ሰብኣዊ መሰልን ኩነታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን

ሽፋን ገፅ እቲ ፀብፃብ Image copyright AHRE

ኣብ ስዊዘርላንድ ጀኔቭ ዝመደበሩ 'ሰብኣዊ መሰል ንኢትዮጵያ' ዝተባህለ ውድብ፡ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ኩነታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ፀብፃብ ኣወጺኡ።

እቲ ፀብፃብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ፅልዋ ብምግምጋም፡ ብፍላይ ድማ ዓፈንቲ ዝበሎም ሕግታት ድሕሪ ምውፅኦም፡ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ልዕሊ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘሕድሮ ጸቕጢ ትኹረት ዝገበረ እዩ።

እቲ ፀብፃብ፡ ኣብታ ሃገር ንተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ብምእሳርን ብምክልባትን ካብታ ሃገር ሃዲሞም ኣብ ስደት ከምዝነብሩ ይገልፅ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ለውጢ እኳ እንተምፅአ፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ግና ድኽመት ኣለዎ ይብል።

ነዚ ፀብፃብ ምርኩስ ብምግባር ቢቢሲ፡ ንኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ያሬድ ኃይለማርያም ኣዘራሪቡ።

"ኣብታ ሃገር ናይ ምውዳብን ሓሳብካ ናይ ምግላፅን ነፃነት ድሩት ብምዃኑ፡ ዜጋታት እንታይ ከምዝሓስቡ ንምፍላጥ ዘፀግም እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ዝረኣዩ ተቓውሞታት እውን ናይዚ ውፅኢት እዮም" ይብሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ፡ እሱራት ንምፍታሕ ምውሳኑ፡ ዝተባባዕ እኳ እንተኾነ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ግና ኣይረኣናን። ስለዝኾነ ውሱናት ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ካልኦት ውልቀ ሰባት እውን ሙሉእ ብሙሉእ ክፈትሖም ይግባእ" ኢሎም።

ድሕሪ መረፃ 1997 ዓ.ም በቆጻጽራ ኢትዮጵያ ዝወፅኡ ሕግታት፡ ንጋዜጠኛታት፣ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ዝዓግቱ እዮም ይብል እቲ ፀብፃብ።

ፀብፃብ እቲ ትካል፡ ንመንግስቲ ኮነ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ንምምሕያሽ የኽእል'ዩ ዝበሎ መፍትሒ ሓሳባት ኣቐሚጡ።

ብመሰረት እዚ ድማ፡ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ፡ ኣብ ሕገ-መንግስቲ እንከይተረፈ ውሕስነት ዝተገበረሎም ነፃነት ዜጋታት ዝድረቱ ሕግታት ንክለዓሉ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ጋዜጠኛታት፣ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ ተታሒዞም ዝተኣሰሩ ከሎም ንክፍትሑ ይሓትት።

ኣብታ ሃገር ዘለዉ ፖለቲካዊ ፀገማት ንምፍታሕ፡ መንግስቲ፡ ፖለቲካ እታ ሃገር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝታይ ኣብ ሃገራዊ ምርድዳእ ክበፅሕ ከምዘለዎ እውን እቲ ፀብፃብ ሓቢሩ።

ተወሳኺ ዛንታ