ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጃኮብ ዙማ፡ ካብ ስልጣን ንክወርዱ ዝግበር ድፍኢት ወሲኹ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ - ኣብ ፕሪቶርያ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ሕቶ ከምዘይተቐበልዎ ይግለፅ

ንፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ ካብ ስልጣኖም ንምውራድ ዝግበር ፀቕጢ እናሓየለ መፂኡ። ላዕለዎት ኣባላት ሰልፊ ኤኤንሲ

ድማ ትማሊ ሰንበት ምስ ጃኮብ ዙማ ዘትዮም።

ዝርዝር ሓበሬታ እቲ ዘተ'ኳ ብወግዒ እንተዘይተገልጸ፡ መራሕቲ እቲ ሰልፊ ግን ሎሚ ሰኑይ ህፁፅ ኣኼባ ከካይዱ እዮም።

ብተደጋጋሚ ብብልሽውና ዝኽሰሱ ዘለዉ ጃኮብ ዙማ ኣብ ወርሒ ሕዳር ካብ መሪሕነት ሰልፎም ብሲሪል ራማፎሳ ተተኪኦም እዮም።

ተንተንቲ ከምዝብልዎ፡ ኣብ መራሕቲ ሰልፊ ኤኤንሲ ብሰንኪ ውድድር ስልጣን ዝተኸስተ ምፍልላይ ቅድሚ'ቲ ኣብ ዝመፅእ ዓመት ዝካየድ መረፃ ክፈትሕዎ ድልየት ኣለዎም።

ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ነቓዕ ከኣ ንፕረዚደንት ዙማ ብዘተን ምርድዳእን ብምእላይ ወይ ድማ ኣብ ባይቶ መዛተይ ረቂቕ ሓሳብ ብምቕራብ ከፈፅምዎ እዮም።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሲርል ራማፎሳ ሰልፎም ብተኣማንነትን ብልሽውናን ኣብ ፀገም ከምዝኣተወ ይዛረቡ

ሽድሽተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰልፊ ኤኤንሲ ትማሊ ሰንበት ሓደ ብሓደ ኣብ ፕሪቶርያ ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት ዙማ ከምዝበጽሑ ተገሊፁ።

ጁሊየስ ማሌማ ዝተብሃሉ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፍን ኣባል ኤኤንሲ ነበርን ኣብ ትዊተር ገፆም ከምዝፀሓፍዎ ዙማ ካብ ስልጣኖም ንምውራድ ድሉው ኣይኮኑን።

ዙማ ቅድሚ'ቲ ኣብ 2019 ዝካየድ መረፃ ካብ ስልጣኖም ኣይወርዱን። ኮይኑ ግን ሰልፎም ብሰንኪ ምድኻም ቁጠባን ክስታት ብልሽውናን ዝነበሮ ተቐባልነት እናጎደለ መፂኡ'ሎ።

እንተኾነ እቶም ብተደጋጋሚ ብብልሽውና ዝኽሰሱ ዘለዉ ፕረዚደንት ዋላ ሓደ ተግባር ከምዘይፈፀሙ ብምግላፅ ነቲ ክሲ ክነጽግዎ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ 2019 ኣብ ዝካየድ መረፃ ክዕወቱ ዝለዓለ ትፅቢት ዝግበረሎም ሓድሽ መራሒ ሰልፊ ኤኤንሲ ራማፎሳ ንሓድነት ሰልፎም ፀዊዖም።

ዙማ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ቅሩብ እንተዘይኮይኖም ግን ምስ ካልኦት ሰዓብቶም ኮይኖም ኣንፃሮም ከምዝስለፉ ግምታት ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ