ድሕረ ባይታ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ

ኔልሰን ማንዴላ Image copyright AFP

ኣገደስቲ ነጥብታት ብዛዕባ ደቡብ ኣፍሪቃ

4ይ ክፍለዘበን- ካብ ሰሜን ዝተሰደዱ ኣህዛብ ንደቂ ኣባት ህዝብታት ሳንን ኮሒኮሒ ተጸምቢረምዎም።

1480- ፖርቹጋላዊ ዳህሳሳይ ባርቶሎምዩ ዳይስ ፈላማይ ኣውሮፓዊ ክሳብ ደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ ዝደህሰሰ ሰብ እዩ።

1497 - ካሊእ ፖርቹጋላዊ ዳህሳሳይ ቫስኮ ደጋማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ናታል በጺሑ።

1652 - ጃን ቫን ሪቢክ ንኩባንያ ደች ምብረዓቕ ህንዲ ወኪሉ ግዝኣት ኬፕ ኣጣይሹ።

1795 - ሓይልታት ዓባይ ብሪጣንያ ንግዝኣት ኬፕ ካብ ኔዘርላድስ መንጢሎም ኣብ ቀይዶም ኣውዒሎም።

1816-1826 - ሻቃ ዝሉ ስርወ ንግስና ዝሉ ኣጣይሹን ኣስፋሕፊሑን ከምኡ'ውን ተዋጋኢ ክንፊ ሃኒጹ።

1856 - ናታል ካብ ግዝኣት ኬፕ ተነጺላ

1860-1911 - ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታትን ነጋዶን ካብ ህንዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣትዮም። እቶም ሕዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ መብዛሕትኦም ህንዳዉያን ድማ በቲ ሽዑ እዋን ዝኣተዉ'ዮም።

1867 - ክቡር መዓድን ኣልማዝ ኣብ ኪምበርሊ ተረኺቡ።

1877 - ዓባይ ብሪጣንያ ንትራንሳቫል ናብ ግዝኣታ ወሲኻ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ዓውዲ መዓድን ዓንዲ ሕቐ ቁጠባ ደቡብ ኣፍሪቃ'ዩ።

1879 - ሓይልታት ዓባይ ብሪጣንያ ንሓይልታት ዝሉ ሲዒሮም።

1880-81 - ቦራውያን ኣብ ልዕሊ ዓባይ ብሪጣንያ ስለዝዓመጹ ቀዳማዋይ ኵናት ኣንግሎ ቦር ክለዓል ግድን ኮይኑ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ተራንሳቫል ርእሳ ዝኸኣለት ምሕደራ ኣጣይሻ።

መፋርቕ 1880ታት - መዓድን ወርቂ ኣብ ትራንሳቫል ተረኺቡ።

1899 - ሰራዊት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዶባት ትራንስቫል ስለዝዓረዱ መበገሲ ካልኣይ ኵናት ኣንግሎ ቦር ኮይኑ።

1902 - ብውዕሊ ቨሪንጂንግ እቲ ኵናት ደው ክብል ተገይሩ። ትራንሳቫልን ኦሬንጅ ፍሪ ስቴት ድማ ርእሰን ዝኸኣላ ግን ድማ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ኮይነን ተጣይሸን።

1910 - ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበራ ርእሰ ምምሕዳራት ኬፕን ናታልን ከምኡ'ውን ትራንሳቫልን ኦሬንጅ ፍሪ ስቴትን ብሓባር ሕብረት ደቡብ ኣፍሪቃ መስሪተን።

1912 - ናይ ሎሚ 'ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረስ' ኣብቲ ሽዑ እዋን ድማ 'ናሽናል ኮንግረስ' ብደቂ ዓዲ ተጣይሹ።

1913 - ብጀካ ኣብ ኬፕ ዝቕመጡ ሰባት ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ጸለምቲ ተጠቃምነት መሬት ዘሐይልሉ ኣዋጅ መሬት ዕላዊ ኮይኑ።

1914 - ሃገራዊ ውዳበ ፖለቲካ ተጣይሹ።

Image copyright AFP

1919 - ናሚብያ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣትያ።

ስርዓት ኣፓርታይድ ብሕጊ ተጣይሹ

1948 - 'ናሽናል ፓርቲ' በትረ ስልጣን ምስ ጨበጠ ፖሊሲ ኣፓርታይድ ' ተነጻልነት' ተኣታትዩ።

1950 - ህዝብታት ብዓሌትን ሕብሪ ቆርበትን ተመቓቂሎም። ጸዓዱን ጸለምትን ዝወዕልሉ ቦታታት ብሕጊ ጸዲቑ። ኮሚኒስት ፓርቲ ተኣጊዱ። ብኔልሰን ማንዴላ ዝምራሕ ውዳበ ፖለቲካ 'ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረስ' ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ሰለማዊ ዓመጽ ኣካእዱ።

1960 - ተቓውምኦም ዘስምዑ 70 ጸለምቲ ኣብ ሻርፕቪሌ ተቐቲሎም።

1960ታት- ግዳማዊ ጸቕጥታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እናበርትዐ መጺኡ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ጸወታታት ኦሎምፒክ ተኣጊዳ።

1964 - መራሒ ውዳበ ፖለቲካ 'ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረስ' ኔልሰን ማንዴላ ንሕልፈት ተፈሪድዎ።

1966 መስከረም - ቀዳማይ ሚኒስትር ሄንዲሪክ ቨርዎርድ ተቐቲሉ።

1970s - ልዕሊ 3 ሚልዮን ሰፋሮ ኣብ ናይ ጸለምቲ መሬት ክሰፍሩ ተገይሩ።

1976 - ብሰንኪ ኣብ መንጎ ተቓውምኦም የስምዑ ዝነበሩ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያንን ሓይልታት ጸጥታን ዝተወልዐ ጎንጺ 600 ሰባት ሞይቶም።

1984-89 - ነበርቲ ታውንሽፕ ስለዝዓመጹ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ።

1990 - ኔልሰን ማንዴላ ድሕሪ ናይ 27 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈቲሑ።

1993 - ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር እናታይ ክመስል ከምዘለዎ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

1996 - ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕገ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣጽዲቑ። 'ናሽናል ፓርቲ' ዕድል ኣይተወሃበንን ብዝብል ምኽንያት ካብቲ ሕብረት ወጺኡ።

1999 - 'ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረንስ' ኣብ ሃገራዊ መረጻ ተዓዊቱ ታቦ ምቤኪ ድማ ፕሬዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ።

2001 September - ደርባን ዋዕላ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣተኣናጊዳ።

Image copyright AFP

2002 ሓምለ - ቤት ፍርዲ ሕገ መንግስቲ፡ መንግስቲ ናብ ኩለን ማእኸላት ሕክምና መድሓኒት ጸረ ሕማም ኤዴስ ከባጽሕ ኣዚዙ እኳ እንተነበረ መንግስቲ ግና ክባር እዩ ዝብል ምኽኒት ኣቅሪቡ ነይሩ።

2003 ማዝያ - ኣብ ቃልሲ ጸረ ኣፓርታይድ ግኑን ዝነበረ ዋልተር ሲስሉ ኣብ መበል 91 ዓመቱ ሞይቱ። ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣድነቕቱ ተረኺቦም ናእደኦም ገሊጾም።

2003 ሕዳር - መንግስቲ ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ንምክልኻል ዘኽእሉ ፖሊሲታት ሓንጺጹ።

2004 ማዝያ - ገዛኢ ውድብ ፖለቲካ 'ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረንስ' 70 ሚኢታዊት ድምጺ ህዝቢ ረኺቡ ስለዝተዓወተ ፕሬዚደንት ታቦ ምቤኪ ዳግማይ እታ ሃገር መሪሖም።

ዙማ ተባሪሮም

2005 ሰነ- ፕሬዚደንት ታቦ ምቤኪ ንምክትሎም ጃኮቭ ዙማ ካብ መዝነቶም ሰጕጎም።

2005 ሰነ- ኣስታት 1 ሚኢቲ ሽሕ ሰራሕተኛታት ወርቂ ብዝኽፈሎም መሃያ ዕግበት ስለዘይሓደሮም ፋብሪካታት ብምዕናው ጠቃውምኦም ገሊጾም።

2006 ግንቦት - ነበር ምክትል ፕሬዚደንት ጃኮቭ ዙማ ብገበን ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ተኸሲሱ።

2006 መስከረም - ክሲ ገበን ገዕዝይና ጃኮቭ ዙማ ተላዒሉ።

2006 ታሕሳስ - ደቡብ ኣፍሪቃ ሓዳር ተመሳሳሊ ጾታ ብምፍቃድ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ድማ ሓምሸይቲ ኮይና።

ህዝባዊ ዓመጽ

2007 ሰነ - ብኣሚኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ዓበይቲ ህዝባዊ ዓመጻት ተሳቲፎም።

2007 ታሕሳስ - ጃኮቭ ዙማ ኣቦ ወንበር 'ኣፍሪካን ናሽናል ፓርቲ' ኮይኑ ተመሪጹ። ፕሬዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ምዃን ዕድሉ'ውን ኣለምሊሙ። ፕሬዚደንት ምቤኪ ኣብ ክሴታ ገበን ግዕዝይና ጃኮቭ ዙማ ኢድ ኣታውነት ነይርዎም ብዝብል ወቐሳ ሕጉስ ስለዘይነበሩ ካብ ሓላፍነቶም ብገዛእ ርእሶም ለቒቖም።

ሓድሽ ውድብ ፖለቲካ ተጣይሹ።

2008 ታሕሳስ - ንፈለማ እዋን ን' ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረንስ' ዝፈታተን ውዳበ ፖለቲካ ኣብ ብሉምፎንቲን ተጣይሹ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ መራሒት ሕብረት ተቓውሞ

2009 ማዝያ - ዓቀብቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ጃኮቭ ዙማ ዝነበረ ክሴታ ገበን ግዕዝይና ውድቂ ገይሮሞ።

'ኣፍሪካን ናሽናል ፓርቲ' ተዓዊቱ

2009 ግንቦት - ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ንጃኮቭ ዙማ ፕሬዚደንት ገይሩ መሪጽዎም።

ቁጣባ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ 17 ዓመታት ህይወት ክሰርዕ ጀሚሩ።

2010 ሰነ - ደቡብ ኣፍሪቃ ዋንጫ ዓለም ኣሰናዲኣ።

2010 ነሓሰ - ሰራህተኛታት መንግስቲ ሰፊሕ ህዝባዊ ዓመጻት ኣካይዶም።

2011 ጥቅምቲ - ፕሬዚደንት ጃኮቭ ዙማ ክልተ ሚኒስትራት ብሰንኪ ጥርጠራ ግዕዝይና ካብ መዝነቶም ኣባሪሮም።

ቅልውላዋት ኣብ መንጎ ኣባላት ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረንስ

2011 ሕዳር- 'ኣፍሪካን ናሽናል ፓርቲ' ንኣዝዩ ጽልዋ ፈጣሪን መራሕን ክንፊ መናእሰይ ጁሊስ ማሌማ ካብ ሓልፍነቱ ኣጊዱ።

2012 ሓምለ - ገለ ኣባላት ጉጅለ ትምክሕቲ ጸዓዱ ኣብ ልዕሊ ኔልሰን ማንዴላ ፈተነ ቅትለት ከካይዱ ፈቲኖም ብዝብል ክሲ ተመስሪትዎም።

2012 ነሓሰ-ጥቅምቲ - ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ፕላቲንየም ተኹሲ ከፊቶም 34 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 78 ድማ መጉዳእታዊ ኣካል ገጢምዎም።

2012 መስከረም - ነበር መራሒ መናእሰይ 'ኣፍሪካን ናሽናል ፓርቲ' ጁልየስ ማሌማ ብጥርጠራ ገበን 'መኒ ላውንደሪንግ' ተኸሲሱ። ማሌማ ግና እቲ ኽሴታ ፖለቲካዊ ውጥን ዘለዎ ድኣ'እምነበር ሓቃውነት ኣይብሉን ክብል ነጺግዎ ነይሩ።

Image copyright Getty Images

2013 ታሕሳስ - ኔልሰን ማንዴላ ኣብ መበል 95 ዓመት ዕድሚኡ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ኣቦ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝብል ቅጽል ሽም ንዘለዎ ኔልሰን መንደላ ንምቕባር ካብ መላእ ዓለም ሰብ ዊሒጁ።

ፖለቲካዊ ሃልኪ ዙማ

2013 መጋቢት - ሓባሲ ንብዓት ጸረ ግዕዝይና ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጃኮቭ ዙማ ንመማሓየሺ መንበሪ ገዝኡ 20 ሚልዮን ዶላር ፈሰስ ገይሩ ብዝብል ጉዳይ ኣዕርዩ ነቒፍዎ።

2014 ግንቦት - ገዛኢ ውድብ ፖለቲካ 'ኣፍሪካን ናሽናል ፓርቲ' ኣብዝሓ ድምጺ ረኺቡ ኣብ ሃገራዊ መረጻ ተዓዊቱ።

2015 ለካቲት - ፕረዚደንት ጃኮቭ ዙማ ብጸዓዱ ዝውነኑ ዓበይቲ ግራዉቲ ሕርሻ ተሓዲጎም ንጸለምቲ ደቂ እቲ ዓዲ ንክወሃብ ውሳነ ኣሕሊፉ።

2016 መጋቢት - ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ፕሬዚደንት ጃኮቭ ዙማ ንውልቃዊ ህይወቱ መማሓየሺ ኢሉ ዘውጽኦ ናይ ህዝቢ ገንዘብ ብዘይምኽፋሉ ሕጊ መንግስቲ ጢሒሱ'ዩ ኢለምዎ።

2017 ማዝያ- ፕሬዚደንት ጃኮቭ ዙማ ንዛእዩ ውሩይ ሚኒስተር ፋይናንስ ፕራቪን ጎርዳን ካብ ሓላፍነቱ ሰጕግዎ።