ውቁባት ምስልታት ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን፡ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኮባኽብትን ሰልፊን ካብ 26 ጥሪ- 2 ለካቲት

ኣብዚ ሰሙን ዝነበሩ ብሉፃት ምስልታት ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን እነሆ ናባኹም።

ካብ ከተማ ዳካር ውፅእ ኢላ ኣብ ትርከብ ፒክኒ ኣብ ትበሃል ከባቢ ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ተምሃሮ ኣብ ደፍተሮም እናፅሓፉ ዘርእይ ስእሊ 30 ጥሪ 2018 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሴኔጋላዊት ተምሃሪት መባእታዊ ትምህርቲ፡ ኣብ ክፍሊ ዝወሃብ ትምህርቲ ብፅሞና እንትትከታተል። እታ ሃገር ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘለው ህፃናት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንክኣትዉ ዝሕግዝ ጉባኤ ዓለም ለኸ ለገስቲ እናሳለጠት ትርከብ። እዚ ጉባኤ፡ ኣካል እቲ ኣብ ምዕባይ ዝርከቡ ሃገራት ዝርከቡ ህፃናት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንክኸቱ 'ቢልን ዶላር' ናይ ዝብል ትልሚ እዩ።
ወናኒ ደምበ መፅሓፍቲ ጃዝ ኩንሌ ተጁሾ፡ 30 ጥሪ 2018 ኣብ መደርደሪ መፅሓፍቲ ዝተልዓሎ ፎቶ። ደምበ መፅሓፍቲ ጃዝ ኣብ ከተማ ሌጎስ ዝርከብ ዓርሱ ዝኸኣለ እንዳ መፅሓፍቲ እዩ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ሓንቲ ጋዜጠኛ ፈረንሳይ ንስምይቲ ናይጄርያዊት ፀሓፊት ችማማንዳ ኣዲቼ፡ ኣብ ናይጄርያ ቤተ-መፃሕፍቲ ኣለዉ ዶ? ኢላ ምሕታታ ስዒቡ ብዙሓት ናይጄርያውያን ተቓውሞኦም ኣስሚዖም እዮም። ኣብዚ ሰሙን እዚ ድማ ነዚ ምምላሽ ብዘምስል መልክዑ ብዙሓት ናይጄርያውያን ናብ ቤተ-መፃሕፍቲ እናወሓዙ እዮም። እዚ መደብር እንዳ መፅሓፍቲ ድማ ኣብ ሌጎስ ዝርከብ ደምበ መፅሓፍቲ 'ጃዝ' እዩ።
ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ድሙቕ ምድላው ራይላ ኦዲንጋ፡፡ ደገፍቲ ውድቦም፡ ምስሊ ራይላ ዘለዎ ዘይስሩዕ ገንዘብ ብምሓዝ ሰልፊ ኣካይዶም፡ 30 ጥሪ 2018።
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ መራሒ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ (ሰልፊ) ናሳ ራይላ ኦዲንጋ ፡ ንባዕሎም "ናይ ህዝቢ ፕረዚደንት' ብምባል ሸይሞም እዮም። ካብ ሞንጎ ደገፍቱ ሓደ፡ ራይላ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረፃ ዓወት እንተዝቐንዖም ነይሩ፡ ምስሊ ራይላ ዘለዎ ገንዘብ ክህልዎም ይኽእል ከምዝነበረ ዘርኢ ምስሊ ሒዙ ነይሩ። ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ድሙቕ ምድላው ራይላ ኦዲንጋ፡፡ ደገፍቲ ውድቦም፡ ምስሊ ራይላ ዘለዎ ዘይስሩዕ ገንዘብ ብምሓዝ ሰልፊ ኣካይዶም እዮም፡ 30 ጥሪ 2018።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዕለተ ሰሉስ፡ ኣልጄርያውያን ዶካትር ናብ ጎደናታት ዋና ከተማ ኣልጀርስ፡ብምውፃእ ብዛዕባ ኣስገዳድ ኣገልግሎት እታ ሃገር ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ እውን ኣብታ ከተማ ክካየድ ዝፀንሐ ተቓውሞ ኣስገዳድ ኣገልግሎት ቀፂሉ ውዒሉ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዕለተ ሰሉስ፡ ኣልጄርያውያን ዶካትር ናብ ጎደናታት ዋና ከተማ ኣልጀርስ፡ብምውፃእ ብዛዕባ ኣስገዳድ ኣገልግሎት እታ ሃገር ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ እውን ኣብታ ከተማ ክካየድ ዝፀንሐ ተቓውሞ ኣስገዳድ ኣገልግሎት ቀፂሉ ውዒሉ።
ብየማን ገፅ እትረአይ ዘላ ህንዳዊት ጆይቲ ኣምጌ እታ ዝሓፀረት ጓል ኣንስተይቲ ዓለም እንትትኸውን፡ ብፀጋም ገፅ ዝርከብ ቱርካዊ ሱልጣን ኮሰን ድማ እቲ ዝነውሐ ወዲ ተባዕታይ ዓለም እዩ። 26 ጥሪ 2018 እዮም ክልቲኦም ኣብ ፕራሚድ ግብፂ ጊዛ ዝተራኸቡ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ቅድሚ ዝተወሰኑ መዓልታት፡ እታ ካብ ዓለም ዝሓፀረት ጓል ኣንስተይትቲ ህንዳዊት ጆይቲ ኣምጌን ካብ ዓለም ዝነውሐ ወዲ ተባዕታይ ቱርካዊ ሱልጣን ኮሰንን ክርከብ ብዘይኽእል ኣጋጣሚ ኣብ ፕራሚዳት ግብፂ በዚ ፎቶ እዚ ተጋጢሞም ኣለዉ።
ኣብ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ከተማ ቱኒዝ ብእስላማዒ ዕጡቕ ጉጅለ ኣይ ኤስ ኣይ ኤስ ብዝተፈፀመ ግብረ-ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ግዳያት ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ዝኽሪ፡ ሓንቲ ቱኒዝያዊት ህፃን ምስቶም ፕረዚደንት ፎቶ ክትሰኣል ክኢላ እያ፡ 1 ለካቲት 2018። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እዚ ስእሊ ኣብ ቱኒዘያ እንትትኸውን፤ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ዑደት እናካየዱ ምስ ዝርከቡ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ፎቶ 'ሰልፊ' ንክሰኣሉ ዝተዳፍእሉ ግዘ እዩ። ኣብ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ከተማ ቱኒዝ ብእስላማዒ ዕጡቕ ጉጅለ ኣይ ኤስ ኣይ ኤስ ብዝተፈፀመ ግብረ-ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ግዳያት ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ዝኽሪ፡ ሓንቲ ቱኒዝያዊት ህፃን ምስቶም ፕረዚደንት ፎቶ ክትሰኣል ክኢላ እያ።
ቅልጡፍ ጎያይ ዓለም ጀማይካዊ ኣትሌት ነበር ዩዜን ቦልት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅልጡፍ ኣትሌት ፑማ ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን፡ ብዙሓት 'ሰልፊ' ንክሰኣሉ ድሌት ኣርእዮም እዮም፡ 29 ጥሪ 2018። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ብኣሽሓት ማይላት ርሒቓ ኣብ ትርከብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ከተማ ጁሃንስበርግ እውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ቅልጡፍ ጎያይ ዓለም ጀማይካዊ ኣትሌት ነበር ዩዜን ቦልት እንትትኣቱ፡ ብዙሓት 'ሰልፊ' ንክሰኣሉ ይዳፍኡ ነይሮም።
ኣፍቃሪ ኩዕሶ እግሪ ዝኾነ ቦልት፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሞሮኮ ይካድ ኣብ ዘሎ ውድድር ቻን ብዘይምርካቡ ከምዝሓዝን ኣየጠራጥርን። እዚ ምስሊ ሞሮካዊ ተፃዋቲ ዛካሪያ ሃድራፍ፡ ብሊብያዊ ተፃዋቲ እንሕለኽ የርኢ፡ ኣብ ስታድም ካዛብላንካ 31 ጥሪ 2018 ዝተወሰደ ስእሊ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣፍቃሪ ኩዕሶ እግሪ ዝኾነ ቦልት፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሞሮኮ ይካየድ ኣብ ዘሎ ውድድር ቻን ብዘይምርካቡ ከምዝሓዝን ኣየጠራጥርን። እዚ ምስሊ ሞሮካዊ ተፃዋቲ ዛካሪያ ሃድራፍ፡ ብሊብያዊ ተፃዋቲ እንሕለኽ የርኢ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኣይቮሪኮስት ፅምዋ ኣብ ዝዓሰሎ ገማግም ባሕሪ ግራንድ ባሳም፡ እዛ ሰበይቲ ብፅሞና እያ ትጓዓዝ ነይራ፡ 27 ጥሪ 2018 Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኣይቮሪኮስት ፅምዋ ኣብ ዝዓሰሎ ገማግም ባሕሪ ግራንድ ባሳም፡ እዛ ሰበይቲ ብፅሞና እያ ትጓዓዝ ነይራ።
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ኡጋንዳ ኣብ ትርከብ ከተማ ናካፒሪፒሪት፡ እምባ ካዳም፡ ብቀይሕን ሰማያውን ሕብሪ ደሚቓ ዝተርኣየት ወርሒ ንብዙሓት ኣስደሚማ እያ፤ 31 ጥሪ 2018። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ምሸት ዝነበረት ምልእትን ድምቕትን ወርሒ ርኢኹማ'ዶ ነይርኩም? ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ኡጋንዳ ኣብ ትርከብ ከተማ ናካፒሪፒሪት፡ እምባ ካዳም፡ ብቀይሕን ሰማያውን ሕብሪ ደሚቓ ዝተርኣየት ወርሒ ንብዙሓት ኣስደሚማ እያ።

እዞም ምስልታት ካብ AFPን Reutersን ዝተረኸቡ እዮም።