ፕሬዚደንት ትራምፕ ንኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ናይ ሰላም ዕንባባ ኣቕሪቡሎም

ፕሬዝደንት ትራምፕ Image copyright AFP

መራሒ ሰልፊ ሪፓብሊካን ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንባይቶ ናይ መጀመርታ መንግስታዊ ሕብረት መደርኡ ኣብዘቕረበሉ ብዛዕባ "ሓድሽ ህሞት ኣሜሪካውያን" ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝበዝሐ ተዓዛቢ ዜና ዝከታተለሉ ስዓት ዝሃቦ መደረ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ንኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ምስ ምምሕዳሩ ብሓባር ክሰርሑ "አእዳው ዘርጊሕሎም"።

መደርኡ ብምቕጻል፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ ፕሬዚደንት-ነበር ኦባማ ክዕጾ ዝወሰኖ ቤት ማእሰርቲ ጉዋንታናማ ብምስራዝ እቲ ቤት ማእሰርቲ ንኸይዕጾ ኣዚዙ።

ቁጠባ ኣሜሪካ ዕብየት ከርኢ ከሎ ናይ ፕሬዚደንት ተቐባልነት ግና በንጻሩ የንቆልቁል ኣሎ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መደረ ምምሕዳሩ "ውሕስትን ሓያልን ሕብንትን ኣሜሪካ ይሃንጽ" ከምዘሎ ገሊጹ።

ዳርጋ ኣስታት 40 ሚልዮን ኣሜሪካውያን ንመደረ ፕሬዚደንት ትራምፕ ክከታተሉ ትጽቢት ኣብ ዝተገብረሉ ህሞት፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣሜሪካውያን "ከም ሓንቲ ጋንታ፡ ሓደ ህዝብን ከም ሓደ ኣሜሪካዊ ቤተሰብን" ክሓብሩ ተማሕጺኑ።

ንናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣመልኪቱ'ከ እንታይ ኢሉ?

ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ "ዘራጊ" ዝበሎ፡ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ኮኒኑ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ ንኣሜሪካ ኣብ ቀረባ ስግኣት ክኸውን ዝኽእል ሓላፍነት ዝጎደሎ ናይ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ኒዮክለራዊ ተወንጫፊ ናይ ምህናጻ መደብ ድማ ኮኒኑ።

"ነቲ ስግኣት ንምውጋድ ድማ ሓያል ዝኾነ ጸቕጢ ኣብቲ መንግስቲ ንምፍጣር፡ ልዑል ጎስጓስ ነካይድ ኣሎና" ድማ ኢሉ።

ነቲ ሽዑ ኣብ ባይቶ መደረ ትራምፕ ዝከታተል ዝነበረ ብምርኩስ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝሃደመ ስንኩል፡ ጂ ሲዮንግ-ሆ ድማ ኣሞጊሱዎ።

ኣብ መደርኡ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኩለን እተን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ [ኢስላሚክ ስቴት - ኣይኤስ] ዝነበራ ግዝኣታት ሶርያን ዒራቕን ከምዝተታሕዛ ድማ ገሊጹ።

"ስጋብ ኣይኤስ ዝስዓር ድማ ቃልስና ክቕጽል ኢዩ" ኢሉ ትራምፕ።

ምላሽ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት'ከ ከይ ነይሩ?

ኣባል ባይቶ ማሳሹቴስ፡ ጆሴፍ ኬኔዲ ፡ ወዲ ሓው ንፕሬዚደንት ኬኔዲ፡ ናይ ሰልፊ ዴምክራት ተቓውሞ ንመደረ ትራምፕ ኣቕሪቡ።

ጆሴፍ ብምኽንያት ኣብ ዝገበሮ መደረ "ነቶም ተረሲዕናን ተጠንጢናን ኢሎም ዝሓስቡ ኣሜሪካውያን" ወኪሉ ከምዝዛረብ ብምምሳል ንናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ በትረ ስልጣን ክዓትር ፈቲኑ።

እቲ ወዲ 37 ዓመት ኬኔዲ ብምስቁርቋር ብዛዕባ እታ "ዝነቕዐት ሃገር" ክዛረብ እንከሎ ፕሬዚደንትነት ትራምፕ ከም ሓደ "ዕግርግር" ዝመልኦ ምምሕዳር ገሊጽዎ። "ዝሓለፈ ዓመት ብዙሓት ብሻቕሎትን ሕርቃንን ኢዮም ኣሕሊፎም" ድማ ኢሉ።

ካልእ'ከ እንታይ ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ?

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘይነበረ ጽምደ-ሰልፋዊ ምትሕብባር ክምስረት ድማ ተማሕጺኑ።

እቲ ንኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ዘነደረ፡ ነቶም ቆልዑ ኮይኖም ንኣሜሪካ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝኣተው ስደተኛታት ዝውሃብ ዝነበረ ሓለዋ ምስሓቡ፡ ንኣስታት 1.8 ሚልዮን ስደተኛታት ዜግነት ክህብ እየ ድሕሪ ምባሉ፡ ናይ ሰላም ምልክት ቆጽሊ ኣውሊዕ ኣቕሪብሎም።