ብርሃን መዓስከር ስደተኛታት ማይ-ዓይኒ

ገብረመስቀል ኣብ ጥቓ ጀነሬተሩ
ናይ ምስሊ መግለጺ ገብረመስቀል ጀነሬተሩ ቴክኒካዊ ፀገማት ከይገጥማ ንዝከታተለሉን ብኽፍሊት ንዘስርሖን ኢትዮጵያዊ በዓል-ሞያ ሞተር ብሽክሊታ ብህያብ ዓዲጉሉ

ገብረመስቀል ተወልደ ስድርኡ፡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ኤርትራ ሓዲጉ እዩ ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዱ። ኣብ ኤርትራ፡ ኣቐዲሙ ዘጠራቐመን ኣብ ምንታይ ከምዝጥቀመለን ዘይሓሰበለን ጥረ ገንዘብ 'ናቕፋ' ነይረንኦ።

ዳሕራይ ነተን 50 ሽሕ ናቕፋ ናብ ኣስታት 15 ሽሕ ብር ኢትዮጵያ ቀይሩውን። እተን ገንዘብ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ኣብ ሓዲግ ከይጠፍኣ ምስ ሰባት ተዘራሩቡ ኣብ ሓደ መዓላ ከውዕለን ወሲኑ።

ፈለማ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዕባራታት ከብትን ጠለ በጊዕን ብዝተሓተ ዋጋ ብምዕዳግ፡ ኣህጢሩ ብዝሓሸ ዋጋ ብምሻጥ ክንቀሳቐስ ጀሚሩ። "ነተን ዓባሩ ካብ ክልተ ሚኢቲ ክሳብ ክልተ ሸሕ ብዝበፅሕ ዋጋ የምፅአን'ሞ ቁሩብ ምስ ቀለብክወን መኽሰብ እናረኸብኩ ይሸጠን። በዚ መገዲ'ውን ዝሓሸ ገንዘብ ከዋህልል ጀሚረ" ይብል።

ብዘይካ'ዚ ምስ ሓው ኮይኖም ንመስርሒ ብሎኬት ዝውዕል ማይ ብካሮሳ ፅዒኖም እናምፅኡ ብምሻጥ ሎሚ ናብ ዝርከበሉ ደረጃ ከሰጋግሮ ዝኽእል መጠን ገንዘብ ክእክብ ኪኢሉ። ብድሕሪኡ ድማ ሓደ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ናብ ኣእምርኡ መፂኡ።

ብርሃን ማይ-ዓይኒ

እግሪ እናተኸለ ኣብ ዝመፀሉ እዋን በዓልቲ ገዝኡ ምስ ደቃ ክትመፅእ ገይሩ። ናብራ ሓዳር ኣብ ህይወት ስደት ቀፂሉ። "ንባዓለይን ንስድራይን ምስከኣልኩ። ነዚ ምሳይ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ'ኸ እንታይ ክገብር እኽእል? ኢለ ሓቲተ። መልሱ ድማ ረኺበዮ" ክብል ይዛረብ።

ካብ ታሕቲ ተበጊሱ ዝሓሸ ገንዘባዊ ዓቕሚ ክረክብ ስለዝኸኣለ "እተን ኣብዚ መዓስከር ዘለዋ ኣናኣሸቱ ጀነረተራት ዓቕሚ እናስኣና እንትቃፀላ በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ናብ ኩሉ'ኳ ብቕጥዑ ዘይተባፅሐ ኣገልግሎት መብራህቲ እንትቖራረፅ ተዓዚበ። ሸዑ'ውን እንታይ ክገብር ከምዘለኒ ፈሊጠ" ይብል። እዚ ሓሳቡ ኣብ ውሽጡ ኣይተረፈን፤ ምስ ሓደ ዝኣምኖ ኢትዮጵያዊ ፈታዊኡ ዘተየሉ'ምበር። ብድሕሪ ዘትኦም ነቲ ኢትዮጵያዊ ፈታዊኡ ገንዘብ ኣትሒዙ ናብ ጎንደር ብምልኣኽ ዘገልገለትን ዝሓሸ ዓቕሚ ዝነበራን ጀነሬተርን ዓዲጉ ክመፅእ ገበሮ።

ናይ ምስሊ መግለጺ መበገሲ ሃፍቲ ገብረመሰቀል ምህጣር ከብትን ጠለበጊዕን ነይሩ

ጀነሬተር ናብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ኣትያ። ቅድም ክብል ዝነበረ ናይ ኣናኣሸቱ ጀነረተራት ዝተቖራረፀ ኣገልግሎት ብዝሓሸ መስመር ተተኪኡ። ኮይኑ ግን እቲ ዓቕሚ ምስ ጠለብ ክመጣጠን ኣይከኣለን። ገብረመስቀል ሕዚ'ውን ናብ ካልእ ውሳነ ተሰጋጊሩ። "ንዓዓ ቁሩብ ገንዘብ ኣሕዚልና ብምሻጥ ዝሓሸት ብምፃእ ተኺልያ። ዘይበፅሖም ክበፅሖም ገይርና። ንሳልሳይ ግዘ'ውን ብተመሳሳሊ ነታ ዝነበረት ብምሻጥ እዛ ሕዚ ዘላ ዓዲግና" ክብል ይገልፅ። እቲ ብተደጋጋሚ የጋጥም ዝነበረ ምቁርራፅ ተመሓይሹ ማይ-ዓይኒ ብርሃን ረኺባ።

"ኣብ ፀልማት ምንባር…"

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብውሑድ ኣስታት 1500 ገዛውቲ ካብታ ንሱ ዘዳለዋ ጀነሬተር ኣገልግሎት መብራህቲ ዝረኸባ እየን። እናዳባራትን ካልኦት ኣገልግሎት ወሃብቲ ኣናኣሸቱ ታካላትን እውን ስርሐን ክሰርሓ ዘኽእለን ሓይሊ የቕርበለን። "ምስቲ ስደተኛ ብሰነያን ምርድዳእን እየ ዝሰርሕ። ኣነ ብዘይንሶም ንሶም ብዘይኣነ ዘይሕሰብ እዩ። ገንዘብ ንዘይብሎም ክሳብ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ግዜ እፅበዮም" ክብል ይዛረብ።

ንመብራህቲ ገዛ 90 ቅርሺ ብወርሒ የኽፍል። ኣገልገሎት ንዝህባ ኣናኣሽቱ ትካላት ድማ ብመጠን እቲ ዝሓዝኦ ኤለክትሪክ ዝጥቀም ዓይነት መሳርሒ ይሓትት። ኣብ መዓልቲ ንሸሞንተ ሰዓታት ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ኣገልግሎት ሓይሊ ጀነረተር ይህብ። ቅድም ክብል ምንቅስቓሳት ኩሉ በታ ንጉሆ ወፂኣ ኣጋ ግዘ እትዓርብ ፀሓይ ዝተገደበ ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ክሳብ ምሸት ሰዓት 4፡00 (10፡00) ምንቅስቓስ ኣሎ።

ነብያት ፍፁም ናብቲ መዓስከር ካብ እትኣቱ ሰለስተ ዓመታት ገይራ'ላ። ተረባሒት ኣገልግሎት መብራህቲ'ያ። "ኣብ ፀልማት ምንባር እንታይ ዓይነት ስምዒት ከምዝፈጥረልካ ንማንም ዝኽወል ኣይኮነን። ናይ ገብረመስቀል ስራሕ ሰብኣውነት ዝግለፀሉ ስራሕ'ዩ፤ ብፅቡቕ ኣናተገልገልና ኢና" ክትብል ርእይቶኣ ትህብ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ዋላ ንደቓይቕ ምጥፍኣ ከቢድ ከምዝኾነ ትዛረብ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ልዕሊ 1500 ገዛውቲ ካብ ገብረመስቀል ሓይሊ መብራህቲ ይረኽቡ

ኣብታ ንኢሽተይ ሹቑ ዝረኸብናዮ ስምኦን እውን ነቲ ቅድም ክብል ዝነበረን ሕዚ ዘሎን ኩነታት የነፃፅር። እቲ መዓስከር እንትጣየሽ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣብኡ ይነብር። "ዝሓሰብካዮ ከይሰራሕካ ብእዋኑ ናብ ገዛኻ ትኣቱ፤ ኩነታት ፀጥታ እውን ስግኣት ዝነበሮ ብምንባሩ ገዛኻን ትካልካን ገዲፍካ ምምሳይ ኣይሕሰብን ነይሩ" ዝብል ስምኦን፡ ሎሚ ግን መብርህቲ ክሳብ ዘላ ድላይካ ክትሰርሕን ናብ ድላይካ ክትንቀሳቐስን ከምዝከኣል የረድእ።

መፃኢ ሓሳብ

ብሓፈሻ ልዕሊ 465 ሽሕ ብር ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝገበረላ ዓባይ ጀነሬተር 275 ኪሎዋት ዓቕሚ ኣለዋ። ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ማእኸል መዓስከር ስደተኛታት ዝተሰርሓላ ፅላል ኮይና ብርሃና ትልግስ። ዘድልያ ነዳዲ ብኣይሱዚ መኪና እናተፅዓነ በብእዋኑ ይመፀላ። ንኣሽሓት ስደተኛታትን ንገብረመስቀልን ዘተኣሳሰረት ሰንሰለት ምትሕግጋዝ ኮይና ትርከብ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ገብረመስቀል ንጀነሬተሩ ዝኸውን ነዳዲ ካብ ከተማ ብኣይሱዙ መኻይን እናፅዓና የምፅእ

"ሓሳበይ ኣብዚ መዓስከር ጥራሕ ዝተገደበ ኣይኮነን። ፍቓድ እንተረኺበብ ጠለብ እንተልዩን ካልኦት ጀነረተራት ብምዕዳግ ናብቶም ካልኦት መዓስከራት ስደተኛታት ኣገልግሎት መብራህቲ ናይ ምብፃሕ ዕላማ ኣለኒ" ይብል። እዚ ናብ ተግባር ንምውዓል'ውን ኣብ ምዝርራብ ይርከብ።

ናብራ ስደት ምችው ብዝብል ቃልን ሓሳብን ዝግለፅ'ኳ እንተዘይኮነ ብምንፅፃር ግን ኣብ ዝሓሸ ናይ ስደት ህይወት ከምዘሎ ዝዛረብ ገብረመስቀል፡ ካብ ስድርኡን ዘመድ ኣዝማዱን ሰጊሩ ንኻልኦት ስደተኛታት'ውን ዕድል ስራሕ ፈጢሩ'ዩ። 'ሰሪሐ ክልወጥ' ወይ ድማ 'ፀጊሙኒ' ንዝበሎ ብልቓሕ ይኹን ብሓገዝ ካብ ኣታዊኡ ይህብ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 400 ሽሕ ቅርሺ ክንሰርሕ ንዝበልዎ ሰባት ብእምነት ኣለቂሑ'ሎ። ገና እግሩ ካብ ሃገሩ ንስደት እንተልዕል ኣብ ኢትዮጵያ ንምፅናሕን ንምስራሕን ሓሳብ ዝነበሮ እንትኸውን ሕዚ'ውን ዝፍጠሩሉ ዕድላት እናተጠቐመ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምፅናሕ ድልየት ከምዘለዎ ይዛረብ።