"ቤት ትምህርቲ ጀነራል ዊንጌት ዓቢ ክፋል ናይ ህይወተይ እዩ!"

ፕሮፌሰር/ቀሺ እዝራ ገብረመድህን

ፕሮፌሰር/ቀሺ እዝራ ገብረመድህን ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ሽወደን ዚነብሩ፡ ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ተምሃሮ ጀኔራል ዊንጌት'ዮም። ነቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዘጠናቐቕሉ ካብ 1947-1952 ዝነበረ ግዜ ንድሕሪት ተመሊሶም ክዝክሩዎ እነከለዉ ልቦም ብጣቋን ሓበንን ይመልእ።

ኣብቲ እዋን እቲ ዝሓሸ ብሪጣንያዊ ትምርቲ ክንቀስም ዕድል ዝረኸብና መናእሰይ ብምንባርና ነቲ ዕድል'ቲ ሙዚቃ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ስፖርት፡ ድራማ፡ ካልእ ፍልጠትን ንምምዕባል ከምእተጠቕሙሉ ይኣምኑ።

እቲ ኣብ ዊንጌት ብቋንቋ እንግሊዝ ዝወሃብ ዝነበረ ስርዓተ-ትምህርቲ ብኣህጕራዊ ደረጃ ዝልካዕ ነይሩ። መብዝሕትኦም መማህራን'ውን እንግሊዛውያን'ዮም ነይሮም።

እቲ ቤት-ትምህርቲ ንዝኽሪ ኦርድ ዊንጌት ዝተባህለ እንግሊዛዊ መኰነን'ዩ ተመስሪቱ። ጀነራል ዊንጌት፡ "ብሓይሊ-ጊደዎን" (Gideon Forces) ዝፍለጥ ካብ እንግሊዝን ኢትይጵያን ሱዳንን ዝተዋጽኡ ኣድበይቲ ሓይልታት ሒዙ፡

ንንጉስ ሃይለ ስላሴ ኣዐጂቡ፡ ንሓይልታት ጥልያን ብምስዓር ንኣዲስ ኣበባ ብምእትው ንኢትዮጵያ ሓራ ዘውጽአ ጀነራል'ዩ።

ፕሮፌሰር እዝራ ምስ ክልተ አሕዋቶም፡ ፕሮፈሶር ናይእግዚን ረዳእዝጊን ብኣከደምያዊ ነጥቦም ተሓርዮም ኣብ ዊንጌት ክመሃሩ ዕድል ዝረኸቡ ኣቦ እዮም።

ካብ'ቶም ሽዑ ምስኦም ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ እንክዝክሩ ከኣ ንፕሮፈሶር በረኸት ሃብተስላሴን ዶር ዮውሃንስ ሃብቱን ይረቝሑ።

ቤት-ትምህሪ ዊንጌት ብ1946'ዩ ተኸፊቱ፡ ስለዚ እቲ ህንጻ ከይተሃደሰ እዮም ቀሺ እዝራ ትምህርቶም ጀሚሮም።

"እቲ ቤት-ትምህርቲ፡ ቅድሚ መንግስቲ እንግሊዝ ምውራሱ፡ መንግስቲ ጥልያን ዝሰርሖ ነቕ-ዘይብል ህንጻ ምንባሩ ይዝከረኒ፡ ናይ ረድዮ ማዕከን ቅብብል'ዩ ነይሩ" ድማ ይብሉ።

እቲ ከባቢ ልሙዕን ሓውሲ በረኻ ምንባሩን፡ ኣብቲ ወሰናስን ለይተ-ለይቲ ዘላግሱ ኣዛብእ እንጉይ ክብሉ'ውን ይዝከሮም። ቀሺ እዝራ ሚስተር ሎረንሰ ሓለቓ ኣብ ዝነበሩሉ ዘበን ጂሚሮም ብዘበን ሚስተር ሀይሪንግ ከኣ ትምህርቶም ወዲኦም።

እቲ ክሳብ መጻወት-ኵዕሶ ዝዝርጋሕ ልሙዕ ሸኻ፡ ኣብ ዉሽጢ ሓጹር'ቲ ቤት-ትምህርቲ ዝነበሩ ብጫ ዝሕብሮም ግሩም ሽታ ዘለዎ ዕንባባ ዘፍርዩ ኣታኽልትን ኣግራብን፡ ሜዳ መጻወት-ክሪከት (cricket field)፡ ከምኡ'ውን ካብ'ቲ ቀጽሪ ፍንትት ኢሉ ዝነበረ ቤተ-ክርስትያን ጴጥሮስ-ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ካብ'ቶም ኣብ ኣእምሮኦም ዝተሰቝሩ ተዘክሮታት'ዮም።

ኣብቲ እዋን ጫማ ዝውቱር ብዘይምንባሩ ናብቲ ቀንዲ ህንጻ ዚወስድ ጸጻር መገዲ ብእግሮም ክኸዱዎ እንከለው ዝስመዖም ዝነበረ ስቅያት ይዝከሮም።

"እቲ ምስ መድርኹ ዝተሰርሓልና ሓድሽ ኦዲተርዮም'ሞ ብንጹር'ዩ ዝዝከረኒ" ይብሉ ቀሺ እዝራ።

ነቲ መድርኽ መዘምራን፡ ተዋሳእቲ፡ ዝተፈላለዩ ምርኢታት ዘቕርቡ ጕጅለታት ክጥቀምሉ ይዝከሮም፣ ብሕልፊ'ኳ ድኣ ንሶም ዝተኻፈልዋ "ጁልየስ ቄሳር" እትበሃል ናይ ዊልያም ሸክስፒር ተዋስኦ።

ነታ ተዋስኦ ንኽርእዩ ጃንሆይ ተዓዲሞም ኣብቲ ኦዲተርዮም ከም ዝነበሩ ኣይርስዕዎን። ይዅን'ምበር፡ ቄሳር ብኻራ ደጋጊሙ ክውጋእ ከም ክቱር ኣረሜናዊ ተግባር ስለ ዝተወስደ ንጃንሆይ ንኸየቐይሙ ተባሂሉ እቲ ተዋስኦ ንኸልዝብዎ ተገደዱ።

ልደት-ልደት ካብ ቤተ-መንግስቲ ህያባት ክቕበሉ ይዝከሮም። ገዘፍቲ ኣራንቺ፡ ፓነቶነ (ዶልሺ ጥልያን)፡ ጐልፎ ይልኣኸሎም ነበረ።

በብእዋኑ ድማ እቶም መማህራን ንተምሃርኦም ምስ ክላሲካል ሙዚቃ ንከፋልጥዎም በብጕጅለ ናብ ቤቶም ይዕድሙዎም እሞ፡ ታሪኽ ናይ'ቶም ደረስትን መበቈል ትውልዶምን ዉህደተ-ሙዚቃኦምን ይምህሩዎም ነበሩ። "ብዛዕባ ዊልያም አልጋር ዝተባህለ እንግሊዛዊ ሙዚቀኛ ዝደረሶ ሲምፎኒ ዀነ ቪዮሊን ኮንቸርቶ ከዘንትዉልና ይዝከረኒ" ይብሉ ቀሺ እዝራ።

ቤት ትምህርቲ ዊንጌት ብዓይነት-ትምህርትን ኣቀራርባን ብቕዓቱ ዝተራቀቕ ይንበር እምበር እቶም መምህራን ቀጻዓት'ዮም ነይሮም። "ብዓበይትና እቲ ግቡእ ጠለባት-ትምህርቲ ከነማልእ እንተ ዘይክኢልና ብሓለንጊ ከይተረፈ ይገርፉና ነይሮም" ይብሉ።

"በቲ ካልእ ሸነኹ ግን" ይብሉ ቀሺ እዝራ፡ "ቤት ትምህርትና ንፈታው ትምህርቲ ኣዝዩ ምሹው ነበረ ... ምናዳ'ኳ እቲ ሃብታም ዝትሕዝኡ ቤተ-መጻሕፍቲ፡ ብርክት ዝበሉ መጽሔታት ዓዲ-እንግሊዝ ስለ ዝነበሩዎ ከም ምንባብና'ዩ ነይሩ" ብምባል እቲ ሃዋሁው ንህብሩምና ተምሃራይ ዘሀብትም ምንባሩ ይገልጹ።

ቀሺ እዝራ ብርክት ዝበሉ ጦብላሕታት ፕሮፈሶር ናይእግዚ ሓዎም ኣለዎም። ኣንባቢ፡ ሓያል ናይ ጉስጢ ስፖርተኛ፡ ጸኒሑ'ዉን ሞኒቶር/ሓለቓ ተምሃሮ ከም ዝነበረ የዘንትዉሉ።

ንሶም እውን ኣብ ሓጺር ዝርሕቀቱ ጉያ ብልጫታት ከም ዝተቐበሉ ይዝክሩ። ሓደ እዋን'ውን ብበሪኽ-ዝላ (high jump) ቀዳማይ ይዅን ካልኣይ ብልጫ ክወጽኡ ይዝከሮም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ተማሃሮ ጀነራል ዊንጌት

እታ ቀንዲ ተዘክሮኦም ግን ኣብ መጠረሽታ ዓመቶም ኣብ ዉንጌት ዝተሸለምዎ ሽልማት'ያ። ብቍጽሪ ንተምሃራይ ከበደ ተድላ ተኸቲሎም ካልኣይ ብምውጽኦም ካብ ኢድ ንጉስ ሃይለስላሴ ሽልማት ተቐቢሎም።

ሕጂ እቲ ኣድማዕን ህቡብን ዝነበረ ቤት-ትምህርቲ ስምን ታሪኽን ጥራይ'ዩ ሒዙ ተሪፉ። ዘበን ተለዊጡ፡ መለለዮ ብቕዓቱ'ውን ምስኡ ኣንቆልቂሉ።

ወዮ ቀደም ኣብ ዝለዓለ ኣህጕራዊ መድርኻት ተራ ዝተጻወቱ ከም እኒ መለስ ዜናዊ ዝኣመሰሉ መራሕቲ ውልቀ ሰባት ዘፍሪ ዝነበረ ቤት-ትምህርቲ ሕጂ ኣይከም ቀደሙን፣ እንትርፎ እቲ ናይ ሽዑ "ጀነራል ዊንጌት ካልኣይ ደረጃ" ዚብል ዉቁጥ ምልክቱ ብምባል ትማልን ሎምን የገናዝቡ።

ቀሺ እዝራ ብ1935 ካብ ኤርትራውያን ቤተ-ሰብ ተወሊዶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓበዩ፡ መባእታዊ ትምህርቶም ኣብ ዳግማዊ ሚኒሊክ ኣጠናቒቖም ኣብ ጀነራል ዊንጌት ዝቐጸሉ ካህን እዮም።

ብድሕሪኡ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ዩኒቨርሲቲ ብስነ-ትምህርታዊ ሳይኮሎጂ ተመሪቖም ንሚነሶታ (ሕ.መ.ኣ.)ብስነ-ምምህርና ናይ ማስተርስ መዓርግ ወሰኽሉ።

ኣብ ሰይንት-ፖል (ሚነሶታ) ዝርከብ ዘርኣ-ክህነት (seminary) ተወሳኺ ኮርስ ድሕሪ ምክትታል ብ1963 ንኣዲስ ኣበባ ተመልሱ። ካብ 1963-1966 ናይ መካነ-የሱስ ቤተ-ክርስትያን ዋና-ሰክረታሪ ኰይኖም'ውን ኣገልገሉ።

ብ1970 ትምህርቶም ንምቕጻል ንሃገረ ሽወደን መጽኡ፡ ብ1977 ከኣ ብቲዮሎጂያ ናይ ዶክቶር መዓርግ ለበሱ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ምምህርና ብምግልጋል ኣብ 2011 ምስ ሓደ ሽወደናዊ ብጻዮም ብሱርን ምዕባሌን ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ እትትርኽ መጽሓፍ ድሕሪ ጽሒፎም፡ ሕጂ ኸኣ ብጊዜ ዉግእ ንጉስ ሃይለስላሴ ምስ ሽውደናዊ ሚስዮን ዝተለዋወጥዎ መልእኽትታት ዝምርኵሱ ካልአይቲ መጽሓፍ ንማሕተማ ቀሪቦማ ኣለዉ።