መናፈሻ እታ ከተማ ይተኣኻኸቡ ኣለዉ።

ዋና ፀሓፊ ካቢነ ሓበሬታ ጆ ሙቼሩ ኣብ ጉዳይ ምፅፃው መደበራት ቴለቪዥንን ሬድዮን ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለው።