ኤፍቢኣይ ምዝርጋሕ ናይቲ ተኣፋፊ ዝብሃል ሰነድ ብዕሊ በዲህዎ

ክሪስቶፈር ራይ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዳይሬክተር ኤፍ ቢ ኣይ ክሪስቶፈር ራይ

ኤፍቢኣይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ንሕና በቲ ኣብቲ ጭብጢ ዝተገብረ ግድፈት ኣዚና ኢና እንግደስ፡ ምኽንያቱ ነቲ መሰረታዊ ልክዕነት ናይቲ መዘክር ስለዝጸልዎ"።

ምስቲ ኹሉ ተቓውሞ፡ ነቲ ኣዝዩ ምስጢራዊ ዝኾነ ሰነድ "ብቕልጡፍ" ናብ ህዝቢ ክዝርግሕዎ ምዃኖም ድማ ሓደ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ትራምፕ ብሮቡዕ ኣፍሊጡ።

ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ከምዝብልዎ እቲ መንግስቲ ትራምፕ ክዝርግሖ ዝብሃል ዘሎ መዘክር፡ ነቲ ኤፍቢኣይ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝገበሮ መርመራ ንምንእኣስ ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

እንተኾነ፡ ብዓልስልጣን ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ [ዋይት ሃውስ]፡ ጆን ኬሊ ምስ መደበር ሬድዮ ፎክስ ኣብዝገበሮ ቃለመሕተት "እቲ መዘክር ኣብዚ ቀረባ ክዝርጋሕ፡ ዓለም ብምልእታ ድማ ክትሪኦ ኢያ" ኢሉ።

ድሕሪ ገለ ሰዓታት ድማ፡ ኤፍቢኣይ ኣብዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሰነድ፡ ብሰኑይ ኣብ ቅድሚ ናይ ስለያ ኮሚቴ ኣብ ባይቶ ንኽዝርጋሕ ምውሳና ንኽንግምግሞ "ኣዝዩ ድሩት ዕድል" ኢዩ ተዋሂቡና ኢሉ።

እንታይ'ዩ እቲ መዘክር?

እቲ ኣርባዕተ ገጽ ዘለዎ መዘክር፡ ብኣባላት ናይ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ስለያ ኣብ ባይቶ፡ ደቪን ኑንስ፡ ዝተዳለወ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ፍትሒ ትካል ነቲ ብፊሳ [FISA, Foreign Intelligence Surveillance Act] ዝፍለጥ መደባት ምክትታል ብምግሃስ ፍትሓዊ ብዘይኮነ መንገዲ ድማ ንሓደ ኣባል ናይ ትራምፕ ናይ ጎስጓስ ጉጅለ ንምጥቃዕ ዝዓለመ ከምዝኾነ እቲ ሰነድ የመልክት።

Image copyright APP / Gett Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ሰነድ ብኣባላት ኣቦ መንበር ኮሚቴ ስለያ ኣብ ባይቶ፡ ደቪን ኑንስ፡ ከምዝተዳለወ ይዝረብ

ነቲ ሰነድ ሪኢናዮ ኢና ኢሎም ገለ ኣባላት ባይቶ። ኤፍቢኣይ ድሕሪ እቲ ዘይተረጋገጸ "ናይ ሩስያ ሰነድ" ዝብሃል ከም ጭብጢ ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ትራምፕ ናይ ጎስጓስ ኣባል፡ ንኽስልዩ ፍቓድ ከምዝረኸቡ ከርኢ ዝፍትን ሰነድ ኢዩ ድማ ኢሎም።

እቲ ሰነድ ብሓደ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ስለያ ኣባል ዝነበረ፡ ክሪስቶፎር ስቲል ኢዩ ተዳልዩ፡ ብሂላሪ ክሊንቶን ድማ ተመዊሉ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ብሰሉስ ንኣባላት ባይቶ ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣብ ኣብ ዝገበሮ መደረ ድማ ምዝርጋሕ ናይቲ ሰነድ "ሚኢቲ ካብ ሚኢቲ" ከምዝድግፎ ገሊጹ።