ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዕደና ይሰርሑ ዝነበሩ 955 ሰራሕተኛታት ካብ ጉድጓድ ወፂኦም

ቆቢዕ (ሄልሜት) ሰራሕተኛ ዕደና Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ነቶም ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተዓበጡ ሰራሕተኛታት መግብን ማይን እናበፅሖም እዩ

ብዘይ ሓይሊ ኤሌትሪክ እተን ነቶም ሰራሕተኛታት ካብቲ ጎዳጉዲ ናብ ዝባን ዘመላልስኦም ሊፍት ስለዘይሰርሓ ድማ እቶም ኣብ ናይ ምሸት እብረ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ናብ ዝባን ክወጹ ኣይከኣሉን።

እንተኾነ "ኣብ ጽቡቕ ኩነታት" ከምዝነበሩ ኣፈኛ ናይቲ ኣስራሒ፡ ጀምስ ዌልስቴድ ሓቢሩ።

ኣቐዲሞም ዳርጋ 65 ሰራሕተኛታት ካብቲ ጎዳጉዲ ብሰላም ንዝባን ከምዝወጹ እቲ ኣፈኛ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ሂወት ናይቶም ካብ ሮቡዕ ጀሚሮም ኣብቲ ጎዳጉዲ ዝነበሩ ሰባት ከምዘስግኦም ገለ ሓለፍቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ገሊጾም ነይሮም።

ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ሃገር ሓንቲ ካብተን ወርቂ ብምፍራይ እትፍለጥ ሃገር ክንሳ፡ ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ድሕነት ሰራሕተኛታት ግና ክትውቀስ ጸኒሓ።

እቲ ብቢትሪክስ ማዕድን ዝፍለጥ፡ ኣብ ከተማ ዌልኮም ኣስታት 290 ኪሎ ሜትር ካብ ጆሃንስበርግ ዝርከብ ኮይኑ ብሲባኚ ስቲልወተር ናይ ማዕድን ኩባንያ ድማ ይውነን።

እቲ ጎዳጉዲ ካብ መሬት ንታሕቲ ስጋብ 1,000 ሜትሮ ይበጽሕ።

ኩሎም ኣቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዝነበሩ እንትኸውን፡ መግብን ማይን ይቐርበሎም ከምዝነበረ፡ ኤኤፍፒ ናይ ዜና ማዕከን ንጀምስ ዌልስቴድ ብምጥቃስ ገሊጹ።

ህጹጽ ኣገልግሎት ዝህባ ጄኔሬተራት ብምንዳይ ነተን ብሰንኪ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክ ዘይሰርሓ ሊፍት ንኽሰርሓ ፅዒሮም'ዮም።

እንተኾነ ሃገራዊ ማህበር ሰራሕተኛታት ዕደና እቲ ናይ ሂውት ምድሓን ስርሓት "ኣዝዩ ዘይንጥፍ" ኢዩ ኢሎም።

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ካብተን ኣዝዩ ዓሚቕን ሓደገናን ጎዳጉዲ ማዕድን ዘለዋ ሃገር ኢያ።

ኣብ 2017 ጥራይ ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ልዕሊ 80 ዝኾኑ መቕዘፍቲ ተምዝጊቦም ኢዮም።ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ወርቂ መዐደኒ ብነጎዳ ድሕሪ ምህራሙ ዝተፈጥረ ናይ ሓይሊ ኤሌትሪክ ምቁራጽ ኣስታት 950 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ካብቲ ጎዳጉዲ ክወጹ ኣይከኣሉን ፀኒሖም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት