ስማዊ መራሒ ሰሜን ኮርያ ናብ ደቡብ ኮርያ የምርሕ

መራሒ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሰሜን ኮርያ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ መራሒ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ምስ ምክትል ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፐንስ ይርከብ ዶ ይኸውን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ዘሎ ውጥረት እናፈኾሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሰሜን ኮርያ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ሓደ ዝለዓለ በዓል ስልጣና ኣብ እዋን ውድድራት ክረምታዊ ኦለምፒክ ናብ ደቡብ ኮርያ ክትልእኽ'ያ። እቲ ስማዊ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግናም ዕስራን ክልተን ኣባላት ዘለውዎ ልኡኽ መሪሑ ዝመጽእ ዓርቢ ናብ ሰሜን ኮርያ ከምዝኸይድ ሚኒስትሪ ሕብረት ደቡብ ኮርያ ሓቢሩ።

ናይ ክልቲኤን ኮርያ ስፖርተኛታት ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ጽምብል ውድድራት ኦለምፒክ ሓንቲ ናይ ሓባር ባንዴራ ሒዞም ዑደት ክገብሩ'ዮም። ምስታፍ ናይ ሰሜን ኮርያ ኣብቲ ውድድራት ኦለምፒክ ናይ ዲፕሎማሲ መናውራ ምዃኑ ይእመን። ብሰንኪ ናይ ኑክሌራዊ ተተኮስትን ተወንጨፍትን (ሚሳይላት) መደባ፡ ሰሜን ኮርያ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዓቢ ጸቕጢ ይወርዳ'ሎ።

ጉዕዞ ብመርከብ

ሰሜን ኮርያ ጉጅለ ስነ-ጥበበኛታት ናብቲ ናይ ውድድራት ኦለምፒክ ብመርከብ ክትሰድድ ከምእትደሊ ብሰኑይ ሓሳብ ኣቕሪባ። እዚ ግን ናይ ክልቲኤን ኮርያታት ሓባራዊ እወታ የድልዮ። ሰሜን ኮርያ ልኡኻ ነታ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ መንጎ ሰሜን ኮርያን ሩስያን እትመላለስ ማንግዮንግቦንግ 92 ዝተባህለት መርከባ ንጉዕዞ ይኹን መዳቕሶ ክጥቀም ሓቲታ'ላ። ካብ 2010 ኣትሒዙ፡ ኩለን ናይ ሰሜን ኮርያ መራኽብ ናብ ወደባት ደቡብ ኮርያ ከይኣትዋ ክልኩላት'የን።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ስፖርታውያን ሃገረ ሰሜን ኮርያ ኣብ ልምምድ።

"ዕዉት ዝኾነ ውድድራት ኦለምፒክ ንምክያድ፡ (ነታ መርከብ ናይ ሰሜን ኮርያ ክትኣቱ) ፍቓድ ክወሃበና ሓቲትና'ለና" ኢሉ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ሰሜን ኮርያ ባይክ ታይህዩን።

እታ ናይ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ሓባራዊት ጋንታ ቃርሳ (ሆኪ) ናይ ፈለማ ናይ ምሕዝነት ግጥማ ኣንጻር ሽወደን ብሰኑይ ኣካይዳ ሰለሰ-ብሓደ ድማ ተረቲዓ።

ኪም ዮንግናም ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ ሰሜን ኮርያ ፓርላማ ኮይኑ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ንደቡ ኮርያ ዝበጽሕ ዘሎ ዝለዓለ በዓል ስልጥን ሰሜን ኮርያ'ዩ። እዚ ድማ መርኣያ ቅንዕናን ጽቡቕ ድሌትን ናይ ሰሜን ኮርያ: ዝምድናታት ክልቲኤን ኮርያታት ንምምሕያሽ ከምዝኾነ ከምዛኣምኑ ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ደቡብ ኮርያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሚስተር ኪም ካልኦት ሰለስተ ሰበ-ስልጣን ዝኣባላታ ጉጅለን ዓሰርተ ሸሞንተ ናይ ድጋፍ ኣባላትን መሪሑ ከምዝኸይድ እቲ ሚኒስትሪ ሕብረት ሓቢሩ። ኣብቲ ናይ ዓርቢ ጽምብል ናይ መኽፈቲ ውድድራት ኦለምፒክ ክሳተፍ ድዩ ኣይክሳተፍን ግን ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን። ክሳተፍ እንተኾይኑ ግን፡ ሰሜን ኮርያ ብጉዳይ ኑክሌራዊ መደባታ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ወጥሪ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ኣብ ጥቓ ተጠባባቒ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ኮፍ ከምዝብል ክገብሮ'ዩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያን ደቡብ ኮርያን ኣብ ተፋጠጥ

ተሳትፎ ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ካብ 9 ክሳብ 25 ለካቲት ዝካየድ ውድድራት ኦለምፒክ ሃንደበታዊ ናይ ዕርቂ ስጉምቲ'ዩ። ብዘይካ'ታ ናይ ቃርሳ ጋንታ፡ ናይ ሰሜን ኮርያ ጋንታታት ሸታሕታሕ በረድ ኮረር ሸታሕታሕን'ውን ክሳተፋ'የን።

እቲ ናይ ዕርቂ ጉዕዞ ግን ድሮ መሰናኽላት ይገጥሞ'ሎ። ሰሜን ኮርያ ኣብ ሸሞንተ ለካቲት መጠነ-ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምርኢት ከተካይድ ምዃና ተፈሊጡ'ሎ። እዚ ኸኣ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ ምጅማር ውድድራት ኦለምፒክ ማለት'ዩ። ማዕከናት ዜና ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ኣሉታዊ ጸብጻባት ኣብ ዘቕርባሉ ዘለዋ ኣዋን ድማ ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ይኹን ኣካል ነቲ መደባ ክወቅስ መሰል ከምዘይብሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ ብኽልቲኤን ኮርያታት ክካየድ ተመዱቡ ዝነበረ ናይ ሓባር ባህላዊ ምርኢት ብሃንደበት ሰሪዛቶ'ላ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ነቲ ኩልሳዕ ንሰሜን ኮርያ ዘሕርቓ ብሓባር ዘካይድኦ ዓመታዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከደንጉይኦ እኳ ተሰማሚዕን እንተነበራ፡ ድሕሪ ምዝዛም ውድድራት ኦለምፒክ ከካይድኦ'የን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት