ግምታት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ብተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ላውሮ

Image copyright BBC Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ ሊቨርፑል - ቶተንሃም

ቀዳም

በርንለይ - ማን ሲቲ

Image copyright BBC Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ በርንሌይ ከማንቸስተር ሲቲ

በርንለይ ብዘይዓወት ሸሞንተ ተኸታተልቲ ፀዋታታት ተፂላ'ላ።

ሕዚ ድማ ምስ ሲቲ'ያ ክትገጥም። ነጥቢ'ኳ ተማቒላ ንምውፃእ እንተሓሰበት ዘይከኣል እዩ።

ግምት ላውሮ፡ 0-2

በርንማውዝ - ስቶክ

Image copyright BBC Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ በርንማውዝ - ስቶክ

በርንማውዝ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ልዕሊ ቸልሲ ምቑር ዓወት ኣመዝጊቦም እዮም። ፅቡቕ እውን ተፃዊቶም።

ግምት ላውሮ፡ 1-1

ብራይተን - ዌስትሃም

Image copyright BBC Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ ብራይተን - ዌስት ሃም

ኣጥቃዓይ ጆርዳን ንጋንትኡ ዌስትሃም ከመይ ክፃወተላ ከምዝኽእል ምርኣይ ትፅቢት ብዙሓት'ዩ።

ኣብ ማእኸል ንዝፃወት ጆኣ ማርዮ'ውን ካብ ኢንተር ሚላን ኣፈሪሞም እዮም። ኣብ ልዕሊ ተፃወትቶም ዘጋጠምዎም ማህሰይቲ ብምፅዋር ከመይ ምስጥንካርኦም ናብ ሜዳ ከምዝኣትዉ ዘተሓሳስብ'ዩ።

ግምት ላውሮ፡ 2-1

ሌይስተር - ስዋንዚ

Image copyright BBC Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ ሌስተር - ስዋንሲ

ሪያድ ማህሬዝ ምስ ሌይስተር እዩ ዘሎ። ኣብ ክረምቲ ግን ናብ ከይወፀ ኣይተርፍን።

ስዋንዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣርሰናል ስዒራታ'ያ። ኣፀዋውትኦም'ውን ዘዕግብ ነይሩ።

ግምት ላውሮ፡ 2-0

ማን ዩናይትድ - ሃደርስፊልድ

Image copyright BBC Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ ማንቸስተር ዩናይትድ - ሃደርስፊልድ

ሃደርስ ፊልድ ፅቡቕ ኣጀማምራ'ኳ እንተነበራ፡ ክተቐፅሎ ግን ኣይከኣለትን።

ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ምስ ቶተንሃም ኣብ ዝገበረቶ ፀዋት ስዕረት ኣጋጢምዋ'ዩ። ሕዚ ድማ ካብ ሞሪንሆ ዝህሉ ግብረ-መልሲ ኣብ ሜዳ ኦልትራፎርድ ዝረኣይ ክኸውን'ዩ።

ግምት ላውሮ፡ 2-0

ዌስት ብሮም - ሳውዝኣምፕተን

Image copyright BBC Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ ዌስት ብሮም - ሳውዝሃምፕተን

ክልትኤን ጋንታታት ኣብ መወዳእታ እየን ዝርከባ። ናይዚ ዓመት ፀዋታ እንትጅመር ዘይተፀበኽዎ እዩ።

ግምት ላውሮ፡ 2-1

ኣርሰናል - ኤቨርተን

Image copyright BBC Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ አርሴናል - ኤቨርተን

ኤቨርተን ካብ 1996 ንደሓር ኣብ ልዕሊ ኣርሰናል ዘመዝገበቶ ዓወት የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ልዕሊ ሌይስተር ዝረኸብዎ ዓወት ኣብ ልእሊ ኣርሰናል ክደግምዎ ዝብል ግምት የብለይን።

ግምት ላውሮ፡ 2-0

ክሪስታል ፓላስ - ኒውካስል

Image copyright BBC Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ ክሪስታል ፓላስ - ኒውካስትል

ኒውካስል ሓድስቲ ተፃወትቲ ክተፈርም ኪኢላ'ያ። ተፃዋቲ ኢስላም ስሊማኒን ካብ ሌይስተር ንኬነዲ ድማ ካብ ቸልሲ ይርከብዎም።

ፓላስ ካብ ኒውካስል ሓደ ደረጃ ቀዲማ ትርከብ። ሕዚ ድማ ብቐሊሉ ዝስዕሩ ይመስለኒ።

ግምት ላውሮ፡ 2-0

ሊቨርፑል - ቶተንሃም

Image copyright BBC Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ ሊቨርፑል - ቶተንሃም

ሊቨርፑል ብሰሉስ ኣብ ዝነበራ ፀዋታ ንሃደርስፊልድ ስዒራታ'ያ። ነታ ጋንታ ዘድልያ ዓወት ድማ ነይሩ። ተፃወትታ ጋንትኦም ብቐሊሉ ተዓዊታ ንክትወፅእ ዕድላት ፈጢሮም እዮም።

ስፐርስ'ውን ኣብ ፅቡቕ ብቕዓት ከምዘለው ኣብ ዝዓለፈ ሰሙን ንማንቸስተር ብምስዓር ኣረጋጊፆም እዮም። ኣብ ወርሒ ሕዳር ብማንቸስተር ሲቲ ካብ ዘጋጠሞም ስዕረት ንደሓር ኣይተስዓሩን።

ግምት ላውሮ፡ 1-1

ሰኑይ

ዋትፎርድ - ቸልሲ

Image copyright BBC Sport
ናይ ምስሊ መግለጺ ዋትፎርድ - ቼልሲ

ቸልሲ ብበርንማውዝ ዘሕዝን ስዕረት ገጢምዎም'ዩ።

ዋትፎርድ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ግጥማት ስዕረት እንተድኣገጢምዎም ቁልቁል ናብ ሓደጋ ምውራድ ክትፅጋዕ'ያ። ናብ ላዕሊ ንምድያብ እናሰርሑ ኣይኮኑን። ስለዝኾነ ክጥንቀቑ ኣለዎም።

ግምት ላውሮ፡ 0-2