ኣሜሪካ ንፕሮጀክት ሕድሳት ቤተክርስትያን ላሊበላ 13.7 ሚልየን ብር ለጊሳ

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ምስ ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ዶክተር ሂሩት ወልደማርያም Image copyright American Embassy in Ethiopia
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ምስ ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ዶክተር ሂሩት ወልደማርያም

ኣሜሪካ፡ ንሕድሳት ቤተ-ጎሎጎልታ ሚካኤል ላሊበላ ዝውዕል፡ 13 ነጥቢ 7 ሚልየን ብር ምልጋሳ፡ ኤምባሲኣ ብዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጣ።

እዚ ፕሮጀክት ዕላዊ ዝኾነ፡ ብሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ዶክተር ሂሩት ወልደማርያምን፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክል ሬይኖርን እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ፈንድ ቅርሲ ዓለም ዝለገሶ፡ 119500 ዶላር እውን ንሕድሳት እቲ ቤተ ክርስትያን ዝውዕል እዩ።

ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ዝካየዱ ሕድሳታት፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ 2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ኣብ ላሊበላ ዝተፈተኑ ከምዝኾኑ ድማ ተገሊፁ።

ኣብቲ ፕሮጀክት፡ ሰብ ሞያ ህንፀት እቲ ከባቢ ከምዝስልጥኑን፡ ሜላ እቲ ምሕዳስ ንመፃኢ ከምዝትግብሩ ተሓቢሩ።

እቲ ፕሮጀክት ዕላዊ ኣብ ዝኾነሉ ዝተረኸቡ ኣምባሳደር ሬይነር፡ እዞም ኣብያተ ክርስትያን፡ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣድለይቲ ከምዝኾኑን ብምግላፅ፤ ዝግበረሎም ሕድሳት እውን ኣገደስቲ ኮይኖም ንክቕፅሉ ዘኽእል እዩ ኢሎም።

"ዝሓለፈ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንምሕላው ጥራሕ ኣይኮነን ንሰርሕ ዘለና። የግዳስ ኣካል ባህልን ሃይማኖትን ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ እንበር" ብምባል ባህሊ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ብዙሓት ምኽንያታት፡ ብብዝሕነቱ ፍሉይ ቦታ ከምዘለዎ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ካብዚ ብተወሳኺ፡ ብሰላማዊ መገዲ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ዝግለፀሉ ሃዋህው ክህሉ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2003 ጀሚሩ፡ ንትሽዓተ ታሪኻዊ ቅርስታት ኢትዮጵያ ንምሕዳስ ሓገዝ ከምዝገበረ ተሓቢሩ።