ካብ ቀላይ ሞሮኮ 16 ኣስከሬን ስደተኛታት ወጺኡ

ኣባላት ድሕነት ሓይሊ ባሕሪ ሞሮኮ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባላት ድሕነት ሓይሊ ባሕሪ ሞሮኮ

ካብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ከምዝተበገሱ ዝዝረበሎምን ኣብ ገምገም ባሕሪ መሊላ ዝጠሓሉን 16 ሰባት፡ ኣስከሬኖም ተረኺቡ።

ኣገልግሎት ድሕነት ባሕሪ ሞሮኮ ነቶም ኣስከሬናት ክረኽቡ ዝኸኣሉ፡ ኣባላት መርከብ ስፐይን ኣብቲ ባሕሪ ኮለላ ድሕሪ ምክያዶም እዩ።

ሓደ ሓላፊ ጥዕና እቲ ከባቢ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕሬስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቶም ኣስከሬኖም ዝተረኸቡ 16 ሰባት ብጀካ እቲ ሓደ ኩላቶም ዜጋታት ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ከምዝኾኑ ገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት፡ መጠንቐቕታት ማዕበል ዕሽሽ ኢሎም ካብ መሊላ ተበጊሶም ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ክሰግሩ ተስፋ ገይሮም ከምዝነበሩ ይግለጽ።

12 ትርቢዒት ሜትሮ ስፍሓት ከምዘለዋ ዝዝረበላ መሊላ ቀንዲ መሳገሪት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት እያ።

ወሃቢት ቃል ሰብ መዚ መሊላ፡ ኣቕድም ኣቢሉ'ውን እንተኾነ ኣስከሬን 20 ሰባት ተረኺቡ ምንባሩ ሓቢራ።

ዛጊድ በዝሒ መወትቲ ክንደይ ከምዝኾነ ግን ኣይተፈልጠን።

ቁጽሪ ብመዳውብቲ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ደቡባዊ ስፐይንን ዝተሓላለፉ ስደተኛታት እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ድማ ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ዓለም የረድእ።

ዓመተ ፈረንጂ 2018 ካብ ዝብሕት ንነዘ፡ ስፐይን ካልአይቲ መሰጋገሪት ስደተኛታት ሃገር ኮይና ኣላ። ከም ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ዓለም እንተድኣኸይኑ ኣብ 2018 ጥራይ 1279 ስደተኛታት ናብ ስፐይን ኣትዮም።

ብጀካ እቶም ኣስከሬኖም ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተረኸበ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ኣስታት 243 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይግለጽ።