መሪሕነት ሰልፊ ኣፍሪካ ናሽናል ኮንግረስ ንፅባሕ ረቡዕ ኣኼባ ፀዊዑ

ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ካብ ስልጣን ንምውራድ ዝቐረበሎም ሕቶ ቅቡል ኣይገበሩን Image copyright AFP

ንደቡብ ኣፍሪካ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ንፅባሕ ረቡዕ፡ንፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ካብ ስልጣን ንምውራድ ክዝቲ ኣኼባ ላዕለዎት መሪሕቲ ፀዊዑ።

ሰልፊ ኤኤንሲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ሞንጎ ዙማን ምምሕዳር ራማፎሳን ኣብ ዝህሉ "መስርሕ ምስግጋር" ክዝቲ እዩ።

ላዕለዎት ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ትማሊ ሰኑይ ኣብ ጆሃንስበርግ ህፁጽ ኣኼባ ኣካይዶም ነይሮም። ይኹን እምበር ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ንዝቐረበሎም ክሲታት ብልሽውና ብምንጻግ ካብ ስልጣኖም ንከይወርዱ ኣቕቢፆም እዮም።

ኣፈኛ ሰልፊ ኤኤንሲ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ምስ ስልጣን ፕረዚደንት ዙማ ዘራኸብ ኣጀንዳ ከምዘይነበሮ ገሊፁ።

ኣብ 2009 ናብ ስልጣን ዝተረኪቡ ዙማ፡ ዝመፅእ ዘሎ ሓሙስ ህዝባዊ መደረ ክገብሩ'ኳ እንተተዳለው መሪሕነት እቲ ሰልፊ ግን ጃኮብ ዙማ ቅድሚ መደረ ምሃቦም፡ ስልጣኖም ከረክቡ እዮም ዝደልዩን ዝጠልቡን ዘለዉ።

ፅባሕ ረቡዕ ኣባላት ላዕለዋይ ኮሚቴ ሰልፊ ኤኤንሲ ክራኸቡ እዮም።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣንድሪው ሃርዲንግ፡ እቲ ኮሚቴ ንዙማ ከውርድ እንተወሲኑ ንሶም ዝቃወሙሉ ዓቕሚ ከምዘይህልዎምን

ካብ ፓርላማ እውን ተስፋ ዝህልዎ ውሳነ ከምዘይፅበዩን ሓቢሩ።

ውድብ ኤኤንሲ ንምንታይ ንዙማ ከውርድ ደልዩ?

ስልጣን ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ብኽስታት ብልሽውና እናተፀልወ መፂኡ እዩ።

ካብ ቀረባ እዋናት ንደሓር ብትውልዲ ህንዳውያን ምስ ዝኾኑ ሰብ-ሃፍቲ ዘለዎም ርክብ ኣብ ልዕሊ'ቲ ምሕደራ ፅልዋ ከምዘሕደረን ኣብ ተኣማንነት ዙማ ጥርጣረታት ከምዝፈጠረን ይዝረብ።

ኮይኑ ግን ዙማን 'ጉፕታ ፋሚሊ' ዝተብሃለ ህንዳዊ ኩባንያን ግን ነዚ ቅቡል ኣይገበሩን።

ኣብ ምንቁልቓል ከምዝርከብ ዝዝረበሉ ቁጠባ ደቡብ ኣፍሪካ'ውን ካልእ ምኽንያት እዩ። ስእነት ስራሕ እታ ሃገር 28 ሚኢታዊት በፂሑ'ሎ።

ካብዚ ዝነቅል ድማ ሰልፊ ኤኤንሲ ኣብ ስልጣኖም እምነት እናስኣነ ክመፅእ ኪኢሉ።

ካብ ኣመራርሓ እቲ ሰልፊ ንዙማ ዝድግፉ እንተሃለው'ውን ዓቐሚ ዝፈጥረሎም ከምዘይኮነ ይግለፅ።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኤኤንሲ ኣብ ሞንጎ ውሑዳት ደገፍቲ ዙማን ተቓወምትን ጎንፂ ተፈጢሩ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት