ኬንያ፡ ራይላ ኦዲንጋ ንባዕሉ ድሕሪ 'ምሻሙ' እውን፡ ፈነወ ቴሌቬዥን እታ ሃገር ዓፅያ

ዜና መንበቢት KTN ኒውስ ኣብ ቀጥታ Image copyright KTN
ናይ ምስሊ መግለጺ ማዕኸናት ዜና ኬንያ ተዓፅየን ንክፀንሓ ዋላ እኳ እንተተኣገዳ፡ ፈነውአን በመርበብ ሓበሬታ ብቐጥታ ፈነወ እናመሓላለፋ እየን።

ሰለስተ ዓበይቲ ጣብያታት ቴሌቬዥን ኬንያ ዘይስሩዕ 'ሽመት' መራሒ ተቓዋሚ ውድብ (ሰልፊ) ናሳ ከሕልፋ እየን ብዝብል፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ዝፃረ ፈነወ ንከይህልወን ተዓፅየን ፀኒሐን እየን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ፍረድ ማቲያንግ፡ መስርሕ ምፅራይ ክሳብ ዝውዳእ ጋዜጠኛታት ከይፀብፀቡ ንክፀንሑ ኣተሓሳሲቦም።

ኣባል ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ (ሰልፊ) ቶም ካጅዋንግ ድማ ተኣሲሮም ኣለው።

ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ንገዛእ ርእሶም "ናይ ህዝቢ ፕረዚደንት" ብምባል ንክሾሙ፡ቶም ካጅዋንግ ልዑል ግደ ነይርዎም።

ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ (ሰልፊ) ከምዝገለፅዎ፡ እቲ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኡሁሩ ፓርክ ዝተኻየደ ሹመት፡ ንብዙሓት ዘስደመመ እዩ ነይሩ።

ይኹን እንበር መፃኢ ቅፅዓት ቶም ካጅዋንግ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ኣይፍለጥን።

ብዝነበረ ስነ-ስርዓት ሹመት ራይላ ኦዲንጋ ብዙሓት'ኳ እንተተገረሙ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ምድላው ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ምግላፅ ኮነ ብሚድያ ምፍናው፡ "ዕልዋ መንግስቲ ከም ምክያድ እዩ። ብኣሽሓት ኣብ ዝቑፀሩ ንፁሃት ኬንያውያን እውን ሞት ከስዕብ ምኸኣለ" ክብሉ ኮኒኖሞ።

በዚ መሰረት ድማ ጣብያታት ቴሌቬዥን NTV፣ KTNን Citizen ተሌቬዥንን ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ምድላው ብቐጥታ ኣብ ዘመሓላልፋሉ እዋን ብመንግስቲ እታ ሃገር ተዓፅየን እየን።

ጋዜጠኛታት ኬንያ ግና "ሕገ መንግስቲ ዝጥሕስ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ተራእዩ ዘይፍለጥ ተግባር ምፍርራሕ" ብምባል ንመንግስቲ ሃገሮም ኮኒኖም።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ድሕሪ እቲ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝተኻየደ ምድላው ሹመት፡ ብየማን ዝርከቡ ቶም ካጅዋንግ ተኣሲሮም።

ቤት ምኽር ቁፅፅር ሚድያታት ኬንያ ብወገኑ፡ "ኣብ ታሪኽ ኬንያ ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ፡ ሓሳብካ ምግላፅን ናይ ሚድያ ነፃነትን ዝእግድ ከቢድ ምፍርራሕ" ምርመራታት ክሳብ ዝካየዱ እውን እንተኾነ፡ ሚድያታት ከዕፁ ዘኽእል ምኽንያት ኣይነበረን ብምባል ተቓዊሙ።

" እዚ ወፍሪ ምዕፃው ሚድያታት ኬንያ፡ ሚድያታት ኢንዳስትሪ ብነፃነትን ብሓላፍነትንን ኣብ ዝጓዓዛሉ ዘመን፡ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ኬንያ ዘይዲሞክራሲያዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣይምተገብአን"

"ኣብ ሕገ-መንግስቲ ኬንያ ከም ዝተረጋገፀ፡ ነፃነት ኩለን መራኸብቲ ሓፋሽ ክኽበር ይግባእ"ክብሉ ብዙሓት ኣብ ፌስቡክ ተቓውምኦም እናስምዑ ይርከቡ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ግና፡ "ከቢድ ምጥሓስ ድሕንነት እዩ ነይሩ" ብምባል ገሊፆም።

ድሕሪ እቲ ምድላው፡ ኣብ ውልቀ ሰባት ዘነፃፀረ ምርመራታት ከምነካይድ ንጋዜጠኛታት ተዛሪበ እየ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፡ ከይዲ እቲ ምፅራይን ምርመራን ክሳብ ንውድእ ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ተዓፅየን ክፀንሓ እየን ኢሎም።

መራሒ ተቓዋሚ ውድብ (ሰልፊ) ናሳ ራይላ ኦዲንጋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረፃ ኬንያ ትኽክለኛ ተዓዋቲ ከም ዝነበሩ ብምእማን እዮም፡ "ናይ ህዝቢ ፕረዚደንት" ብምባል ንገዛእ ርእሶም ዝሸየሙ።

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ንካልኣይ ግዘ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረፃ ምዕዋቶም ዝዝከር እኳ እንተኾነ ራይላ ኦዲንጋ ግና ውፅኢት እቲ መረፃ ኣይተቐበልዎን።

ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር እውን እንተኾነ፡" ዘይሕጋዊ ኩነታት ዝተርኣዮ" ብምባል ውድቂ ገይርዎ እዩ።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ደገፍቲ ዝተረኽብሉ ኣብ ኡሁሩ ፓርክ ዝተኻየደ እዚ ምድላው ሹመት ብሰላም እዩ ተዛዚሙ።

ተሌቬዥን Citizen ዋላ እኳ ቀጥታ ፈነውኡ እንተተዓፀወ፡ ብዌብሳይት፣ ዩ ቲዩብን ፌስቡክን እቲ ምድላው ብቐጥታ ኣመሓላሊፉ።