ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ ክረኽብዎ ዝግባእ ረብሓታት ክሕለወሎም ተወሲኑ።

ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ

ማእከላይ ኮሚቴ ኦህዴድ ኣብዚ ቅነ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ ክረኽብዎም ዝግብኦም ዝተፈላለዩ ጠቕምታት ክሕለወሎም ወሲኑ።

ዶክተር ነጋሶ፡ ካብ 1987 ጀሚሮም ንሸሞንተ ዓመታት ቀዳማይ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣብ ስልጣን ፀኒሖም።

ካብ ስልጣን ምስወረዱ ከም መጠን ፕረዚደንት ነበር ክረኽብዎ ዝግባእ ጥቕምታት ንኣርባዕተ ዓመታት ጥራሕ ረኺቦም። ብውልቆም ተወዳዲሮም ኣባል ፓርላማ ካብ ዝኾኑ ንደሓር ድማ እቲ ዝግብኦም ተቛሪፁ።

መጠኑ ዘይገለፅዎ ገንዘብ ንክወሃቦም ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ከምዝተወሰነ ዶክተር ነጋሶ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ኣገልግሎት ሕክምና ከምዝወሃቦምን መኪና ከምዝዕድገሎምን ኦህዴድ ቃል ከምዝተኣተወሎም ገሊፆም።

"ዋላ'ኳ ድሕሪ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመታት እንተኾነ፡ ሕጂ እውን ይኹን ወጽዓይ ተረዲኡዎም መሰለይ ከኽብሩለይ ስለዝወሰኑ ንመሪሕነትን ኣባላትን ኦህዴድ የመስግን። ጉዳየይ ግን ናይ ኦህዴድ ጥራሕ ኣይኮነን" ኢሎም።

ከም መጠን ፕረዚደንት ነበር መሰሎም ክሕለወሎም ዝሓቱ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ፡ ነዚ ክገብር ዝግብኦ መንግስቲ ፌደራል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ዶክተር ነጋሶ ብ2295 ብር ናይ ጡረታ ገንዘብ እዮም ንዓመታት ክናበሩ ጸኒሖም።

"ዝተቐፃዕኩሉ ሕጊ ተመሓይሹ'ዩ ስለዝኾነ ድማ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮነ መንግስቲ ፌደራል ነቲ ጉዳይ መሊሶም ክርእይዎ ይግባእ" ክብሉ ተዛሪቦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ