ምክልኻል ኣሜሪካ መዓልኡ ዘይፍለጥ $800 ሚሊዮን ዶላር ወጻኢ ገይሩ

ፔንታጎን Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ምክልኻል ኣሜሪካ መዓልኡ ዘይፍለጥ $800 ሚሊዮን ዶላር ወጻኢ ገይሩ

ብመሰረት ጸብጻብ ፖለቲኮ (ምንጪ ሓበሬታ)፡ እቲ ኣርነስት ኤንድ ያንግ ዝተባህለ ናይ ሕሳብ (audit) ትካል፡ ሸሞንተ ሚእቲ ሚሊዮን ዶላር መዓልኡ ኣይተፈልጠን።

እቲ ገንዘብ ኣብ ህንጸት ወትሃደራዊ ፕሮጀክትታትን ስርዓት ኮምፒተራትን ከምዝወዓለ'ዩ ዝንገር። ዲ ኤል ኤ ወጻኢታቱ ብጉቡእ ዘይምክትታሉ ተኣሚኑ፡ እንተኾነ ግን ጉድለት ተሓታትነት የለን ኢሉ።

"ዲ ኤል ኤ ምስ ጸብጻብ ኤርነስት ኣንድ ያንግ ይሰማማዕ'ዩ" ክትብል ኣፈኛ ዲ ኤል ኤ ንቢቢሲ ሓቢራ። "ኣብ እተሓሕዛ መዝገብ ጌጋታት'ኳ እንተነበረ፡ ጉድለት ተሓታትነት ኣብ ገንዘብን ንብረትን ግን ኣይነበረን" ኢላ ንሳ። ዲ ኤል ኤ፡ ብግዝፉ ይኹን ብሕልኽላኽነቱ ናይ ፈለማ ሕሳብ (ኦዲት) ዝተገብረሉ ክፍሊ ፔንታጎን'ዩ፡ "ብዓንተቡኡ'ውን፡ ኣብቲ ናይ ፈለማ ኦዲት ጽሩይ ጸብጻብ ክርከብ ኣይተጸበየን"።

እቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተመስረተ ዲ ኤል ኤ፡ ኣሰራርሕኡ ንምምሕያሽ ድሮ ስጉምትታት ይወስድ ከምዘሎ እታ ኣፈኛ ገሊጻ። "ኣሳሰይቲ ናይ ኣሜሪካውያን ከፈልቲ ግብሪ ከም ምዃንና መጠን፡ ዓላማና ኣብቲ ናይ 2018 ኦዲት ርኡይ ለውጢ ምግባር'ዩ" ኢላ ንሳ።

እቲ ሸውዓተ ሚእቲ ቢሊዮን ዶላር ዓመታዊ ባጀት ዘለዎ ክፍሊ ምክልኻል፡ ምሉእ ሕሳብ ወይ ኦዲት ተገይርሉ ኣይፈልጥ'ዩ ይበሃል። ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕን ኣባላት ኮንግረስ (ባይቶ ኣሜሪካ) ሰልፊ ሪፓብሊካንን ነቲ ሚኒስትሪ ተወሳኺ ቢሊዮናት ዶላራት ባጀት ክስልዓሉ ይጠልቡ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ኦዲት ኣብ ኣተሓሕዛ ባጀት ናይቲ ትካል ሳቕሎት ፈጢሩ'ሎ። "ነቲ ገንዘብ ክትቆጻጸሮ እንተዘክኢልካ፡ ኦዲት ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ" ኢሉ ሪፓብሊካን ሰኔተር ቻክ ግራስሊ።

ብመሰረት ፖሊቲኮ፡ እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ሰራሕተኛታትን ኣርብዓ ቢልዮን ዶላር ዓመታዊ ባጀት ዘለዎን ዲ ኤል ኤ፡ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ክፍሊ ናይቲ ፔንታጎን'ዩ። ዓመታዊ ናይ ፔንታጎን ባጀት ልዕሊ ፍርቂ ትሪሊዮን ዶላር እዩ።

ዲ ኤል ኤ ወረቓቕቲ ናይ ሓደ ሚእቲ ሚሊዮን ዶላር ኣብ ስርዓት ኮምፒተራት ዝወዓለ ወጻኢታት'ውን ከቕርብ ኣይከኣለን። እቲ ኦዲት ክሳብ ወርሒ መስከረም 2016 ዘሎ ናይ ባጀት ዓመት ዝሸፈነ'ዩ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት