መራሒ ሃማስ ኢስማኤል ሃኒያ፡ ኣብ ዝርዝር ኣሸበርቲ ኣትዩ

ኢስማኤለል ሃኒያ ኣብ እየሩሳሌም-ከተማ ጋዛ ዘረባ እናስምዐ - 7 ሕዳር 2017 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እስማኤል ሃንያ ኣብ ጋዛ ዝነብር እንትኸውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብፖለቲካዊ መራሕ ሓማስ ተመዚዙ

ኣሜሪካ ንመራሒ እስላማዊ ምንቅስቓስ ፍልስጤም ኣብ መዝገብ ኣሸበርቲ ብምምዝጋብ ኣብ ልዕሊኡ ማዕቐባት ኣንቢራ።

ቤት ፅሕፈት ሚንስትር ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ኢስማኤል ሃኒያ ምስ ወታሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ርክብ ከምዘለዎ፤ ንዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ምድጋፍ ሰጊሩ ድማ ፀረ ሲቪል ዜጋታት ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ንጋዛ ብስፍሓት ዝተቖፃፀረ ሓማስ ብኣሜሪካ፣ እስራኤል፣ ሕብረት ኣውሮፓን እንግሊዝን ኣሸባሪ ጉጅለ ካብ ዝበሃል ፀኒሑ'ዩ።

ኣሜሪካ ንስም ሃኒያ ኣብ ዝርዝር ኣሸበርቲ ምስፋራ "ዘይብቑዕ" ብዝብል እቲ ጉጅለ ውድቂ ገይርዎ።

ካብቲ ጉጅለ ዝተውሃበ መግለፂ "ካብ ምቅላስን ነቲ ዝተወረረ መሬት ሓራ ካብ ምግባርን ንድሕሪት ዝጎተና ኣይኮነን" ይብል።

ሓማስ መን'ዮም?

ሓማስ ካብ 2008 ጀሚሩ ሰለስተ ግዜ ምስ እስራኤል ኲናት ገጢሞም። ኣሜሪካ ንሕልፈት 17 ዜጋታታ ተሓተትቲ ትገብሮም።

ቤት ፅሕፈት ሚንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንኻልኦት ሰለስተ ጉጅለታት ኣሸበርቲ ኢሉ'ሎ።

-ሓራካትረ ኣል-ሳቢሬን፡ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ እንትኸውን ኣብ ጋዛን ዌስት ባንክን ይንቀሳቐስ። ቅድም ክብል ንእስላማዊ ጂሃድ ፍልስጤም ይመርሕ ብዝነበረ ሂሻም ሳሌም ይምራሕ።

-ሊዋ ኣል-ታውራ፡ ኣብ ግብፃዊት ቃልዩቢያን ግዝኣት ሜኖፊያን ይንቀሳቐስ። ብ 2016 ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተቐተለ ግብፃዊ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ኢዱ ከምዝሓወሰ ይዝረበሉ። ኣብ 2017 ድማ ኣብ ታንታ ንዝርከብ መሰልጠኒ ፖሊስ ብቦምቢ ከምዘጥቅዐ ይግለፅ።

-ኤችኤኤስኤም (HASM) ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሚያንማር መጥቃዕቲ ዝፈፀመ

ሚንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ "እዚ ውሳነ ንቀንዲ ጉጅለታትን መራሕቲን ሽበራ ዘነፃፀረ እዩ" ኢሎም።

እቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ሽበራዊ ተግባራቶም ከፈፅሙ ዘኽእሎም ዓቕምታት ክስእኑ ዝገብር ወሳናይ ስጉምቲ ከምዝኾነ'ውን ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት